Free Eritrea

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 24 May 2016 11:16:08 -0400

 
ሓራ ኣስመራ!
ድሕሪ ርሑቕ መገሻ ጎዕዞ ናይ ሓርነት
ቃላት ለቒመ ቀለም ኣብ ወረቐት
ንእሽቶ ክደርሰልኪ ካብ ልበይ ዝመንጨወት
ዝዓብኹልኪ ከተማ ኣስመራ ሕመረት።
ሓያል ማዕበል ንፋስ ናይ በረኻ
ቅልጡፍ ሰጓሚ ዓጋቲ ዘይብልካ
ኣነ ዝብሎ ኩሉ ጠራኒፍካ
መልእኽቲ ኣብጽሓለይ ሃየ ሓደራኻ።
ተወሊደ ዝዓበኹልኪ ሰታሪት ድኽነተይ
ከቶ ዘይርሳዕ ትዝታ ንእስነተይ
ጥንታዊት ስፍራ ሻውል ገዛውተይ
ብኣኺ ክፍልሞ ናይ ዮሃና መልእኽተይ።
ጨጎራ በሊዐ እናጐሰምኩ ቆሎ
ኲዑሶ ተጻዊተ ኣብ ማድራሳ ካንሸሎ
ዝዓበኹልኪ ሻውል ምስ ጨርሒ ማቸሎ
እንቋዕ’ዚ ርኤኺ ሓበንኪ ዝተኸሎ።
ገዛ ብርሃኑ ምስ ሻውል ዘዳውብ
ብምብራቕ ሓድሽ ዓዲ ዕዳጋ ዓርቢ ዘራኽብ
ጸበብቲ ጽርግያታት ንሓድሕደን ዘላግብ
ምስ ገዛ ባንዳ ሓበሻ ድኻታት ዘዕቍብ
ደሃይክን ብስራትክን ሰሚዐ እነኹ ይዓግብ።
መቓምጦ ብዙሓት ዘወርቲ ካሮሳ
ጽምዋ ቦታ ጫፍ ማይ ኣንበሳ
ጐላጒል መደሽቶ ባህራያዊ መናፈሻ
ዮሃና!ዮሃና! ምስ ኣኽሪያ ብሓፈሻ።
ሪጋ ሶማል ዝባን ጓርዳ ፊሎ
ኣጓዱ ገብሪኤል ግርማ ዝዓሰሎ
ቁልቁለት ናይ ፓስታ ቺነማ ሓማሴን
ብጸጋም መደበር ናይ ሓጻውን ማዕከን
ኣደራሽ ኢንኮደ ናይ ስጋ መኽዘን
ሰላም ደኣ ሰላም፡ ካብ ማእከል ክሳብ ወሰን።
እምነ-መሰረቱ ከተማና ዘገርሙ
ኣርባዕተ ኣስመራ ናይ ቀደም ሃዳሙ
ሰዊት ናይ ጎደና ስርናይ ምስ ስገሙ
እንቋዕ እዚ ርኤና ተመሊሱ ከም ቀደሙ።
ኣእዋም ቤት ጊዮርጊስ ዘሕብን ክትጥምቶ
ሜዳ ናይ ፈሮቭያ ኣጓዱ ደፖዚቶ
ገዛ ከንሻ ምስኡ ዝተሓወሶ
ሰላም ደኣ ሰላም ዓቢ ምስ ንእሽቶ።
ኣስካላ እንዳማርያም መንገዲ እንዳ ሴታ
ነዊሕ ዝጽርግያኣ ካርሾሊ መጥወይታ
ምችእቲ ንቕድድም ጉያ ብሺክሌታ
እንሆ ሓጐሰይ ምስ ልባዊ ሰላምታ።
ዕዳጋ እንዳ እኽሊ ኣሕምልቲ ኮሚደረ
መዓርፎ ኣውቶቡስ ኩሉ ዘጣመረ
ሹቕ ብሓፈሻ መዛወሪና ዝነበረ
እኒሀና ደጊምሲ፡ካብ ብወረ ዝተነጸረ።
ካብ ኪዳነ ምህረት ክሳብ እቲ ዓቢ መስጊድ
ኩሉ ጽርግያታት ኮምብሽታቶ ዝወስድ
እንሆ ህዝብኺ ከም ድልየቱ የኹድድ።
ናይ መስቀል ዳሜራ ፍልም ዝወልዐት
ዕዳጋ ናይ ሓሙስ ናይ ቀደም ማይ ጥምቀት
ምስ እምባ ጋልያኖ ቅድሜኺ ዝተሃንጸት
እንቋዕከ ተራኸብና፡ ዓይኒ ከም’ዚ ረኣየት።
ተዘክሮ ህይወተይ ካብ ኣዒንተይ ዘይፍለ
ነዊሕ ክሳድ ኩሩዕ ከም ብርለ
ጎቦ ናይ ሕዝሕዝ ብማዕዶ ዝልለ
እንሆ ሰላምታይ ካብ ልበይ ዝነቐለ።
ዓቢ ጎልጎል ኲዕሶ መጻወቲ
የማነ ጸጋም ናይ ፓራዲዞ ገዛውቲ
ክሳብ ማይ ተመናይ ናይ ቀደም ሕዛእቲ
እንካብ ተራኸብና ሓቢርና ንዘቲ።
ካብ ፎርቶ ጸጸራት ዝወረደ ሰኒታ
ቪላጆ ቤት መኻእ ወሰን ዝደረታ
ዝተቀበልኩዎ ሕድር ኰይኑ መፈጸምታ
ጸላም ተቐንጢጡ ኰይኑልና ወጋሕታ።
ከባቢ ኣስፒዳለ መንገዲ ኮምቦኒ
ጽቡቕ መናድቕ ዝተጸርቡ እምኒ
ቺነማ ናይ ክሮቼ ትኽ ኢሉ ዝወስደኒ
ናይ ቆልዓይ ከለኹስ ሕጂ ይዝከረኒ
ብሓርነት ተመሊሰ ኩርዓት ሓዲሩኒ።
ዓቐበት ማይ ጃሕጃሕ ክሳብ ኣዲስ ኣለም
ኮረቢት ዝባን ስንቀይ ሰታንታ ኦቶ ዝግምገም
ፋብሪካ ሜሎቲ ዝተተኽለ ቀደም
ብስያፍ ጎዳይፍ ዓለባ ዝእለም
እነኹ ተመሊሰ ዝማሕልኩዎ ከይንጠላለም።
ጽቡቕ ገዛውቲ ንሕድሕዱ ዝጣመት
ዓበይቲን ንኣሽቱን ክልተ ገጅረት
ጎልጎል ፍራንቼስኮ ላሳለ ጎረቤት
እነኹ ተመሊሰ ይዛረብ ብዓወት።
መንገዲ ኤክስፖ ንስምበል ዘውረደ
ቃኘው ብዓቢኡ ምስጢር ዝጋረደ
ንእሽቶ ካምፖ ፖሎ መካኒካት ዝወለደ
እንሆ እቲ ፍቅርና ብዕሊ ተጋህደ።
ኣስመራ ምጭውቲ ርእሰ-ከተማና
ብዙሕ ዝጸርኪ ኣደራዕ ወዲ ጓና
እንሆ ተበሲሩ ምስጢር ክልቴና።

ምንጪ፡- ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (05/26/91)
ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ቁጽሪ 99. ገጽ 4-5
ካብ ኤርትራ ብዓይኒ ኤርትራውያን መጽሓፍ ዝተቀድሐ።
-ሃይለ
Received on Tue May 24 2016 - 11:16:08 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved