መድረኽ ሕታም 20-ኣብዛ መዓልቲ`ዚኣ ድዛረቦ`ሎኒ! ብተስፋልደት ባህልቢ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 22 May 2016 13:35:38 +0200

መቕድም
ኣብ ምጅማርኩም፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኽብሪ 25 ብሩራዊ ኢየበልዩ ነጻነት ኤርትራ፡ ተባሂለ ዝተነድፈት ከም ምዃና ትሕብር። ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ነዛ ክብርትን ታሪኻዊትን ዕለት እዚኣ፡ ንምብራዝ ተባሂሉ ወያናዊ ዝኾነ ጎስጓስ፡ ብመንገዲ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ኣቢሉ፡ ይህወጽ ከም ዘሎ ስለ ዝተገንዘበት፡ ንእንታይ ገደሸና ዝብል ስቕታ ሓሊፋ፡ ስክፍታኣ ከተካፍል መሪጻ። ከርሲ መልእኽታ ከኣ፡ ብዘይካ ውሑዳት ሃገራውያን ተቓወምቲ፡ እቲ ዝበዝሐ ገዲም ተቓዋማይ እየ ዝብል ወገን፡ ደፊርካ ሚእቲ ካብ ሚእቲ፡ ናብ ኢድ ወያነ፡ ሰሊሙ እዩ ክትብሎ እኳ እንተ ዘይ ተኻእለ፡ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ድገፋ ወያነ ስለ ዘሎ ግን፡ ተስፋ ቀበጽ ከም ምዃኑ ክሕበር እዩ። ግዜ ብእዋና እንከሎ፡ "ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ " ምስ ተባህለ ብዘይ ምኽንያት ኣይተባህለን። ኮይኑ ከኣ። ቀቢጽናዮም። እዚ መድረኽ እዚ፡ ኤርትራ ኣብ መኸተ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ ዝኸፍኤ ጥርዚ ዕግርግር፡ ተበጺሑ ከም ዘሎ፡ ድሙቕ ከም ብርሃን ጸሓይ እዩ፡፡.....................................
ምንጪ፡ ሰኪዔት መርበብ ሓበሬታ መስከረም
 
ኣብ`ዚ ታህቲ ዘሎ መራኸቢ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ። ሰናይ ንባብ!
ብርሃነ ሃብተማርያም
 
 

Received on Sun May 22 2016 - 07:35:39 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved