“መለበሚ ኣይግበርካ መለበሚ ኣይክላእካ” ካባይ ተምሃሩ “ንኩሉኩም ኤርትራዊያ ኣብ ወጻኢ ሃገራት “

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 20 May 2016 19:45:04 +0000

"መለበሚ ኣይግበርካ መለበሚ ኣይክላእካ" ካባይ ተምሃሩ ክብረት ኣብ ጉኒ ሕዝብካን ሃገርካን
ዶዉ ምባል'ዩ "ንኩሉኩም ኤርትራዊያ ኣብ ወጻኢ ሃገራት "
ብመድሃኔ ገረዝግሄር ( ሊድስ ዓባይ ብርጣኒያ )
www.adalvoice.org.uk
____________________________________________________
ብመጀመርያ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ዕማማትኩም ዓወትን ኣስልጦን ይምነይልኩም ንኣብ ደገ ዝነብር
ኤርትራዊ ሃገራዊ ድማ ድምጺ ኮይንኩሞ ኣለኩም እሞ ኣብ ዕሌኩም ዘለኒ ክብርን ኣድናቆትን መግለጺ የብለይን ኣብ ጉንኩም
ኣለና በርትዑ።።

ነዚ ሎሚ ክጽሕፍ ክልእከልኩም ዘበገሰኒ ካድራት ወያነ ነቲ ምንጸሮር ዝኮኖ መከተ ኤርትራዊያን ንምድካም ኣብ ወጻኢ
ሃገራት ንዝርከባ ሃገርዊያን ምሕበረ ኮማትን ውዳቤታትን ንምዝራግ ኣንቂሉ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈላለየ ኣስማት ኣጠሚቁ ዘቆሞም መጋበርያታቱ ኣብ ልዕሊ ዘጋጦሞም መከተን ፍሽለትን ኣድማዕነቶም
ባይታ ስለ ዝዘበጠ ንዕላማታት ካድራት ወያነ ሕልምን ወያነ ከግሁዱ ከም ዘይክእሉ ብምእማን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ
ኣብያተ ጽሕፈቶም ከም ዝዓጸዎ ምስማዕና ናይ ትማሊ ዜና'ዩ።

ነቲ ትማሊ ዘይረከቦ ዓወት ምብታን ጥርናፈን መከተን ኤርትራዊያን ሎሚ እንተ ተመሰለሉ ንብዓት ሓርገጽ ዝንብዑ ብስም
ኮሚቴ ኤርትራዊያን ሓድነትን ፍትሕን ብዝብል ስም መሪቁ ዘበገሶም ኣብ ከተማታት ዓባይ ብርጣኒያ ኣብ ምንቅስቃስን ኣብ
ዕንኪሊልን ምዉዕዋዕን ይርከቡ ብምሕላዎም እዚ ድማ ኣብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ኤርትራዊ ኣብ ዝርከባ ክቅጽልዎ ብምኳኖም
ኩሉ ክነቅሓሎምን መሳርዑ ከስጥምን ብፍላይ ድማ መንእስያት
ግዳይ ከይኮኑ ክጥንቀቁ ከዘካኪር ሃገራዊ ኣሓላፍነት ስለ ዝተሰምዓኒ ጥራይ ዘይኮንኩ ቅድም ክብል ናይ ከምዚኣቶም ዝመሰሉ
ግዳይ ብሙካን ካብ ሕዝበይን ሃገረይን ስድራቤተይ ምፍልላየይ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዘፍቅሮም ደቀይን ናይ 15 ዓመት ናብራይ
ዝበትነ ብምካኑ ካባይ ተምሃሩ ክብረት ምስ ሃገርካን ሕዝብካንዩ እሞ ውዳቤታትኩም ኣሓይሉ ንቅሓት ኩኑ።

ኣብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ "ሕዝቢ ዓረ" ኣብ ዝጽንብሎ ዘሎ መበል 25 ዓመት ናጽነት ልዕሊ ጽንብል
ዘረጋግጾ ዘሎ ሓቂ ወትሩ ኣብ ጉኒ መንግስቱን ሕዝቡን ዶወ ምባሉዩ እሞ ሕጀዉን ንኩሉ መልኩዑ እናቀያየረ ዝመጾ ሸርሕታት
ከም ዝብትኖ ኣይጠራጠርን ዉዳቤኩም ኣሓይሉ።
"ኣብ ሕሉፍ ጌጋይ ንስድራቤተይን ሃገረይን ሕዝበይን ዝበደልክዎ ኣምላክ ይቅረይግበረለይ"
እዚ ምዕዶይን ተበጊሱ ዘሎ ሸርሒ ወያነ ንምብታን ሓድነትን ዉዳበን መከተን ኤርትራዊያን ኣብ ወጻኢ ሕዝቢ ብፍላይ
መንእሰያት ክነቅሕሉ ኣብ ምዝርጋሕ ድማ ተሓባበሩ
ዓወት ንሓፍሽ
ዘልኣለማዊ ዝክሪ ንስዉኣትና
ሓዉኩም መድሃኔ ገረዝግሄር
20/05/2016


​ሙሉእ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምስማዕ ሲዕቡ ኣብ ዘሎ ኣድራሻ ጠዉቁ -
https://www.youtube.com/watch?v=JJsaql8XbhM


GEYT5sG9XfBZ.png
(image/png attachment: GEYT5sG9XfBZ.png)

Received on Fri May 20 2016 - 15:45:04 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved