Facebook.com: "ሓንካስ ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ ይብል " *ኣርእስቲ ኣነ ኣየ ሂበያ*

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 17 May 2016 13:07:17 +0200

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ኪሮስ ስነምግባር ሰኺሩ ኣብ እስራኤል ምስ ሰብ ሓደር ዘየድሊ ምስ ባህልና ዘይከይድ ነገር ክገብር ምቅናዮ ክዛራርብ ቀንዮ፡ ኣብ ኸምኡ ኣቲኻ ምዝራብ ኣድላዪ ኮይኑ ኣይስመዓንን ምኽንያቱ ናይ ውልቃዊ ሂወቱ ብምዃኑ። ኣነ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ብዛዕባ ንመንሰያት ኣኪቡ ካብ መስመር ወጻኢ ልክዕ ከምታ ናይ ወያነ ዘረባ ክደግም ምቅናዮ እዩ። ንሱ ከኣ ንመንእሰያት ኢልዎም ተበገሱ ዕጠቁ። ኣብ ኤርትራ ሰራዊት ዝበሃል ስለ ዘየለ ምውጋእ ኣየድልየናንን እዩ እንዳ ኣፋጸና ኢና ንኣቱ። እሞ ሰራዊት እንተዘየለ ደኣ ሞ ንምንታይ ምዕጣቅ ኣድለየ? ንመን ኣብ ሓዊ ንምእታው እዩ? ቀጺሉ ህግደፍ ነቲ ኣብ ወጻኢ ተወሊዱ ዝዓበየ መንእሰይ ስልጣን ከረክቡ ኣብ ምቅርራብ ስለ ዘለው ሕጂ ቀልጢፍና ነርክቦም ይብል። ወይለየከይ ዘይንሰምዖ ዘይብልና ኣየናይ ኣብ ደገ ተወሊዱ ዝዓበየ መንእሰይ ኣብ ኤራትራ መጺኡ ስልጣን ዝሓዘ ኣሎ? ደሓን ንቀጽል ይብል ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ክልዓል ኢልና ኣይንጸበ። ምኽንያቱ ብናይ ጸጥታን ሰራዊትን ጌሩ ኩሉ መንግስቲ ስለተቆጻጸሮ። ሰራዊት የለን እንዳ ኣፋጸና ኢና ንኣቱ ዶ ኣይበልካን? ሕጂ ደኣ እቲ ሰራዊት ካበይ መጸ? ንቀጽል ኢሉ ኣቶ ኪሮስ ንዓይ እኳ ስለዝፈልጡኒ ኣብኡ ከለኹ እዮም ዝፈርሑኒ? ኣብ እንዳ 27 ከለኻ ረሲዕካዮ ዲኻ ክትሃድም ናይ ርእሲ ሕማም ኣለኒ ኢልካ? ክትበኪ ረሲዕካዮ? ወይስ ኣብ ገዛማንዳ መጺኻ ክትልምን ረሲዕካዮ? ደሓን ንሱስ ኣብዘይፈልጠካ ዓዲ ከይድካ ትሕሱ ኢኻ ዘለኻ። ከይመስለካ፡ ሕጂ ናብ ሰብኣይ ተቀይርካ? እሞ ኸኣ ንመንእሰያት ናብ ኢትዮጵያ ወሲድካ ከተዕጥቅ እሞ ኣብ ሓዊ ከተእትዎም ደሊኻ? ንስኻ ካልኣይ ዓመትካ ኣብ ትሕቲ ወያነ ካብ ትኸውን ንምንታይ ዓጢቅካ ዘይትፍትን ኣቶ ኪሮስ? እቲ ኣብ እስራኤል ዘለው ኣጣቂዖም ኣፉነውኻ እምበር ሓደ፡ነዛ ፈውሲ ሓሳድ ዝኸውን ሓደ ከማን ኣይተመዝገበን ክዓጥቅ፡ ወዲ መን ክሞተልካ ኤልሳ ጭሩም ደቃ ኣብ ለንደን ኮፍ ኣቢላ ደቂ መን ከተዕጥቅ ምሳኻ ኮለል ክትብል ቀንያ? እታ ትደልይዋ ናጽነት እንድሕር ደሊኹም ሰብ ከይለከምኩም ዓጢቅኩም ምጹ እምበር ሰብሲ ጎሪሓትልኩም እያ፡ ጣቅዒት ጣቅዒት ጥራሕ ሒዝካ ናብ ትግራይካ ኣቶ ኪሮስ።

 
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
 
Received on Tue May 17 2016 - 07:07:17 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved