ብኸዳዓት ደቂ ሃገር ዓንዲ ጽንዓትና ኣይንቕነቕን እዩ!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 14 May 2016 11:56:30 +0200

ብኸዳዓት ደቂ ሃገር ዓንዲ ጽንዓትና ኣይንቕነቕን እዩ!

Eritrea Opposition traitors ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቡኽራ ትሓርእ ።

ተስፋማርያም ሓጎስ:

|

ዝቢ ኤርትራ ንኣማእት ዓመታት ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ንምግላጾም ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ወሪድዎ እዩ ። ኩሎም እቶም መሬት ኤርትራ ዝረገጹ ገዛእቲ ሓይልታት ነናቶም ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ዘይጠፍእ በሰላ ጥራይ ዘይኮነስ ንውሉድ ወለዶታት ብምረት ዝዝከር ዘሎ እዩ ። ብፍላይ እቲ ዘመነ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣስካሕካሒ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ካብቲ ኣሜሪካውያን ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ቬትናም ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ዝዳረግ እዩ እንተበልናስ ምግናን ኣይከውንን ።

እቲ ኣብዚ ጸቒጠ ከስምረሉ ዝደሊ ናይቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ዘይኮነስ እቶም መሳርሒ ባዕዳዊ ገዛእቲ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሰውራናን ዘውርድዎ ዝነበሩ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት እዩ ።

ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ካብ ናይ ምዕራብ መንግስታት ዘይተኣደነ ኣጽዋር ጥራይ ኣይኮነን ዝወሃቦ ኔሩ ፣ ንወተሃደራቱ ዘሰልጥኑ ካብ በዓል ህንድን ኣሜሪካን ካልኦት ናይ ምዕራብ መንግስታት ውን ንሰራዊቱ ዘመናዊ ታዕሊምን ስልጠናን ይግበረሉ ኔሩ እዩ ። ንገረብ ብሓኽላ ከም ዝበሃል ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን ንምጥፋእ ብመንግስቲ እስራኤል ፍሉይ ናይ ኮማንዶ ኣሃዱ ካብ ኤርትራውያን ተመልሚሎም ይስልጥኑ ኔሮም ። ዋላ እኳ ገለ ውሑዳት ካብዞም ኮማንዲስ ኩነታት ተረዲእዎም ንሜዳ ናብ ቃልሲ እንተ ተጸምበሩ እቶም ዝበዝሑ ግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ካብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዝጠፍእ ኣይኮነን።

ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ሰራዊቶም ብምኽታብ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ መዓርግ ዝበጽሑ ኔሮም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መሪሕ ተራ ዝጻወቱ ኤርትራውያን እዮም ኔሮም ። ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ምስ ሶማል ዘካየደቶም ኲናት መሪሕ ተራ ዝተጻወቱን ንሰራዊት ሶማል ራዕዲ ዝፈጠሩን ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን እዮም ኔሮም። ኣብቲ ምስ ሰውራ ኤርትራ ዝተገብረ ናይ ሰላሳ ዓመት ደማዊ ቃልሲ ውን ኣብቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣማእት ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ መዓርግ ዝነበሮም ኤርትራውያን ኔሮም እዮም። ምእንቲ ከብዶም ዓድታት ኤርትራ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ብሓዊ ክቃጸላ፣ ኣዴታትን ህጻውንትን ኣብ ገዛ ዓጽዮም ሓዊ ከንድድዎም ፣ ነፍሰ ጾራት እቲ ህጻን እንተ ተወሊዱ ወንበዴ ክኸውን እዩ ብምባል ሰራዊት ኣምሓራ ብሳንጃ ከብዲ ጥኑሳት ክዝልዝሉ ከለዉ ከም ኤርትራውያን መጠን ኣየሕመሞምን !

ኣብ ኲናት መውጋእትን ምምራኽን ክህሉ ባህርያዊ ክነሱ ተጋደልቲ ኣብ ዝማረኹሉ ግዜ እዞም ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰበስልጣን ኣብ ልዕሊ እቶም ምሩኻት ኲናት ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዒ መግለጺ ቃላት ኣይርከቦን እዩ።

ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ እንመጽእ ውን እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን እዮም ኔሮም። ኣብዚ ግን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣብ ዝጠዓሞም ግዜ ነተን ነፈርቲ ውግእ ሒዞም ናብ ካልእ ሃገር ዝሃደሙን ብኡ ኣቢሎም ናብ ቃልሲ ዝተጸምበሩን ጀጋኑ ምንባሮም እዩ። ኤርትራውያን ኣብረርቲ ናይ ውግእ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ሃገሮም ዝተረድኦምን መጋበርያ ጸላኢ ክኾኑ ዘይመረጹ እዮም እንተበልኩ ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን።

ብስርዓት ሃይለስላሰ ዝጀመረ ግፍዕታትን ህልቂትን ስዒቡ በቲ ነቲ ስርዓት ዝተክአ ብሰብ ጽሩራ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ዝቐጸለ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ህዝቢ ኤርትራ ቆሲሉ ሰንኪሉ ተሰዊኡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ንባዕዲ ሃገር ተሰዲዱ። ኣብዚ ሃገሮምን ህዝቦምን ከዲዖም ኣብ ጎድኒ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዶም ዝጸምበሩ ከዳዓት ደቂ ሃገር ፣ ስርዓት መግዛኣቲ ተደምሲሱ ኤርትራ ነጻ ምስ ኮነት በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ገበን እንታይ ኮን ተሰሚዕዎም ይኸውን ? ዓዲ መን እዩ ዓንዩ ? ደቂ መን እዮም ተሰዊኦም ? ደቂ መን እዮም ሰንኪሎም ? ዋጋ ክድዓቶምን ጥልመቶምን ኣብ ልዕሊ ሰውራ ኤርትራን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ዘውረድዎ ግፍዕን ቅትለትን ረኺቦምዶ ? እቲ ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንኢትዮጵያውያን ምሩኻት ውን ከይተረፈ ምሕረት ዝገብር ውድብ ህዝባዊ ግንባር ነዚኦም ውን ምሕረት እዩ ሂቡዎም ።

ዓድኻን ኣዴኻን ኣይጥለማን እየን ! እቲ ምንታይሲ መተካእታ ስለ ዘይብለን። ትማል ጭፍራ ወያነ ብዶብ ኣሳቢባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መጠነ ሰፊሕ ወራር ምስ ከፈተት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ታተ ዝብል ህጻን ክሳብ ብምርኩስ ዝኸይድ ሽማግለ ከም ቆፍኡ ዝተተንከፈ ንህቢ በዓል በትሪ በትሩ በዓል ሴፍ ሴፉ ፣ በዓል ጎራዴ ጎራዴኡ መዚዙ ነታ ጭፍራ ዘይርሳዕ ትምህርቲ ሂቡዋ እዩ ። ኣብዚ ግዜ እዚ ውን እዞም ከዳዓት ደቂ ሃገር ኣብ ጎድኒ ጭፍራ ወያኔ ኮይኖም እነሆ ኣብ መላእ ዓለም ኣጀንዳ ወያነ ኣብ ምትግባርን ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣማሕሊፎም ንምሃብን ንመንግስቲ ኤርትራ ከጸልሙ ይውዕሉ ኣለዉ ። ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቡኽራ ትሓርእ ።

እዚ ክድዓት ናይ ኤርትራውያን ከምቶም ቅድሚ ስርዓት ወያነ ዝነበሩ ስርዓታት ደርግን ሃጸይ ሃይለስላሰን ከም ዝመኽኑን ንጉዕዞ ህንጸትን ልምዓትን ሃገርን ብዓቢኡ ከኣ ንህላወ ሃገር ክዓግቶን ኣይክእልን እዩ። ወይለኹም ኣንቱም ከዳዓት ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦም ! እቶም ሃገረይ ወይ ከኣ ሞት እንብል ተቐበልቲ ሕድሪ ሰማእታት ዝኾንና ኤርትራውያን ኣብ ጥቓኹም ኢና ዘለና ፣ ንነፍሲ ወከፍ እትገብርዎ ምንቅስቓሳት ብደቂቕ ኢና እንከታተሎ ። ብሃገር ጸወታ የለን ! ብሃገር ምቍማር ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ ። ዝርኢ ዓይኒ ዝሓስብ ኣእምሮ እንተ ደኣ ሃልዩኩም አኣብቲ ዘለኹሞ ሃገር ልኡላውነት ሃገር ማዕረ ክንደይ ረዚን ምዃኑን ኣብ ልዕሊ ከዳዓት ዝውሰድ ስጉምቲ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ክትዕዘቡ ፈትኑ። ልኡላውነት ሃገር እንተ ደኣ ዘይተሓልዩን ዘይተኸቢሩን ልኡላውነትን ክብርን ህዝቢ ክኽበርን ክህሉን ኣይክእልን እዩ ።

ርዝነትን ክብርን ሃገር ዘይርዳኣኩም በሃማትን ሕልናን ኣዕሚቑ ዝሓስብ ኣእምሮ ዘይብልኩም ደኣ ኮይንኩም እንበር ናጽነት ኤርትራ ክበሃል እንከሎ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ክረኣየኩም ዘለዎም እቶም ናጽነት ኣብ ምምጻእን ምውሓስን በጃ ዝሓለፉ ሰማእታት እዮም ። ናይዞም ኩሎም ሰማእታት ኤርትራ ዝፈሰሰ ደሞም ኣብ ሓደ እንተ ዝእከብ ክንዲ ምንታይ ቀላይ ኮን ምኾነ ? እቲ ኣዕጽምቶም ኣብ ሓደ እንተ ዝእከብከ ክንዲ ምንታይ ጎቦ ኮን ምፈጠረ ? እዚ ኩሉ ዝፈሰሰ ደምን ዝተሰብረ ኣዕጽምትን ኣነ ኤርትራዊ ክኸውንን ኣብ ሃገረይ ኮሪዐ መታን ክነብርን እዩ ኢልና ክንሓስብ ኣለና ። እዞም ወገን ወገን ዝሽትቱን ብሃገር ዝቋመሩን ከዳዓት ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ምስቶም ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንምጥፋእ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ናይ ምዕራብ መንግስታት ብምትሕብባር ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ወይጦታት ወይለኦም ! ኤርትራ ሃገር ሰማእታት ሃገር እቶም ሕሩያት እያ ፣ ናይቶም ሕሩያት ሕድሪ ዝተቐበሉ ሕሩያት ህዝቢ እያ ። ኤርትራ ብዝረብሑን ዘይረብሑን እትድፈር ሃገር ኣይኮነትን ! ንምምጻኣ ሕሩያት ተኸፊሎም እዮም ንምዕቃባ ድማ ሕሩያት ሴፎምን ጎራዴኦምን ዓቲሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትርብዒት መሬት ኤርትራ ኣብ ሓለዋ ከም ዘለዉ ፍለጡ ! ብደምና ዘምጻእናያ ሃገር ብደምና ከም እንዕቅባ ክንነግረኩም ንፈቱ ። ንነጻነትናን ዓንዲ ጽንዕትናን ክንቕንቕ ዝኽእል ሓይሊ ኣብዛ እንነብረላ ፕላኔት ከቶ የለን ! ንኹሎም ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተጻባእትና ትሕቲ መሬት ኣስፊርና ኣብታ ቅድስቲ ሃገርና ብነጻነት ኮሪዕና ንዘለኣለም ከም እንነብር ብተኣማንነት እንዛረቦ ሓቂ እዩ ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!

Received on Sat May 14 2016 - 05:56:31 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved