Fwd: On Sanction

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 11 May 2016 12:08:36 -0400

 
  
____________________________________
 From: HBokure_at_aol.com
To: madoteeritrea_at_gmail.com
CC: hbokure_at_aol.com
Sent: 5/11/2016 11:06:54 A.M. Central Daylight Time
Subj: On Sanction





 
"ማዕቀብ"
ማዕቀብ ኢሎምኻ ዕገዳ
ግርም! ግርም! ኢሉዋ ብዓዳ
ከይትሽምት ኣጽዋር ብሓረጣ
እዚ ኹሉ ከሎካ መዓንጣ
መዓስ'ሞ ዓለም ፈሊጣ
እንታይ ማለት.....?
ሞራልካ እንድዩ ብረት
ዘይስለብ! ዘይስረቕ፡ ዘይዝመት።
 
ማዕቀብ ኢሎምኻ ንመራሕቲ
ከይፈለጡ ምዃና ወከልቲ
ከይፈለጡ ምዃና መንግስቲ
እቲ ህዝቢ ሓደ፡ እታ ሃገር ሓንቲ።
 
ማዕቀብ ኢሎምኻ ወረ...
ነዚ ብውግእን ሽግርን ዝተረረ
ጽንዓቱን ኒሑን ዘመስከረ
ንዘመናት ንመዋዕል
ኣውያቱ ኢዩ ዕልል......!
 
ማዕቀብ ኢሎምኻ!
ግን ማዕቀብ ንመን?
ነብሱ ከም ዝኸኣለ ክእመን
ፋሕተርተር ዝብል ካብ ምጽዋት
እንሄለ ይስስን፡ ይዕምብብ ከም ዕጽዋት።
 
እቲ ማዕቀብ ወይ ጉዱ
ኣይኰነን'ዶ ነቶም ዝፈርዱ
እቲ ምንታይ ካብ ተፈራዲ
ፍትሒ ዝጐደሎ ፈራዲ
ምዃን'ዶ ኣየሕፍርን ግዲ።
 
ኣሃ.....
ንዓኻ ድዩ ማዕቀብ
ትማሊ-ትማሊ ምህርትኻ
ክትሓፍስ ኣብ ዓውዲ
ውግእ ከፈቱልካ ንግሆ ረፍዲ
ኣደዳ ፍሽለት ዓለም ፍርዲ።
 
ኣንታ ማዕቀብ ንመን? ንሃኮተ.....?
ነብሱ ክኽእል እንተመከተ፡ እንተመጐተ
ይቀናቀንዎ ንዘመተ።
ሃኮተ! ሃኮተ! ንእሽቶ ሓሰኻ
ክረምቲ ከይኣተወ ትእክብ መግብኻ።
 
ማዕቀብ'ዶ ማዕቀብ...
ኣደዳ ተንኰል ሰበብ
ኣየወ ነዚ ገመል ሳሕል
ዘይብል ብር-ብር
በጻምእ ክሳግም
ንሰማይ ዘንቃዕርር።
 
ማዕቀብ ግዜያዊ
ወይልኡ መሻረዊ
ምስ ዘእውዩ ዘእዊ
እንተ ብጥቅሚ እንተ ብፍርሒ
ኣይሓይሽን'ዶ ፍትሒ።
 
ማዕቀብ.....!
ማዕቀብ ንመን?
ፍርዲ ኣምላኽ ይውረድ
ክእመን......
 
-ሃይለ
 
 
                                                                    






Untitled.jpg
(image/jpeg attachment: Untitled.jpg)

Received on Wed May 11 2016 - 12:08:37 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved