Erigazette.org: ኣብ ዕደና ዝነበረና ፍልጠት ድሩት’ዩ ነይሩ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 8 May 2016 21:20:45 +0200

Hagerawi Dihnet – ሃገራዊ ድሕነት

May 8, 2016

ዘመናዊ ዕደና ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ኢንዱስትሪ ምዃኑ ኩሉ ዝሰማማዓሉ’ዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ዕደና ዝነበረና ፍልጠት ድሩት’ዩ ነይሩ። ከም ኣብነት፡ ኣብ 2010 ኣብ ኤርትራ ናይ መጀመርያ ዘመናዊ ዕደና ብቢሻ ክጅመር እንከሎ፡ ሕጽረት ምስ ዕደና ዝተኣሳሰር ፍልጠትን ክእለትን ዘለዎም ሞያውያን ክኢላታት (Mining Exploration, Mining Geologist, Geotechnical Geologist, Mining Engineering, Process Plant Engineering, Mine Planning Engineer, Production Engineer…) ከምዝነበረ ግሁድ ኰነ።

በዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ብልዑል ሸርፊ ወጻኢ ወጻእተኛታት ክኢላታት ብምምጻእ ነቲ ኣገዳሲ ቁጠባዊ ንጥፈት ክጅምሮ ተገደደ። እንተዀነ፡ እዚ ኣካይዳ’ዚ ብኹሉ መለክዒታቱ ንሓዋሩ ከምዘየዋጽእ ብኣግኡ ብምእማን፡ ማዕረ’ቲ ዝጀማመር ዝነበረ ዕደናዊ ንጥፈታት ኣብ ኮለጃትና’ውን ንሳይንሳዊ ፍልጠትን ክእለትን ዕደና ዘምህራ ክፍልታት (Departments) ብምኽፋት፡ ነዚ ናይ ኣማኢት ዓመታት መጻኢ ዘለዎ ናይ ዕደና ኢንዱስትሪ ዘካይዱን ዝመርሑን ሞያውያን ክኢላታት ንምፍራይ “ሀ” ኢሉ ወፍሪ ክገብር ጀሚሩ። እቲ ጻዕሪ ኣብኡ ጥራይ ኣየብቅዐን። ኣብ ኩባንያ ዕደና ቢሻ’ውን ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዝዓበዩ ናይ ስልጠና ማእከላት ብምኽፋት፡ እዞም ምስ ዕደና ዝተሓሓዝ ትምህርቲ ዝወስዱ ተመሃሮ ኮለጅ ናብ ቢሻ ብምምጻእ ናይ ክለሰ-ሓሳብን ግብሪን ስልጠና ዝወስድሉ መደብ ምሩቓት ሰልጠንቲ (Graduate Training Program) ጀሚሩ።

እንሆ ድማ ሕጂ ድሮ ብገለ ካብ’ዞም ዓውድታት ዝተማህሩን ዝተመረቑን 23 ቀዳሞት ኤርትራውያን ክኢላታት ዕደና ኣብ ቢሻ ብምምጻእ ንዝተወሰነ እዋን ከም ምሩቓት ሰልጠንቲ (Graduate Trainees) ኰይኖም ናይ ቀዳማይ ዓመት ስልጠንኦም ዛዚሞም ኣብ ናይ ካልኣይ ዓመት መደብ ስልጠና ተሰጋጊሮም ይርከቡ። ድሕሪኦም’ውን ካልኦት ልዕሊ 40 ድሮ ናይ ኮለጅ ትምህርቶም ዛዚሞም እግሪ’ዞም ቀዳሞት ሰልጠንቲ ብምስዓብ፡ ናብ ማእከል ስልጠና ቢሻ ተጸንቢሮም ይርከቡ። እዞም ሓዊ-ሓዊ ዝጨንዉ መንእሰያት ዘለዎም ወንን ነቶም ወጻእተኛታት ተኪኦም ዓንዲ-ሕቖ ናይ መጻኢ ኢንዱስትሪ ዕደና ኤርትራ ክዀኑ ዘርእይዎ ኒሕን እምብዛ ዘሐብን’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ኩባንያታት ዕደና በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባህርያዊ ጸጋታት ማዕድን ተሳሒበን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዝርከብ ንጥፈታት ዕደና የካይዳ ኣለዋ። እቲ ቢሻ ክጅምር እንከሎ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ክኢላታት ዝተራእየ ጽግዕተኛነት፡ ኣብ’ዘን ሓደስቲ ኩባንያታት ብብዙሕ መጠን ክጐድል’ዩ። ዓቕሚ ኣብ ዘይብልካ እዋን፡ ክምህሩኻን ፍልጠት ከሰጋግሩልካን ንዝኽእሉ ክኢላታት ኣምጺእካ እቲ ጕዕዞ ትጅምሮ። እንተዀነ፡ ከም’ቲ ቻይናውያን ዝምስልዎ ሰብ ኩሉ ግዜ ዓሳ ገፊፉ ከብልዓካ ምጽባይ ዘይኰነስ፡ ከመይ ገይርካ ዓሳ ከምዝግፈፍ ርኢኻ ባዕልኻ ነብስኻ ክኢልካ ዓሳኻ ገፊፍካ ምብላዕ’ዩ ዝሓይሽ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዓቕሚ ገዛእ ርእሱ ተመርኵሱ ዝሓድር ሰብ፡ ናጽነት፡ ክብረትን ዕብየትን ስለዘስተማቕር። (እዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ስእሊ፡ ምስ’ቶም ኣብ ኮለጅ ማይ-ነፍሒ ብMining Engineering ተመሪቖም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣብ ቢሻ ዝስልጥኑ ዘለዉ ክኢላታት ዕደና ዝወሰድናያ እያ።)

minningelself

Received on Sun May 08 2016 - 15:20:46 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved