Facebook.com: ሃገራዊ ድሕነት - ኤርትራዊ ሃገራዊ ኢዮበልዩ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብ እስራኤል

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 8 May 2016 13:39:20 +0200

ንጸላእቲ ዘሰንበደ ንሃገራውያን ጸባ ዘስተየ በዓል ነጻነት ኤርትራ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ንሰብ ሞራሉ ንምትንካፍ ያኢ ወያነ ንኪሮስ ሓድሽ ፓስፓርት ናይ ኢትዮጵያን ናይ ፈደረሽን ባንዴራን ብምዕጣቅ ንእስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ሰዲደሞ ጥራሕ ዘይኮኑ ንኹሎም ትግራዎት ብሽም ኤርትራውያን ኣብ ኣብታ ሃገር ዘለው ብኣውቶብሳት ጌሮም ኣኪቦም ጓይላ ኣንጻር ህግደፍ ተኻይዱ፡ በቶም ፈቀዶ ዓለማት ተዘርጊሖም ዘለው ወይጦታቶም ከኣ ደጊም ድሕሪ ሕጂ ህግደፍ ኣብ እስራኤል ኣብቂዑ እዩ ክብሉ ኣዊጆም፡ ኤልሳ ቶማም ከይተረፈ ተላኢኻ ነቲ ዳስ ወያነ ንምምዕራግ ብድሕሪኡ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ በዓል ነጻነት ንከይሳተፍ ጽዑቅ ዘመተ ከካይዱ ጀመሩ፡ ናብ ብዓል ነጻነት እንድሕር ተሳቲፍኩም መንግስቲ እስራኤል ነቲ ናይ ምጥራዝ መስርሑ ኣበርቲዑ ብምቅጻል ክሰጉኹም እዩም፡ ሕጂ ሕጂ ካብ ሃገር ወጺኹም ምስ መንግስቲ ዘዳለዎ በዓል እንተ ተሳቲፍኩም ነቲ ድሮ ዘይተቀበሉኻ መንግስቲ እስራኤል ምኽንያት ምሃብ ስለ ዝኾነ ዘይምስታፍ፡ ቪድዮ መሊእና ናብ መንግስቲ እስራኤል ከነረክቦ ኢና። ክንደይ ምጉዕባዕ ዘይተገብረ፡ ትማሊ ምሸት ግና ኣብ እስራኤል ዝነብር መንእሰይ ነቲ ናይ ኪሮስ ምትእኽኻብ ናይ ክሽነ ድግስ ስጋብ ዝመስል ብኣሽሓት ግምጥል ኢሉ ብምውጻ ንሓንሳብን መወዳእታን ነቶም ለሓስቲ ትፉኦምን መንግስቲ እስራኤልን ምስ ግንባሩን መንግስቱን ሃገሩን ምዃኑ ኣረጋጊጽሎም፡ ሰራውር ሻዕብያ ኣብ ደም ኩልና ዝኣተወን ኣብ ኩሉ ክፍላተ ዓለምን ከምዝተዘርግሐ ዘርኣየ ፍጻሜ፡ ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቁ 👉 https://www.facebook.com/azeb.gereberhan/posts/462360327294275

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
Received on Sun May 08 2016 - 07:39:21 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved