ሓዳስ ኤርትራ: ሃናጺ ጽምዶ – ንርግኣትን ዕብየትን ህዝብታት ዞባና!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 25 Apr 2016 20:56:32 +0200

ሃናጺ ጽምዶ – ንርግኣትን ዕብየትን ህዝብታት ዞባና!
(
ሓዳስ ኤርትራ መበል 25 ዓመት ቁ.203 23 ሚያዝያ 2016 – ገጽ 2)

ሓተታ፡ https://www.youtube.com/watch?v=NV_JoLJFRS8

logohadaseritreaዞባና፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን፡ ብሰሪ ዘቤታዊ ድኻማትን፡ ነዚ ድኻማት’ዚ ዝመዝመዘ ገዚፍ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታትን፡ ብፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላዋት፡ ብኣዕናዊ ኲናት፡ ግጭታትን ሽበራዊ መጥቃዕቲታትን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ እዩ። ኣብ ሶማል ነዊሕ ዝገበረ ገና ዘይሰኸነ ሕንፍሽፍሽ፡ ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን፡ ቅልውላው የመን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕብታት ዘምጽኦ ምቅይያራት፡ ዝፈጠሮ ባዶሽን ዘኸተሎ ገዚፍ ዕንወት፡ ህልቂትን ስደትን፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዘሎ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእን ጸጥታዊ ጸገማትን፡ ከምኡ’ውን በዚ ሕንፉሽ ኩነታት ባይታ ረኺቡ ከስፋሕፍሕ ዝጸንሐ ተግባራት ሽበራ፡ እቶም ዓበይቲ ግድላት ናይዚኮይኑ ኣሎ እዮም። 
ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓደገኛ ሃዋህው፡ ውሽጣዊ ርግኣትን ስኽነትን ምውሓስ ብቐዳምነት፡ ብካልኣይ ደረጃ ድማ፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ምርግጋጽ፡ ቀዳምነት ክስራዕ ዝግብኦ፡ ሓባራዊ ዕማም ህዝብታትን መንግስታትን ዞባና ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዞባና ዘለዉ፡ ብዙሕ ዝዓይነቶም ግጭትታትን ቅልውላዋትን፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ሓደ ሃገር ንሓድሕዱ ኮነ ኣብ መንጎ ህዝብታት ጎዶቦ ብዘሎ ዓሚቚ ጽልኢን ዘይምትእምማንን ናይ ምትዕብላል መንፈስን ዝተፈጥሩ ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ብግጉይ ዘቤታዊ ፖሊሲታትን፡ ነዚ ድኻማት’ዚ ዝመዝመዘ ግዳማዊ ጣልቃታትን ዝተሓንከሩ እዮም። ስለዚ ድማ፡ መንግስታትን ህዝብታትን ዞባና፡ ግዳማዊ ምትእትታውን ምእህጓር ጉዳያትን ካብ ዝዕድም ጎደና ተኣልዮም፡ ጉዳያቶም ባዕሎም ንምፍታሕ፡ ብደረጃ ውልቀ ሃገር ዘሎ ዘቤታዊ ጸገማት ይኹን ብደረጃ ዞባ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ተበግሶ ክወስዱ ዘለናዮ መድረኽ ሓላፍነት የሰክሞም እዩ። ዞባና ካብዚ ሕንኩር ኩነታት ወጺኡ ናብ ንቡር ክምለስ ክኽእል ኣለዎ። ካብ ዞባ ግጭትን ቅልውላውን ሽበራን ናብ ዞባ ሰላምን ልምዓትን ምትሕግጋዝን ክቕየር ኣለዎ። እዚ ንክኸውን ድማ፡ ኣብ መንጎ ሃገራትን መንግስታትን ዞባና፡ ሰፊሕ ኣጠማምታን ሓባራዊ ኣመለኻኽታን ምምዕባል፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ ንጡፍ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ንምዕዋቱ ብቅንዕናን ተወፋይነትን ምስራሕ የድሊ።

ራእይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላምን ፍትሒን ዝሰፈና ሃገረ ልምዓትን ቀጻሊ ዕብየትን ምህናጽ እዩ። እዚ ዘቤታዊ ራእይ’ዚ ክሰምር ግን፡ ህላዌ ርጉእን ተመላላእን ጎዶቦ፡ ቅርዕው ዞባዊን ዓለማዊን ኩነት ወሳኒ ምዃኑ፡ ጽኑዕ እምነት ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ሃገራዊ ቻርተርና፡ ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ናጽነትን ሃገራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ናይ ሰላምን ዘይሻርነትን ፖሊሲ ምዃኑ ብምጉላሕ፡ ኤርትራ ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለምን ብንኡስ ዓቕማ ኣበርክቶ ክትገብር፡ ብጎረባብቲን ከባቢን ጀሚራ፡ ዓይነት ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ስርዓት ብዘየገድስ፡ ምስ ኩሎም መንግስታትን ሃገራትን ዓለም፡ ኣብ ናጽነትን ምዕሩይ ሽርክነትን ዝምስረት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራዊ ክብርን ዝሕሉ፡ ልዕልና ኣህጉራዊ ሕጊ ዝምእዘዝ፡ ኩሉ መዳያዊ ምትሕግጋዝ ንምምዕባል ክትሰርሕ ከምዝግባእ የነጽር።

ነዚ ፖሊሲ’ዚ መሰረት ብምግባር፡ኤርትራ ምስናይ ኩሉ ዝገጠማ ብድሆታትን ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎን ንምስግዳድ ኣብ ልዕሊኣ ክካየድ ዝጸንሐ ኣጸላሚ ዘመተታትን፡ ብደረጃ ዞባ ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ንምርግጋጽ፡ ሓባራዊ ቁጠባዊ ምዕባለን ሽርክነትን ዜደንፍዕ ውሑስ ባይታ ንምፍጣር፡ ብዓቕማ ብሃናጺ ጽምዶ፡ ብቕኑዕ ድሌትን ልዑል ተገዳስነትን ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።

መርገጺ ኤርትራ፡ ኣብ ዞባዊን ዓለማዊን ጉዳያት፡ ፍትሒ ዘድምጽ፡ ዘይቅኑዕ ተግባራት ብትብዓት እናነቐፈ መስተኻኸሊ ሓሳባት ዘፍልቕ፡ ብዘይካ ባህጊ ርግኣትን ዕብየትን ካልእ ኣጀንዳ ዘይብሉ፡ ጥዑይን ምዕሩይን ዝምድና ህዝብታት ዜማዕዱ ፖሊሲ ሰላምን ዘይሻርነትን እዩ። በዚ መንፈስ’ዚ ኤርትራ፡ ኣብ ኣፈታትሓ ግጭታት ዞባና ዘለዋ መርገጺ ብቕንዕና ክትገልጽን፡ ምቕሉል ኣበርክቶ ክትግበርን ጸኒሓ እያ። ካብ ቅኑዕ ባህጊ ዝብገስ መርገጺ ኤርትራ፡ ነቶም ኣህዛብ ሓድሕድ ኣናቚቶም፡ ቀጻልነት ምዝመዛን ግብትናን ኬውሕሱ ዝደልዩ ሓይልታት ኣይምእምኦምን ይኸውን። ስለ’ዚ ድማ’ዩ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ንኽትሕጸር፡ ሰፊሕ ናይ ምስይጣን ዘመተ ክካየድ ዝጸንሐ። እንተኾነ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ በዚ ተጻብኦታት’ዚ ማእዝኖም ከይስሓቱ፡ ንውዲት ተነጽሎ ፈንጢሶም ብምውጻእ፡ ኣብ ቅኑዕ መስመሮም ይምርሹ ኣለዉ። ምስቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ኣህዛብ ዞባናን ዓለምን እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ሰላምን ፍትሒን ዝጠልብ ንቕሓት ተኣሳሲሩ ድማ፡ እዚ ቅኑዕን ሰጓሚን ፖሊሲ’ዚ፡ ተቐባልነቱን ውጽኢቱን እናሰፍሐ ከምዝኸይድ ኣየጠራጥርን። ሃናጺ ጽምዶ – ንርግኣትን ዕብየትን ህዝብታት ዞባና!

 
Received on Mon Apr 25 2016 - 14:56:33 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved