ሃገርና ኤርትራ ምስሊ ናይቶም ትሽዓተ ብሄራታ እያ!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 22 Apr 2016 00:50:43 +0200

ሃገርና ኤርትራ ምስሊ ናይቶም ትሽዓተ ብሄራታ እያ!

the nine Eritrean tribes
ኣንቱም ከዳዓት እንታይ ረብሓ ስለ ዘለኩም ኢኹም ኣብታ ሃገርና ዘዕነወትን ንህዝብና ግዳይ ስደትን ሞትን ህልቂትን ዝገበረት ኢትዮጵያ ኣብ ጎድና ተሰሊፍኩም ሃገር ንምጥፋእ ትጓየዩ ዘለኹም?

ብ ተስፋማርያም ሓጎስ

ገር ማለት ንስኻ ማለት እኳዩ ! ሃገር እታ ንስኻ ካብ ማህጸን ኣዴኻ ውጽእ ምስ በልካ ናይ መጀመርያ ኣየር ዘተንፈስካላ ፣ ዕትብትኻ ዝተቐብረትላ እያ ። ኣዴኻ እታ መሬት ዝሃበታ እናበልዐት ንስኻ ጡባ እናጠቦኻ ዝዓበኻላ እኮ ንሳ እያ እታ ሃገር። እወ ንሳ እያ እታ ንስኻ ገና ፍሑኽ ፍሑኽ ክትብል ምስ ጀመርካ ሓመዳ እናለሓስካ ዝዓበኻላ ፣ ታተ ጀሚርካ ምጉያይ ምስ ጀመርካ ከም ብተይ እናዓንደርካ ዝዓበኻላ ንሳያ እታ ሃገር ። እታ ሃገር እታ ምስልኻ ዝኾነት ብትምህርቲ ተኮስኲስካ ዝዓበኻላ መሬት ንሳ እያ እታ ሃገር ። ኤርትራ ንሳ እያ እታ ቅድስቲ ምስልና ምስሊ ናይቶም ትሽዓተ ብሄራት።

ኤርትራ ብዓመጽቲ መሰላ ተገፊፉ ምስ ተጎብጠት ኩሎም እዞም ትሽዓተ ብሄራት ትግርኛ ትግረ ዓፋር ሳሆ ኩናማ ናራ ሕዳረብ ብሌን ራሻይዳ ብዘይ ጻውዒት ደሞም ኣፍሲሶም ነጻ ንምውጻእ ሴፎምን ጉራዴኦም መዚዞም ናብ መኣዲ ቃልሲ ፣ ናብቲ ገደል ናብቲ ሰብ ፍጡር ወዲ ኣዳም ብሓዊ ዝልብለበሉ ቅንጣብ ምቁር ህይወት ዘይትርእየሉ ዝተሰለፉ ። እቲ ቀንዲ ናብዚ መሪር ናብራ ገድሊ ዘሰለፎም ሃገር ማለት ንሳቶም ፣ ንሳቶም ማለት ድማ ሃገር ስለ ዝኾኑ እዩ ። ምስሎም ስለ ዝኾነት ።

ነፍሲ ወከፍና ነብስና ንፈቱ ኢና ፣ ከይቆረና ከይንብደል ከይንርገጽ መሰልና ከይግፈፍ ነታ ምስልና ዝኾነት ሃገርና ክንኣልያን ከነልምዓን ከነለምልማን ካብ ዝኾነ ገባትን ተጻባእን ክንሕልዋን ክንከላኸለላን ዘገድደና ንሕና ሃገርና ፣ ሃገርና ድማ ንሕና ስለ ዝኾነት እያ ። እወ ንሕና ኤርትራውያን ነዛ ምስልና ዝኾነት ኤርትራ ካብ ገዛእቲ ነጻ ንምውጻእን ናጽነታ ንምዕቃብን ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ብሉጻት መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከፊልና ኢና ።

ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ንሃገርና ዝትንክፍ ዝኾነ ነገር ክንሰምዕ ከሎና ኣብ ውሽጢ ካልኢት ዘይትመልእ ግዜ ከም ጭርኡ ዝሓዝካዮ ነብሪ ብነድሪ እንትስእ ፣ እቲምንታይሲ እቶም ኣብ ከርሳ ኣዕሪፎም ዘለዉ ሰማእታት ቅጅል ስለ ዝብሉናን እቲ ዘረከቡና ሕድሪ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ግትር ስለ ዝብልን ። መስዋእቲ ናይዞም ብሉጻት ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ንዘንት ዕለት ተሰኒዱ ይነብር ። ኣሽንኳይዶ ሰብሲ ኣራዊት ውን ነታ ናተይ ዝብላ መሬቱ ዓመጸኛ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ክሳብ መስዋእቲ እዩ ዝኸፍለላ ። እዚ ዝኾነ ፍጡር ህላውነቱ ምስታ መሬቱ ዝተኣሳሰረን ፍጹም ዘይነጻሉ ምዃኖም እዩ ዘርእየና ። እዚ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ተፈጥሮ ዝሃበና ጸጋ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን እምበኣር ምእንቲ እታ መሬትና ክንዋደቕ ዘመን ዘይኮነስ ዘመናት ኣቝጺርና ኣለና ገና ውን ንቃለስ ኣለና ።

እዞም እርይራይ ወይጦታት ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦም ኣብዚ ግዜ እዚ ምስቶም ደመኛ ጸላእትና ኢትዮጵያን ዓንገልታ ናይ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ናይ ምዕራብ መንግስታትን ኮይኖም ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ደው ኢሎም ምስልና ንምድዋንን ሃገር ንኢትዮጵያ ኣማሕሊፎም ንምሃብ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ኣንቱም ከዳዓት እንታይ ረብሓ ስለ ዘለኩም ኢኹም ኣብታ ሃገርና ዘዕነወትን ንህዝብና ግዳይ ስደትን ሞትን ህልቂትን ዝገበረት ኢትዮጵያ ኣብ ጎድና ተሰሊፍኩም ሃገር ንምጥፋእ ትጓየዩ ዘለኹም ? ህልቂት ሽዕብ ፣ ጸላም ሰንበት ኣቝርደት ፣ ህልቂት ዑና ፣ ህልቂት ወኪዱባ ፣ ቅብጸት ባጽዕ ማርያም ግምቢ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰንበል ዝፈሰሰ ደም ውሒድኩም ድዩ ? እቶም ብግፍዒ ዝተቐትሉ ህጻናትን ኣንስትን ኣረጋውያንን ህዝቢ ኣይብጽሕኹምን ማለት ድዩ ?

ኣንቱም ረሲኣን ብደውኩም ደኣ ተቐበሩ እምበር ናብ ኢትዮጵያ ገጽኩም ክትስደዱን ኣብ ጎድኖም ኮይንኩም ሃገርኩም ከተዕንዉን ሃገርኩም ንኢትዮጵያ ኣማሕሊፍኩም ክትህቡ ቅሩብ ኣይትሓፍሩን ? ኢትዮጵያኮ ሃገር ከተዕኑን ህዝቢ ከተጥፍእን እምበር መዓርን ጠስምን ከተፍስስ ኣብ ኤርትራ ኣይትመጽእን እያ ! ጤለ በዱ ምስ ብጾታ ተባኢሳ ኣብ እንዳ ኣዛብእ ከይዳ ኣይትዕቆብንያ ! ኣንቱም ከዳዓት ቅሩብ ካብዛ ጤለበዱ ኣይትመሃሩን ! ሰማእታት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ቅሩብ ኣይዝከረኹምን ! እስኪ መዓስከር ደንደን ፣ ማይ ሓባር ኪዱ እሞ እቶም ጀጋኑ ኣካሎም ምእንቲ ሃገር ዝበጀዉ ረኣዩዎም ! ንሕልናኹም ቅሩብ ኣስርሕዎ ! ብጥይት ኢትዮጵያ ደይኮኑን ሰንኪሎም ! ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣትያ ነዞም ጀጋኑ ስንኩላን ነተን ዝተረፋ ደሞም ከተፍስስ ትምነዩን ትጽዕሩን ከም ዘለኹም ይርድኣኩም ድዩ ! መቓብር ሓርበኛታት ቶኾምብያ ብመዳፍዕ ኣዕንያ ንኣስከሬን ናይቶም ጀጋኑ ሰማእታትና ዘርያ ነቲ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ንትግራይ ከተግዕዝ ንስኻትኩም ውን ምስኦም ኔርኩም ተሰከምቲ ናይቲ ሳነዱቕን ካልእ ዝተዘምታ ጥሪትን ከብከብቲ ኔርኩም ። ነዚ እከይ ተግባር ክትፍጽሙ ከለኹም ከመይ ይስምዓኩም ?

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ግፍዕን ዝተሰብረ ኣዕጽምትን ዝፈሰሰ ደምን ዝዓነወ ንብረትን ዝርስዖ ከይመስለኩም ! ነፍሲ ወከፍ ትርብዒት መሬት ኤርትራ ጅግና ተቐቢሩላ ኣሎ ፣ ነፍሲ ወከፍና ሕድሪ ዝተቐበልና ድማ ነዛ ጀጋኑ ዝወደቑላን ዝተቐብሩላን መሬት ኣሽንኳይዶ ጸላእትና ካብ ሃገሮም ዝነፈረ ሃመማ ውን መሬት ኤርትራ ከይረግጽዋ ደምናን ኣዕጽምትናን ከፊልና ክንሕልዋ ምዃንና ክትፈልጡ ይግባእ ።

ኣንቱም ከዳዓት ርኳን ሕብረተሰ ዝኾንኩም ኤርትራውያን እዚ ካብ ሃገር ወጻኢ ኢና ዘለና ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣየረኻኽቡልናን እዮም እናበልኩም ንህዝቢ ኣውራጃዊ ሕማም ኣለዓዒልኩም ትገብርዎ ዘለኹም እከይ ተግባር እንተዘይ ኣቋሪጽክምዎ ወይለኹም ! ንሕና ኤርትራውያን ትሽዓተ ብሄራት ክልተ ሃይማኖት ኣበይ ዓድኻ ከይተበሃሃልና ኢና ብሓባር ንኤርትራ ቆሲልና ሰንኪልና ተሰዊእና ሃገርና ካብ ምንጋጋ ገዛእቲ ነጻ ኣውጺእናያ ። ሓድነትና ከም ወርቂ ብሓዊ ዝተፈተነን ዘይንቕነቕን እዩ ።

ሎሚ ኣብ ፈቐዶ ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ካልኦት ማስ ሜድያን ንመንግስቲ ኤርትራ ከተጸልሙን ንመንእሰያት ግዳይ ስደትን መከራን ትገብሩ ዘለኹምን ርኣዩና ስምዑና ክትብሉ ትውዕሉ ዘለኩም ጽባህ ሕብኡና ፣ መሬት ውሓጥና ክትብሉ ምዃንኩምን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምሕረት ከምዘይትረኽቡን ካብ ሕጂ ፍለጡ ! ኣይኮነንዶ ብህይወትኩም መሬት ኤርትራ ክትረግጹ ሬሳኹም ውን ናብ ኤርትራ ከም ዘይኣቱ ካብ ሕጂ ፍለጡ ። ብኤርትራን ህዝባን ነልኡላውነታን ሰማእታታን ዝመጸና ኣይንፈቱን ኢና !

ስለዚ ኣንቱም ከዳዓት ወይለኹም ሓለንጊ ሰውራና ኣላ ተመጣጢት እያ፣ ንሳ ዘይትበጽሖ ኩርናዕ ናይ ዓለም የሎን ! እዞም ትሽዓተ ብሄራት እታ ካብ ሰፈራ ሓንሳብ እንተ ወጺኣ ብደም ጸላእቲ ከይተልቀየት ናብ ቦትኣ ዘይትምለስ ሴፎም ወትሩ ቅርብቲ እያ ዘላ። ምስ ጸላኢ ሰሚሩ ሃገር ጀጋኑ ክደፍር ዝመጸ ከዳዕ ውን ክሳዱ ክብተኽን ኣምዑቱ ክዝልዘልን ምዃኑ ካብ ሕጂ ፍለጡ ። ናብ ወያነ ካብ ተምበርከኽኩምን ተዓሰብኩምን ዕጫ ወያነ ክበጽሓኩም ምዃኑ ካብ ሕጂ ፍለጡ ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ተምበርከኽኩምን ተዓሰብኩምን ናይ ግድን ኣምሓርኛ ክትርድኡ ኣለኩም እሞ ነዛ ፣ ከኑግ ጋር የተገኘህ ሰሊጥ ኣብረህ ተወቀጥ ትብል ምስላ ወፍየልኩም ኣለኹ ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!

Received on Thu Apr 21 2016 - 18:50:44 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved