Tigrigna.Voanews.com: ቂሔ - ጽልሚ፡ ሓዲሽ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ካብ ኣስመራን ብዛዕባ ዕረፍቲ ድምጻዊ ሙሉጌታ በየነ ካብ መቐለ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 17 Apr 2016 21:24:31 +0200

ቂሔ - ጽልሚ፡ ሓዲሽ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ካብ ኣስመራን ብዛዕባ ዕረፍቲ ድምጻዊ ሙሉጌታ በየነ ካብ መቐለ

ሚያዝያ 17, 2016

ካብሰብወርቂ ኣብርሃ ትበሃል። ጓል 24-ዓመት መንእሰይ’ያ። ኣብ ቐረባ እዋን ‘ኣሶንያ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ጽሒፋ’ላ። ኣብ ዕላማታት ዕዉት ህይወት ድማ ተተኩር። ሓዲሽ ወኪል ክፍሊ ትግርኛ ብርሃነ በርሀ ብዛዕባ’ታ መጽሓፍ ኣዕሊሉ’ሎ።

ድምጻዊ ሙሉጌታ በየነ

ድምጻዊ ሙሉጌታ በየነ

ድምፃዊ ሙሉጌታ ኣብ ትግራይ ኣብ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ እዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝፀነሐሉ 23 ዓመታት ድማ በታ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝወጸት ካሴቱ ይዝከር።

ብፍላይ "ዘይምፍቃር ይሓይሽ ከም ባሕታዊ ገዳም፣ጥሪ ዝሃበትኒ ህይወት ጓል ኣስመራ፣ዓርኰኮባይ" ዝብላን ካልኦትን ደርፍታቱ ብዙሓት ይፈትውዎን።

ድምፃዊ ሙሉጌታ ኣብ መቐለ ዓይደር ላዕለዋይ ሕክምና ንሰለስተ ኣዋርሕ ክሕከም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ሰሉስ ምሸት እዩ ዓሪፉ።

ወዲ 58 ዓመት ድምፃዊ ሙሉጌታ በየነ በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ቆልዑን እዩ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/a/3287929.html
Received on Sun Apr 17 2016 - 15:24:31 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved