ቃለ መጠይቅ ምስ ኣምባሳደር ግርማ፣ 14 ዓመታት ድሕሪ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 15 Apr 2016 16:26:20 +0000 (UTC)

ቃለ መጠይቅ ምስ ኣምባሳደር ግርማ

ሚያዝያ 15, 2016

14 ዓመታት ድሕሪ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

‘ኢትዮጵያ ንሉኣላዊ መርየት ኤርትራ ጎቢጣ ካብ ትሕዝ 14 ዓመታት ኮይኑ’ሎ’ ዝበሉ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፣ እዚ ጉዳይ’ዚ ንሓንሳብን ንሓዋርን ክፍታሕ ኣለዎ፣ ቀጻሊ ምዝኽኻርን ጥርዓንን ንገብር ኣለና’ ኢሎም።

ብመሰረት ብይን ኮምሽን ዶብ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝተዋሃበ መርየት ኣይሓዝናን ዘለና፣ ዘይናትና ኣይንደልን ናትና ኣይንህብን’ዩ ጭብጥና፣ መን እንታይ ጎቢጡ ሒዙ’ሎ? ማንም ክሪኦ ዝኽእል’ዩ’ውን ይብሉ ኣምባሳደር ግርማ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ፣ ትግባረ’ቲ ውዕል ሰላምን ብይን ኮምሽን ዶብን ኣብ እንግደዐ ክልቲኤን ሃገራት’ዩ፣ ሓላፍነት’ቲ ቤት ምኽሪ ምሕጋዝ ጥራሕ’ዩ ኣይብልን ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፣ ኣብ ክንድኡ እቲ ቤት ምኽሪ ንቻርተር 7 ክፍፅም ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ጉዳይ’ዚ ተመሳሳሊ ሪኢቶ ዝተሓተቱ ኣብ ኒውዮርክ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣቶ ዳዊት ይርጋ ብወገኖም ‘ትግባረ ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን፣ ኣብ ርእሲ ክልቲኤን ሃገራት’ዩ’ ኢሎምና’ለው። ፅባሕ ዓርቢ ክነቅርቦም ኢና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል :-

http://tigrigna.voanews.com/a/ethiopia-eritrea-border-crisis-at-the-unsc-ambassador-girma-asmerom/3286128.html
Received on Fri Apr 15 2016 - 12:26:50 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved