ኣብ ልዕሊ መሬት ኤርትራ ዝተርክበ ኩቡር ማዕድን "ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን"..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 10 Apr 2016 12:56:40 +0000

ካብ ዝጽሓፍኩዎም ጽሑፋት ከም'ዛ ሓጻርን ግን ብምሊዬናት ቃላት ክጽሓፍ ናይ ዝክእል ኩቡርን ኣብነታዊ መራሒ ክጽሕፍ
ከለኩ ጌሩ ዝተሰምዓኒ ሓበንን መሉእ ርእሰታኣማንነትን ዝፍጠረለይ ስሚዒትን መግለጺ ኣይረክበሉን'የ ።
ኣብ ዓለምና ብዛዕባ ዝሓለፉን ዘለዉን ሓርበኛታት መራሕቲ ክስምዕን ከንብብን ከሎኩ ኣብ ዓይኒ ሕልናይ ፍረሱ እናጋለበ
ዝመጸኒ ተጋዳላይ አስያስ ኣፎርቂ'ዩ።

ኩሉ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፍጥረ ፊጡር ወዲ ኣዳም ኣብ ህይወት ዘመኑ ስሪሑ ክኣቱ ህይወቱን ህይወት ስድራቤቱን ክቅይርን
ብተመሳሳሊ ከም ኩሉ ትምኒታት ፕረስደንት ክከውን ዘይምነ የለን፥እንተ ሰሊጥዎ ክኣ ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ብዝረከቦ ዕድል
ገለ የበርክትን ህይወቱን ህይወት ስድራቤቱን ኣብ ዝልዓለ ጸገነት ይሰቅል።
ኩልና ከም ንዝክሮ ባራክ ኦባማ ምስ ተዓወተ ኣብ ጻዕዳ ገዛ ምስ ኣተካ መጀመርያ ክትገብሮ እትደሊ እንታይ'ዩ? ዝብል
ሕቶ ብጋዜጠኛታት ምስ ትሓተ ንደቀይ ክሕልወን ዝምነዬኦ ዝነብራ ክልተ ኮራኩር ኣክላባት ክገዝኣለን ክብል መሊሱ ሽዑ
ንተጋዳላይን ፕረዚደንተይን ኢስያስ ኣፎርቂ ከም ወትሩ ዘኪረ ብዘይ ምክኒያት ኣይነብረን።

ምስ ፕርስደንት ኢስያስ ዝተራከብኩሉ ኣጋጣሚ ሓደ ክልተ ግዜ'ዩ፤ ምስ ኣሕዋቱን ስድራቤቱን ግን ጽቡቅ ርክብ ነይሩኒ
ብፍላይ ምስ ናሽቱ ኣሕዋቱ ጵጥሮስን፥ናርዶስን ዝያዳ ነይሩ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሓዳር ጌሮም ወሊዶም ዘሚዶም ኣብ ኣስመራ
ጸበብቲ ገዛ ተካሪዮም ብርሃጾም ክንብሩ ገድፍዮም ሕጂውን ዝተቅየረ የለን ።
እታ ኣብ ገዛ ከንሻ እትርከብ ገዛ ወለዶም ሕብሪ ውን ኣይቀየረትን ከምኣ ኢላ'ላ።
ከም ኩሉ ኤርትራዊ ወላዲ ድማ ንደቁ ኣብ መደብ ሃ/ገልግሎት መሪቁ ኣፍን'ዩ፤ ኣብ ዝተመደብዎ ኣሃዱ ድማ ኣብ ወፊሪ
ህንጸትን ምክልካል ሃገር ይርከቡ፤ ኣብ'ዛ ብዓመጽን ሃርጎምጎምን እትምራሕ ዓለምናን ዘለናዮ 21 ክፍለ ዘመን መን ኣሎ
ብኣብነት ዝጥቀስን ምስ ዉፉይ መራሒ ሓርበኛ ተጋዳላይ ሃገረ ስማእታት ኤርትራ ተወዳዲሩ ብኣብነት ዝጥቀስ? ኩሉ ግዜ ኣብ
ኣእምሮይ ዝልዓልን ዘይተመልሰ ሕቶ?
*ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት መን ኣሎ ኣነ*
ፕረዚደንት ኢስያስ ከም ካልኦት መራሒቲ ኣፍሪቃን ኣህጉር ዓለምና ካብ ሃገር ናብ ሃገር ኣብ ቀይሕ ምንጻፍ ከሽኮንድር
ርኤ ዝብል? መን ኣሎ ደቂ ፕረዚድንት ኢስያስ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክዕንድሩን ክምሃሩን ብገንዘብ ሃገርን ሕዝብን ከላገጹን
ሰብ ክረግጹ ትዓዚበ ዝብል? መን ኣሎ ክብርቲ ብዓልቲ ቤቱ ቀዳመይቲ ወይዘሮ ኤርትራ ክብርቲ ተጋዳሊት ሳባ ልዕሊ ኣዴታት
ኤርትራን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኮይና ከም ካልኦት ኣንስቲ ምራሒቲ ሃገራት ጸብለል ኢላ ሪኤያ እፍልጥ ዝብል? መን ኣሎ
ፕርዚደንት ኢስያስ ንወለዱን ኣሕዋቱን ደቁን ሓለፋ ሕዝቢ ኤርትራ እዚ ጌሩ ኣብ ርሻናት ኣስፊሩ ዝብል? ወዘተ ሓደ የለን።
ብዛዕባ ልዕሊ ኣልማዝን ሉልን ሓያልን ኣብነታውን መራሒ ሃገረ ኤርትራ ሓርበኛ ተጋዳላይ ፕርዚደንት አሰያስ ቡዙሕ
ምተገልጸ ብሓቂ መን'ዩ ኣብ'ዛ ብዓመጽ ዝትከበት ጠላም ዓለም ነዚ ካብ ሰብ ፍጡር ዘይትጽበዮ ፍትሓዊ ባህርያት ዝውንን?
ኣብ መውዳእታ ክብሎ ዝደሊ ንሕና ኤርትራዊያን ክርዳናኣናን ክንከስሮ ዘለና; ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ማዕድናት
ቅድሚ ምርካብና ኣብ ልዕሊ መሬት ​ኤርትራ ልዕሊ ወርቅን ኣልማዝን ሉልን; ኩቡርን ተባዕን መራሒ ከም ዝረከብና ንዓልም
ክነግራን ንደቅና ድማ ምሉእ ሰብ ዝብሃል ከም ወዲ ኣፎም ምካኑ ክንምህሮም ይግባእ; ኣብ መወዳእታ ታሪክ ተጋዳላይ
አስያስ ኣፎርቂ ታሪክ ህዝባዊ ግንባርን ታሪክ ሕዝቢ ኤርትራ ብምኳኑ።
ምእንቲ እዛ ሓላል መሬት ኤርትራ ንኩቡር መራሒና ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ።

ወርቃዊ ቃል
-------------
ኣብ'ዛ ሃገር ትምህርቲ ነጻ'ዩ ደቀይ ደቂ ፕረሲደንት ስለ ዝኮኑ ካብ ካላኦት መዘናታቶም መንእስያት ንላዕሊ ሓለፋ
ክረክቡ በየናይ ኣገባብ? ብናተይ ዘኮነ ብናቶም ዕድልን ጽዕርን ክነብሩ ኣለዎም።
"ኩቡር ፕረስደንት ኢስያስ ኣፎርቂ"
-------------------------------
ዘልኣለማዊ ዝክርን ክብርን ንስማእታትና
ክብርን ሞጎስን ንኩሎም ሓርበኛትን ዋርሳይን
ክብርን ሞጎስን ንሕዝቢ ኤርትራ
ዓወት ንሓፍሽ


ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/


0tm5NPpZjT5c124.png
(image/png attachment: 0tm5NPpZjT5c124.png)

Received on Sun Apr 10 2016 - 08:56:40 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved