(ቃለ መጠይቅ ምስ ሚ/ር ሀርማን ኮሀን )ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሎም ሀርማን ኮሀን

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 6 Apr 2016 10:22:28 +0000 (UTC)

ሚያዝያ 06, 2016

ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሎም ሀርማን ኮሀን

‘ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህውከት ዘይተፈለዮ ዞባ’ዩ። ሶማልያ፣ዳርጋ ዝወደቀትን ማእከል ኣሸበርቲን ኮይና ኣላ። ፀገማ ናብ ኬንያ እናላሓኸ ፀጥታዊን ቁጠባዊን ሃሰያ የስዕብ ኣሎ’።

‘ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ምዕባለ ተርኢ ዘላ ሃገር’ያ። ናይ ወፃኢ ኢንቨስትመንት’ውን ይኣቱ’ሎ። ፖለቲካዊ ሃዋሁ ግና ፅቡቅ የለን። ምኽንያቱ፣ መንግስቲ ኣንፃር ተቃወምቲ ቀታላይ ኣፅዋር እንተተጠቂሙ ፅቡቅ ምልክት ኣይኮነን። እዚ ንቁጠባዊ ምዕባለ ጎዳኣይ’ዩ’።

‘ኤርትራ ዝተገለለት ሃገር ኮይና ፀኒሓ’ላ። ቁጠባዊ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ዕፁው ስለዝኾነ ህዝባ ዝሳቀዩላ ሃገር’ያ። ከምሳዕቤኑ ድማ መናእሰያታ ይስደዱ’ለው። ኬንያ ፅቡቅ ቁጠባዊ ተስፋ ኣለዋ። ስለዚ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕውስዋስ’ዩ። ፅቡቅን ሕማቅን ኮይኑ’ሎ’ በሉ።

ምስ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ማዕረ ክባሃል ዝኽእል ዝምድና ኣለኒ፣ ቀንዲ ድልየተይ ክልቲኦም መንግስታት ርክቦም ናብ ንቡር መሊሶም ምርኣይ’ዩ። ንምዕዋቱ ድማ ኩሉ-ሻዕ ቅሩብ’የ በሉ።

ምስ መንግስታት ክልቲኤል ሃገራት’ዶ ተዘራሪቦምሉ ይፈልጡ? ኢልናዮም እወ! ምስ በሉ፣ ፅፁይ ሓበሬታ’ዶ ክውስኹለይ ምስበልናዮም ‘ኣይፋለይን፣ ሚስጢራዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ’ዩ’ ኢሎም።

ቃለ መጠይቅ ምስ ሚ/ር ሀርማን ኮሀን (10:19)

*ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/a/ethiopia-eritrea-peace-process-herman-cohen-ports-of-eritrea-djibouti-sudan-berbera/3270367.html
Received on Wed Apr 06 2016 - 06:22:28 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved