ኣብዚ ነቶም ረቐቕቲ ኣዕኑድ ናይ ህላዌና ዝኾኑ ባህልናን ታሪኽናን ንምድምሳስ ከም ዓበይቲ ታርዔታት ተውሲደምሉ ዘለዉ ግዝየ ንሕና ዉን ብዓጸፌታ ታሪክናን ክብርታታናን ክንኩልዕ ኣበርክቶና ሞግባር የድሊ።

From: Daniel Berhane <dasenai_at_yahoo.co.uk_at_dehai.org>
Date: Sun, 3 Apr 2016 21:44:12 +0100

ምምራቅ ስነስርዓ ሓዳስ ኣልቡም ናይ ተስፋልደት ኪዳነ ሓያሎ ተቀማጦን ስነጥበባውያን ለንደን ዝተሳተፍዎ በዓል ተካይዱ። መራሒ መደብ ሚኪል ተኽላይ ዕላማታት ናይቲ መደብ ድሕሪ ምንጻሩ፡ ንተሳተፍቲ ምስጋና ድሕሪ ምቅራብ ሓድነትናን ሕዉነትናን ኣደልዲልና ከም ቀደምና ኣብ ኩሉ ማሕበራዎን ረበሓ ሃገርናን ንገብሮ ምትሕግጋዝን ምብርካትን ብዝሓየለ ክንቅጽሎ ተላብዩ። ብድሕሪዚ ስነጥበብን ተርኡን ኣመልኪቱ ሲዒድ ዓብደልቃድር መግለጺ ሂቡ። እቲ ቀንዲ መአከቢና ባህልናን መንነትናን ኾይኑ ኣብዚድማ ስነጥበብ ዓቢ ተራ ከምዘለዎን ከምዚ ኣበርክቶ ናይ ተስፋልደት ኣገዳስን ብኹልና ክታባብዕ ከምዘለዎን፣ ናይ ተስፋልደት ኣበርክቶ ድማ ብቀጻሊ ንነዊሕ ንህዝቡ ከምዘገልገልን ኣብሪሁ። ንስነጥበብ ምሕያልን ከምዚ ዓይነት ፍርያት ንክፈሪ ኩሉም ስነትበባውያን ምትሕግጋዝ ናይ ኩሉ ብዝሓየለ ክንሰርሓሉ ከምዘለና ገሊጹ። ብድሕሪዚ ብዛዕባ ኣዛ ሓዳስ ኣልቡም ናይ ተስፋልደት ኣመልኪቱ ዳንኤል ብርሃነ ጽሑፍ ኣቅሪቡ። ስነጥበብ ንሕብረተሰብ የንጸባርቖ ጥራይ ዘይኮነ ይመርሕ ዉን ስለዝኮነ ኣብ ባህልና መልእክቲ ናይ ስነጥበብ ፍርያት ማእከላይ ቦታ ከምዘለዎን በዚ መጠን እቲ ተስፋልደት ኣቅሪብዎ ዘሎ ዘሕብንን ኣገዳስን መልእክቲ ኣብ ባህላንናን መንነትናን ታሪኽናን ቀሪቡ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብዚ ነቶም ረቐቕቲ ኣዕኑድ ናይ ህላዌና ዝኾኑ ባህልናን ታሪኽናን ንምድምሳስ ከም ዓበይቲ ታርዔታት ተውሲደምሉ ዘለዉ ግዝየ ንሕና ዉን ብዓጸፌታ ታሪክናን ክብርታታናን ክንኩልዕ ኣበርክቶና ሞግባር የድሊ። በዚ መንጽር ናይ ተስፋልደት ሓዳስ ስነጥበባዊ ስራሕ ኣብዚ ጉዳይ ዓቢ ኣብነታዊ ስራሕ ምዃኑ ተገሊጹ። ተስፋልደት ነቲ ዘሓብንን መማዝንቲ ዘይብሉ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ህዝባዊ ግንባር ዝገበሮ ቅያታትን ምስጢራት ዓወታት እንታይ ከምዝነበሩ ብወንኻ ዘንቀሳቕስ ጣዕመ ዜማ ኣፍርዩ። ብተወሳኺ ግዝያዊ ጸገማት በዲሃ ሃገርና ናብ ሽሻይ ትኸደሉን ናይ ስደት እዋን ዘብቅዓሉን ዘመን ከምዚመጸን ተስፋን ራኢን ዘለዎ ትሕዝቶ ከምዝቀረበን፤ ከምእዉን ፍልስፍናዊ ኣቀራርባ ዘለዋ ደርፊ ምትእስሳር ሃገርን ፍቅርን ከም ኣብ መንጎ ኣብ ማህጸን ኣደ ዘሎ ህጻንን ኣደን ዘሎ ምትእስሳር ሃገር ዉን ከምኡ ምዃና ብዉሕሉል ስነጥበባዊ ስርሓት ከምዝሰርሖን ኣብ ባህልን ክብርታትን ኣመልኪቱ ቀሪብዎ ዘሎ ስራሕ ተዘርዚሩ። ምስ ናብራ ስደት ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ክትቅርብ ከቢድ ከምዃኑ ግና ተስፋልደት ካምቶም ፍቅርን ወንን እምበር ብዕዳጋ ዝጽሎ ብዘይምዃኑ ኣብቲ ዉጺኢት ስራሕን ተወፋይነቱን ጎሊሑ ይርአይ። ሰነጥበብኛታትናን ተሳተፍትን ብውገኖም ብዛዕባ ተስፋልደትን ዝገበሮን ኣበርክቶን ፍርያትን ኣመልኪቶም መግለጽታት ገሮም። ተሳተፍቲ ናይዚ በዓል ኣብዚ ዳርጋ ኩሎም ስነጥበበኛታት ተቀማጦ ዓዲ እንግሊዝ መናእሰያትን ገዳይም ስነጥበበኛታት ዘቅረብዎ ምርኢት ብዘርኣይዎ ወንን ኣብ ሰዓት ናይ መደብ ምስኣከልን ከምዚ ቀጻሊ መደብ ንኽግበር ዘቅረብዎ ጠለብ ከምዝዓገቡ ዘረጋግጽ እዩ ኔሩ።
Received on Sun Apr 03 2016 - 16:47:14 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved