ምጕት ጀነቫ ካበይ ተበጊሱ ኣበይከ ክውዳእ’ዩ ንረብሓ መንከ ክውዕል’ዩ?

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 1 Jul 2016 21:15:16 +0200
ምጕት ጀነቫ ካበይ ተበጊሱ  ኣበይከ  ክውዳእ’ዩ ንረብሓ መንከ ክውዕል’ዩ?
 Jun 27, 2016
ምንጪ ጽሑፍ፡ ኤሪጋዜጣ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር ከመይ ቀኒኹም ?
 
ሎም ቅነ ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ብዙሕ ሓድሽ ምዕባሌታት ተራእዩ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀንቭ ቀሪቡ። ብዙሓት ደገፍቱ ደቂ ሃገር ከኣ ኣይኮነን መንግስትና ቅኑዕን ፍትሓውን ኢዩ፡ እዚ ቀሪቡዎ ዘሎ ክሲ ዓመጽዩ ክብሉ ንኽድግፉዎ  ንጀነባ ውሒዞም። ብድሕሪኡ እውን ተቓወምቲ ወይ ተጻረርቲ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሕምብርቲ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ጀሚርካ ክሳብ እስራኤልን ኤውሮጳን ኣሜሪካን ጸረ መንግስቲ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነ ብኣሽሓት ዝዀኑ ደቂ ሃገር እቲ ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ ንሕና ባዕልና ነረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ከይትገድፉዎ በጃኹም እሰሩልናን ኣጥፍኡልናን ክብሉ ንጀነቫ ተጓይዮም።
 
ብርእይቶይ እቲ ጕዳይ  ኣብ መንጎና ኣብ መንጎ  ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ካልኦት ሓያላት ሃገራት ምትእትታው ዘለዎ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ዝካየድ ዘሎ ዓቢ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ክውስን ዝኽእል ፖለቲካዊ  ትሕዝቶ ዘለዎ ጕዳይ ኢዩ።
ኣብቲ ደገፍ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጀነቭ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተፈላለዩ ፓርትታትን ተቓወምትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፎም ንመንግስቲ ኤርትራን ንህዝቢ ኤርትራን  ዓው ኢሎም ኣረጋጊጾም ኣለዉ።  እዚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካዞም ባዕለይ ዘዕበኹዎምን ስረ ዘዕጠቕኩዎምን መራሕቲ ወያነ ካልእ ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምሳይ ኣሎ ንማለት ንመራሕቲ ወያነ ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ደገፍቶምን መወልቶምን ዓለምን ንምጥንቃቕ ዝመረጾ ዓቢ ውሳኔ ስለዝዀነ ብርእይቶይ ተጋግዩ ወይ ከይሓሰበሉ ዝወሰዶ ሜላ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን።
 
እቲ ሕቶ ግን ስርዓት ወያነስ ኣብዚ ኵሉ ምስ ኤርትራን ህዝባን ጽልኢ ምእታዉስ ንምንታይ ኣድለዮ? ንረብሓኡ ድዩኸ ዝብልዩ? ብርእይቶይ ብፍጹም ኣይኮነን። ነዚ ከኣ ድሒሩ ነገር ምስ ተበላሸወ ድኣ ኰይኑ እምበር ሎምስ ተረዲኡዎ  ከም ዘሎ ፍሉጥ ኢዩ።  ዋላ ነቲ ሃገርን ስልጣንን መንግስቲ ዝሓዙ ንሳቶም ስርዓት ወያነ ይኹኑ እምበር  ኤርትራን  ኢትዮጵያን  ክልተ ነንበይነን ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ኰና ከምዚ ኣቡኡን ኣዲኡን ተፋቲሖም ምስ መኖም ምንባር ከም ዝመርጽ ዝሽገር ቆልዓ እቲ ኩሉ ዝቐርብ ተዋስኦታት ገዲፍና ምስ ተፈላለና  ኣብ ኢትዮጵያ እቶም  ኣዝዩ ዝኸበዶምን ዓቕሎም ዝጸበቦምን መሪሕነት ወያነ  ኢዮም።
 
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  (ህወሓት)  ንጕዳይ ትግራይን መሰል ርእሰ ውሳኔኡን እምበር   ንኢትዮጵያ ካብ ስርዓት ሃይለስላሰ ወይ ደርጊ ንምውጻእን መንግስቲ ንምትካልን  ዝበሃል ዕላማ ወይ ተስፋ ፈጺሙ ኣይነበሮምን። እኳ ድኣ ብሰንኪ እዚ ንትግራይ ጥራሕ ኢልካ ምግዳል ዘይምቕባልን  ቃልስኹም ንምሉእ ኢትዮጵያ ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ ብማለት  ምስ ህዝባዊ ግምባር ኣዝዩ ዘይምርድዳእን ምፍሕፋሕን ከም ዝነበሮም ከኣ  ዘይርሳዕ ናይ ትማሊ ታሪኽ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን ብሳላኹም ኣብዚ ኩሉ ስልጣንን ሃብትን በጺሕና ብማለት ኣብ ክንዲ ዘመስግኑን ንረብሓን ሰላምን ክልቲኡ ሃገራት ዝሓስቡን ጽቡቕ ብምግባርናን  ኣብ ስልጣን ኮፍ ስለ ዘበልናን ብኣንጻሩ እትው ምስ በሉ ንጽባሒቱ  ንጕድኣትናን ጥፍኣትናን ምሕላሞም ኢዩ።
 
እዚ ማለተይ ግን ንመንግስቲ ኤርትራ ፈትየን ንኢደን  ዘይኮነ እቲ ባእሶም ንምንታይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝብኣሱን ንህዝቢ ኤርትራ ዝብድሉን ንውድቀቱ ዝሓስቡን ዝሰርሑን ስለዝብል ኢዩ።
 
ኣነ ኤርትራዊ ሃገራዊ እምበር ናይ ማንም ጸግዕን ተደናጋጽን ኣይኮንኩን። እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገረይን ህዝበይን ዝግበር በደልን ብመንግስቲ ኤርትራ ክግበር ዝርእዮ ጌጋታትን እውን ንኽዛረበሉ ዘሰክፈኒ  ኣይኮነን። ቅድሚ ሎሚ ተዛሪበሉ ኢየ ድሕሪ ሕጂ እውን ክዛረበሉ ኢየ።  ብርእይቶይ መንግስቲ  ኤርትራ ካብዚ ኵሉ ኰለል ዝብሎ ዘሎ ምስ ህዝቡን ኣብ ውሽጡን ንዘሎ ጸገማት ክኣሊ መጀመርያ ምስ ህዝቡ ኢሂን ምሂን ክብል እንተዝኽእል ዝቐለለ ምዀነ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝቡ ብምእካብን ብምጥርናፍን  ንህዝቡ ኣዕጊቡን ብድሌቱ ኣዕጢቑን ምሓየለ’ሞ እዞም ትማሊ ባዕሉ ዘዕበዮምን ዘምሰሎምን መራሕቲ ወያነ ኣይኮነንዶ ክደፍሩዎን ከፈራርሑዎን ይትረፍ  ስሙ  ንኸልዕሉዎ እውን ኣይምደፈሩን ነሮም ብሃላይ ኢየ። ኰይኑ ግን  ዓመጽን ስደትን  ከወግድ፡ ፍትሒ ከንግስ ንህዝቡ ብሰላምን ብቕሳነትን ከምሓድር ብዙሓት ደቂ ሃገርን ዓለምን ለሚንናዮ ክሰምዕ ፍቓደኛ ኣይኮነን። እቲ መንግስቲ ኤርትራ ስለዘይቀንዔን ኣብ ሃገሩ ፍትሒ ስለዘየንገሰን ኢልና ንሃገርናን  ህዝብናን  ዕሽሽ  ክንብል  ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉን /ዝሓለፋን ጀጋኑ ስዉኣት  ክንጠልምን እሞ መንግስቲ ካብ ሓሰመናስ ሃገር ባዕላ ትፈልጥ ኣብ ገደል ትእቶ ስርዓት ወያነ ከም ድላዮም ይጻወቱላ  ይውረሩዋ ይድፈሩዋ ክንብል ግን ሕልናና  ክቕበሎ ዘይግባእ ኢዩ።
 
ለውጢ ፈቲና ጸሊእና ክመጽእ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ናትና ናይዞም ኣብ ደገ ዘሎና ሓገዝን መተባብዕን ክኸውን ይኽእልዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ለውጢ ዝመጽእ  በቲ ዝበዝሔ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን እምበር በቶም ኣብ ደገ ኰንና ንፍክርን ኣብ ፓልቶካት  ንግዕርን ዘሎና ደቂ ሃገር፡  ብስርዓት ወያነ ወይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን  ኣይኮነን። እቲ ዝመጽእ ለውጢ ብዝዀነ መንገዲ ክሳብ ዝመጽእ ከኣ ነቲ መንግስቲ እናነቐፍናን እናወቐስናን ኣብ ክንዲ ሃገርናን ህዝብናን ብዓቕምና ምሕላቕን ምዝራብን ክንደክም ኣይግባእን። መንግስትን ሃገርን ህዝብን ፈላሊና ክንርእዮም ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።
 
ትግራዎት ካብ ነዊሕ ዓመታት መግዛእቲ ጣልያን ጀሚሩ ኵሉ ምትእስሳሮምን ንግዶምን ረብሓኦምን ምስ ኤርትራ ስለዝጸንሔ ካብ ኢትዮጵያ ኤርትራ ትቐርበና ኢሎም ብልቦም ከም ዝኣምኑ  ሓቂ ኢዩ። ህዝቢ ትግራይን እቲ ከበሳዊ ህዝቢ ኤርትራን ከኣ ብትውልዲ ብመውስቦ ብባህሊ ብሃይማኖት ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ህዝቢ ኢዩ። ሎሚ ብሰንኪ ስርዓት ወያነ እንተተፈላለየ ጽባሕ ግን እዚ ክልተ ሓው ዝዀነ ህዝቢ ከም ዝዕረቕን ብሰላማዊ ጕርብትና ከም ዝነብርን እውን ዘጠራጥራ ኣይኮነን።  ከምቲ ብሰንኪ ውግእን ምስ ኢትዮጵያ ዘይምቅዳውን ንህዝቢ ኤርትራ ሃስዩዎ ዘሎ ከኣ ከምኡ’ውን እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዘይምስምማዕ ንኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ከቢዱዎን ኣሸጊሩዎን ከም ዘሎ ዝሰሓት ኣይኮነን።
 
ሓደ ንብረት ካብ ብመንገዲ ባጽዕ ብመንገዲ ጅቡቲ ክመጾም ከሎ ዝወስዶ ጊዜን ገንዘብን ፍልልዩ ካብ ሰማይ ንምድሪ ኢዩ።  ኤርትራ  ንዕኦም  ዘይትብጽሖም ካልእ ጓና ጐረቤት  ሃገር ኰይና ክርእዩዋ  ከኣ  ነቲ ንዓና ንኤርትራውያን ንምዕሻውን ንምትላልን ብቓላቶም ዝጠቕሱዎ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝዛረቡዎ ዘይሓቂ  ገዲፍካ ንስርዓት ወያነ ኣዝዩ ከም ዝኸበዶም ጥራሕ ዘይኮነ  ክውሓጠሎም ዘይከኣለ ካብ ኵሎም ብሔራት ኢትዮጵያ ብዝያዳ ኣሕዚኑዎምን ዓቕሎም ኣጽቢቡሎምን ከም ዘሎ ብግሉጽ ዝርኤ ዘሎ ነገር ኢዩ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ግን ካብ ናትና ዘይሓይሽ ንህዝቡ ዝሓልን ዝግደስን መሪሕነት ስለዘይወነኑ  ነቲ ምስ ኤርትራ ብቐሊል ክኣልዩዎን  ክፈትሑዎን ዝግባእ ዝነበረ ጸገም ብምንዓቕ እዚ መንግስቲ ኤርትራ ከይወደቐን ከይተሳዕረን ከይተምበርከኸን ወደባቶም ኣይንጥቀመሉን ኢና ኢሎም ብምሕሳም መንግስቲ ኤርትራ ካብኣቶም ናይ ወደብ ረብሓን ጠቕምን ስኢኑ ሽዑ ንሽዑ ክርዅመሽ ተስፋ ከም ዝንነበሮምን ‘’ እቲ ባሕሮም ኣግማል የስትዩሉ’’ ብማለት ምዉት ድኣ ኣይክሰስን ኢዩምበር እቲ ፍርቁ ጐድኑ ኤርትራዊ ዝዀነ ወዲ ጓልና መለስ ዜናዊ ብድዔ  ከም ዝተዛረበ  ዝርሳዕ ኣይኮነን።
 
ከምቲ ብዙሓት ትግራዎት ንኤርትራን ህዝባን ኣጸቢቖም ዝፈልጡዋ ንሕና ኤርትራውያን እውን መብዛሕትና ንትግራዎት ኣጸቢቕና ንፈልጦም ኢና። ኣብ ሃገርና  ካብ ጥንቲ ዝጸንሔ ኣብ መንገዲ ኣስመራን ከረንን ‘’ልቢ ትግራይ’’ ዝበሃል ጥውይዋይ መንገዲ ኣሎ። እዚ ከኣ ህዝብና ንትግራዎት ኣጸቢቑ ከም ዝፈልጦም ዘረጋግጽ ጭብጢ ኢዩ። ከምኡ  ኰይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ድሓር ብዝተፈላልየ መንገዲ ስርዓት ኢትዮጵያ መሳርሒ ክገብሮምን ቋንቋናን ባህልናን ውሽጢ ገዛናን ስለዝፈልጡ  መጋበርያ ገሩ ክሳብ መድሃኒታት ኣብ ዝስተ ማይናን ቀላያታትናን  ከእትዉ  ከም ዝልእኮም ንፈልጥን ከኣ ኣብ እዋን መግዛእቲ ሃይለስላሰ ኮነ ደርጊ ንትግራዎት በቲ ምስ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝነበሮም ባህልን ቋንቋን  ሃይማኖትን  ከም ኣሕዋትና ደቂ ሃገር እምበር ከም ኢትዮጵያውያንን ኣካል ናይቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ርእዩዎም ኣይፈልጥን ኢዩ።
 
ብፍላይ ድሕሪ  ፈደረሽንን ምፍራሱን ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃናን እሞ ከኣ በቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝነበሮም ናይ ባህልን ቋንቋን ሓልፋታትን ብሓያል ሰራሕተኛ ጠባያቶምን ብዘጥረዩዎ ሃብትን  ኣብ ኤርትራ እቶም ዝያዳ ኤርትራውያን ዝነበሩ ንሳቶም ኢዮም።  በቲ ዝነበረ ባህልን ልምድን ሕግታትን ርሕቀትን መሰረት ብዘይካቶም መሳፍንቲ ኤርትራ ዝነበሩ  ኣይኮነንዶ ምስ ትግራዎት ካብ ሓደ ኣውራጃ ምስ ካልኦት ኣውራጃታት  መውስቦ ክትገብር እውን ልሙድ ኣይነበረን። እዚ ኰይኑ ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያትን ድሒሩ ብዝመጸ ምዕባሌን ትምህርትን ኣብ ኤርትራ ምስ ኤርትራውያን ዝተዛመዱን ዝወለዱን ዝተዋለዱን ዝኸበዱን ትግራዎት  ሒደት ኣይነበሩን።
 
ናይ ብሓቂ ክንዛረብ እንተዀንና ከኣ እቶም ናይ ኤርትራ ትግራዎት ካብቶም ሎሚ ንፈልጦም ዘሎና ካልኦት ትግራዎት ዝሓሹ ኣዝዮም ሕያዎት፡ እሙናት፡ ኣፍቀርቲ፡ ብርቱዓት ሰራሕተኛታት ዝነበሩ ሰባት ኢዮም። ሰብኣዮም ሰበይቶም ብጠባያቶምን ብኽእለቶምን ኣብ ኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን ይህብትሙን ርእሶም ይኽእሉን  ስለዝነበሩ ከኣ መብዛሕትኦም ብዘይካ ‘’ኣስመራ ጻዕዳ’’ ካልእ ይብሉ ኣይነበሩን። ኤርትራውያን ትግራዎት ከኣ ከምዚ ሎሚ ስርዓት ወያነ ዘቃምሙዎን ንጽልኢ ክልቲኡ ኣህዛብ ዓጋመ ይብሉና ነሮም፡ ሸየጥቲ በለስ ይብሉና ነሮም፡ ቆማላት ይብሉና ነሮም፡ ይንዕቁናን የነኣኣሱናን ነሮም ኢሎም ዝጕስጕሱሉ  ዘለዉ ዘይኮነ ኤርትራውያን ተጋሩ ኣብ ኤርትራ ኣዝዮም ክቡራትን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሕዉሳትን ከም ዝነበሩ ንሕና ንፈልጥ ኢና።  ንሳቶም እውን ዝበዝሑስ ክሳብ ሎሚ ዝኽሕዱዎ ኣይመስለንን።  እዚ ማለት ግን ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ብዶብን ብመንነትን ብዓለምለኻዊ ሕግን እምበር ከምቲ ገሊኦም ሕሙማት ወይ ጽሉላት ክብሉዎ ንሰምዖም ዘሎና ናይ ሓደ ሃገር ህዝቢ መንነት  ብቛንቋን ብባህልን ዝውሰን ኣይኮነን።
 
ብዘይካቶም ብዝተፈላልየ ምኽንያት ኣብ ጊዜ ባዕዳውያን መግዛእቲ ኤርትራዊ ዜግነት ዝረኸቡ ደቂ ሃገር ከኣ ኤርትራዊ መንነትን ዜግነትን ካብ ዓዲ ኢዩ ዝብገስ።
 
ኣብ ዝዀነት ዓዲ ከኣ ደቂ ዓዲ መንዩ ወዲ ዓዶም መንዩ ማእከላይ ዓሌት መንዩ ጓና ኣጻርዮም ይፈልጡ ኢዮም። ዝዀነ ይኹን መንነት ህዝቢ ኤርትራ ከኣ በቲ በብኣውራጃኡን በብዓዱን ብሕጊ ዝሕሎ ዝነበረ ውርዙይን ጽፉፍን እርኑብን ጠባይ ኤርትራውያን እንተዘይኰይኑ በዞም ሓደ ሓደ  ዓዲ የብሎም ዓውዲ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ተጣይሶም  ስለዝነበሩ  ጥራሕ ‘’ንሕና ኣስማሪኖ ኢና’’ ኢሎም ነቶም ካብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ካልእ ገጠራት ኤርትራ ዝመጹ ዘነኣእሱን ዝጸርፉን ዝንዕቁን ዝነበሩ ንባዕሎም ምጻእተኛታት ሰባት ዝምዘን ኣይኮነን። ነዚ ከኣ እቶም ኤርትራውያን ተጋሩ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡዎን የረጋግጹዎን ኢዮም።
 
ነዞም ናይ ኤርትራ ተጋሩ ከም ኣሕዋትና ኤርትራውያን እምበር ከም ኢትዮጵያውያን  ወይ ከም ጓኖት ርኢናዮም ስለዘይንፈልጥ ከኣ ድሓር ምፍልላይ ምስ መጸ ውሽጥናን ውሻጠናን ስለዝፈልጡ ገለ ገለ ከድዓት ካብኣቶም ብዙሕ ዘይተጸበናዮ ጕድኣት ኣውሪዶምልና ጥራሕ ዘይኮነስ ገና ሎሚ  እውን የውርዱልና ኣለዉ። ስለዚ ከኣ ወዮ ድኣ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኰይኑ እምበር ብዘይካቲ ንሕና ንዓኻትኩም ኤርትራውያን ንፈትወኩም ንሓልየልኩም ንግደሰልኩም ኢና ዝብል መደናገሪ ሸርሕታቶም  ስርዓት ወያነ ነዛ ኤርትራ ትብሃል ናጻ ሃገር ታሪኻ  ንምጥዋይን ጅግንነት ደቃ ንምድምሳስን ንስዉኣታ ንምንእኣስን  ዝገብሩዎ ዘለዉ ጻዕርን ዘፍስሱዎ ዘለዉ ገንዘብን ኤርትራውያን  ሃሱሳት ብዓሰባ ኣዋፊሮሞም ንምፍልላይናን ንምድኻምናን  ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመነ ስልጣኖም ዘካየዱዎ ጻዕርን እዚ ኢልካ ክጽብጸብ ዘይክእል ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ዋላ ነቲ መንግስቲ ይጽልኡዎ ንሃገሮምን ንህዝቦምን ንኽብረትን መንነትን ኤርትራውነት ክከላኸሉን ጸረ’ቲ መጥቃዕቲ ማዕከናት ዜና ስርዓት ወያነ ዝቃለሱ ብዙሓት ደቂ ሃገር ዘይምህላዎም ኢዩ። ኣበይ ኣትዮም እቶም ኵሎም ሃገራውያን ዉፉያት ስለምንታይከ ኣስቂጦም ይሰምዑን ይከታተሉን ኣለዉ ከኣ ኣዝዩ ዘትሓሳስብ ኢዩ።
 
ኣብ ኣርብዓታት ኣብ ዝተላዕለ ፖለቲካ ኤርትራ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍን ገንዘብን እናተዋህቦም ብዘይካቶም ኣብ ሽፍትነት ተዋፊሮም ንጸረ ኢትዮጵያ ዝዀኑ ደቂ ሃገር ዝቐትሉ ዝነበሩ ሸፋቱ እቶም ኤርትራውያን ተጋሩ ኣብ ማሕበር ኣንድነት ተወዲቦም ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ  ብዙሕ ስራሕን ጻዕርን ኣካይዶም ኢዮም። ሎሚ እውን ስርዓት ወያነ ድሕሪ እዚ ኵሉ ተመክሮን ቃልስን ምልባምን ብዘይካቶም ድሮ ኣብ ትሕቲ ምጽወታኦምን ምቍጽጻሮምን ዘለዉ ካልእ ምርጫ ዘይብሎም ደቂ ሃገር ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ ክደግም ተስፋ ዝገብሩ እንተልዮም ግን እቲ ዕሽነት ኣባና ዘይኮነስ ኣብኣቶም ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ኢዩ።
 
ሎሚ ትግራዎት ንኢትዮጵያ ተቘጻጺሮም ገንዘባን ንብረታን ሃብታን ንሃገሮም እናጕዓዙ ይጥቀሙ ስለዘለዉ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ይብሉዎ እንተልዮም እንድዒ እምበር ቀደም ንሕና ተጋሩ እንተዘይኰይኑ  ንሕና ኢትዮጵያውያን ኢና ዝብሉ  ትግራዎት ብዙሓት ኣይነበሩን። ሎሚ ብክልልን ብብሔራትን ተመቓቒሎሙሉ ኣብ ዘለዉ እሞ ከኣ ኦሮሞ ኣነ ኦሮሞ፡  ኦጋዴን  ኣነ ሶማላዊ ፡ ዓፋር ኣነ ዓፋር፡  ክብል እምበር   ብዘይካ ኣምሓራይ ኣነ ኢትዮጵያዊ ኢየ ኢሉ ብኢትዮጵያውነቱ ዝኣምንን ዝዀርዕን  ብዙሕ ህዝቢ ከም ዘየልቦ ንሰምዖን ንከታተሎን ዘሎና ጕዳይ ኢዩ።
 
ትግራዎት እሞ ከኣ ንመጻኢ ኣይኮነንዶ ከም መራሕቲ ሃገር ከም ዜጋታት እውን ካብ ኤርትራ ተፈሊና ኢትዮጵያውያን ኰንና ክንነብር ንኽእል ኢና ዝብል ተስፋ ስለዘይብሎም ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ንኤርትራ ኣዳኺሞምን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእትዮም ኮነ ትግራይ ትግርኚ ፈጢሮም  ክነብሩ ተስፋ ከይቆረጹ ይሰርሑሉን ይደኽሙሉን ሚልዮናት ገንዘብ የፍስሱሉን ምህላዎም ንዝዀነ ክኣምን  ዝደሊ  ንጹር ኢዩ። ነዚ ዝለኣኹን ዘገልግሉን ከኣ ጥዑያት ኮነ ሕሙማት ከድዓት ኮነ  ጽሉላት ደቂ ሃገር ምህላዎም እውን ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ዘየገርም ንቡር ኩነታት ኢዩ።
 
ዝዀነ ይኹን ሃገር ኮነ ውልቀሰብ ንረብሓኡ ስለዘቐድም ትግራዎት እውን ረብሓኦም ምስ ኤርትራ ምዃኑ ብምርዳእ ንናይ መጻኢ ረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን ክሓልዩን ክሰርሑሉን ገበን ኣይኮነን። እቲ ገበን ዝገብሮ ነቲ ረብሓኦም ንረብሓን ጠቕምን ህዝቢ ኤርትራ ቀቲልካን ኣዳኺምካን ይደልዩዎ ምህላዎም ጥራሕ ኢዩ። ነዚ ከኣ  ሰውራ ኤርትራ ናይ ሸፋቱ ኢዩ ነሩ፡ ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ ድዩ ነሩ ኣይኮነን እንደገና ክንሓስበሉ ኣሎና፡ ገድሊ ኤርትራ ቅኑዕ ኣይነበረን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንፍትሒ ኣይነበረን፡ ስዉኣት ኤርትራ ኣብ ሽፍትነት ዝተሰውኡ ኢዮም፡ ሻዕብያ ናይ ውሑዳት ሰባት ንብረት እምበር ንዕላማን ንናጽነትን ኣይተቓለሰን፡  ኤርትራ ብዘይ ኢትዮጵያ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢያ፡ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝዀኑ ኤርትራውያንንን ትግራዎትን  ሓደ ዓሌትን ሓደ ዘርእን ስለዝዀኑ ኣብ መንጉኦም ዶብ ክህሉ የብሉን፡ ወዘተ ዝብሉ ዕሱባት ኣዋፊሮም ብሰፊሕ ክሰርሑሉ ይርኣዩ ኣለዉ።
 
ብዙሓት ኤርትራውያን ተጋሩ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ተሰሊፎም ተቓሊሶም ኢዮም። ንኤርትራ ብልቦም ዝፈትዉዋን ምእንትኣን ምእንቲ ህዝባን ዝሰንከሉን ዝተሰውኡን ኤርትራውያን ተጋሩ እውን ኣነ ዝፈልጦምን መማህርተይን መትዓብይተይን ጥራሕ’ኳ ውሑዳት ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣይኮነንዶ ምስ ጐረባብቱ ምስ ዝዀነ ዓሌት ጽልእን ቂምን ዘይፈቱ ምስ ዝዀነ ሰብ ትኣማሚኑን  ተሰማሚዑን ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ኢዩ።
 
ብእምነተይ ከኣ እቲ ስምዒትን ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን  እምበር ኣበይ ስለዝተወለድካን መበቆልካን ኣገዳሲ ስለዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ይወለድ ኣይወለድ ንኤርትራን ንህዝባን ዝፈቱን ዘኽብርን ነታ ሃገር ዝሓልን  እሞ ንኤርትራዊ መንነት ዘብቅዕ ምኽንያታት ዘማልእ ንዓይ ኤርትራዊ ኢዩ።  ምኽንያቱ ምስ ትግራይ ኮነ ኣምሓራ ዋላ ሓንቲ ዘራኸብ ወለዶ ዘይብሎም ደቂ ሃገር እውን ነታ ሃገርን ነቲ ህዝብን ክሳብ ክንደይ ክጐድኡዎ  ንርእን ንዕዘብን ኣሎና። ከምኡ’ውን ብዘይካቲ ጠላም  ስርዓት ወያነ ገዲፍካ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸገምን ስደትን ወዲቑሉ ኣብ ዘሎ እዋን  ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ካልእ ኣብ ኢትዮጵያ ዝድንግጹሉን ዝሕግዙዎን ዝትሓባብሩዎን  ዘለዉ ተጋሩ ሒደት ኣይኮኑን።  እቲ ንኤርትራን ንህዝባን ቀቲሉ ኮነ ኣዳኺሙ መሬትን ባሕርን ሃገርና ክወርስን ዓባይ ትግራይ ክፈጥርን  ዝሓልም ስርዓት ወያነ እውን እንተዀነ መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግራይ ከይተረፈ ከም ዘይትሓጐሰሉ በብእዋኑ ዝስማዕ ዘሎ ጕዳይ ኢዩ።  እዚ ሕሱም ጨካን  ስርዓት ወያነ ክሓልፍ ኢዩ። ሕውነትን ፍቕርን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ግን ከም ጐረባብቲ መጠን ቀጻልን ነባርን ክኸውን ምዃኑ ዘይተርፎ ኢዩ። ምጕት ጀነቫ ካበይ ነቒሉ ኣበይ ክበጽሕዩ ንረብሓ መንከ ክውዕልዩ ግን ኣብ ጕዕዞ ክንርእዮ ኢና።
 
ዓወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ
ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ
ቀለታ ኪዳነ
ለንነደን
 
Received on Fri Jul 01 2016 - 13:54:21 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved