Facebook.com: The first trench of the human rights front against Eritrea is destroyed!!!. COIE report & its ICC referral dead.

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 1 Jul 2016 20:46:14 +0200
The first trench of the human rights front against Eritrea is destroyed. COIE report & its ICC referral dead.

The first trench of the human rights front against Eritrea is destroyed. COIE report & its ICC referral dead!!!.
ሓንቲ ቅላዕ'ያ ተሪፋ ሓንቲ ጽፍዒት! ኣጆና!
ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክትለኣኽ ኣለዋ ዝብል በቶም ናይ ኤርትራ ጸላእቲ ክስርሓሉ ዝነበረ ኣካይዳ ኣይትዓወተን። ከም`ዚ ትርእይዎ ዘለኹም እታ ቀንዲ ዝተኻትዑላ ዝሰርሑላን ኣብ ሕጡብ 17 ትርከብ እቲ ጉዳይ ኤርትራ ናብ *ናይ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክለኣኽ ትብል ዝነበረት ተደምሲሳ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰል ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካል ጸብጻብ ንኸቅርብ ብዝብል ተተኪኣ እያ። እታ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ክስደድ ትብል ብጠቅላላ ከምትጠፍእ ተገይራ ኣላ። ዋላ እኳ ነቲ ዝሓለፈ ዘይንድግፎ እንተኾንና፣ እታ ቀንዲ ናይ ቤት ፍርዲ ዝብል ክትድምሰስ ብምግባርና ግና ዓቢ ዓወት እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ነታ *ጸብጻብ ትእክብ ናይ ሰለስተ ሰባት ቁጽርቲ ሽማግለ ንሓደ ዓመት ከናውሑ ወሲኖም። እታ ኢሰያስ ናብ *ዓለማዊ ቤት ፍርዲ (Issaias to ICC) ትብል ዝነበረት ጭርሖኹም ናብታ ናይ ቀደም ኢሰያስ *ውድቀት... ውድቀት......(Issaias Down Down) ደኣ ምለስዋ። ጌና ክንራባረብ ኢና!!! እቲ ዘሕዝን ግና እቶም ተቋመርቲ ክንዲ ሓቂ ነቲ ህዝቢ ዝነግርዎ ክሕስው ምፍታኖም እዩ። እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ *እማመ ናይ ሕጡብ 17 ንምርኣይን እቲ በቀይሕ ተጻሒፉ ዘሎ ከኣ እቲ ተደምሰሰ ናይ ቤት ፍርዲ ዝነበረ እዩ። ነዚ ዝደገፉ ከም በዓል ራሽያ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ቨንዝወላ፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ኖርወይነ ካልኦት ሃገራትን ነቲ *ንድፈ-ሓሳብ ስለ ዝነጸግኦ ምስጋና ይግብአን። *ነካፍሎ ብጾት!

Eritrea is not referred to the UN Security council and ICC because COI's report is baseless & politically motivated. UNHRC resolution does not endorse but "welcomes the work of the Commission".This is diplomatic euphemism for admitting its fundamental flaws...............................
http://www.meskerem.net/RevisedResolution__2.pdf

* እዚ ቅድመ-ቃላት ምልክት ጌረሉ ዘሎኹ፣ ብናይ እንግሊዝ ተጻሒፉ ዝነበረ ቃላት ብቛንቛ እንዳ`ባ ብትግርኛ ንምትካኡ ኢለ እየ።
ብርሃነ ሃብተማርያም
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡'s photo.
 
Received on Fri Jul 01 2016 - 13:25:19 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved