“ኣብ መርበባት ሓበሬታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ክዛረብ ክሓስብ’ውን መሰል የብሉን ዝብል ኣንቢበ – ከም ትዕዝብተይ ግን . .” ጋዜጠኛ ቢቢሲ

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 29 Jun 2016 10:10:56 +0000

ሜሪ ሃርፐር፡ ጋዜጠኛን ጸሓፊትን ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ቢቢሲ’ያ ካብ 1990 ኣትሒዛ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ
ብምጋሽ ጸብጻባት ኣመሓላሊፋን ዝተፈላለዩ ዓንቀጻትን መጻሕፍትን ኣበርኪታ’ያ። ሜሪ ሃርፐር፡ ብዘይካ ኣብ ቢቢሲ፡ ኣብ
ካልኦት ማዕከናት ሜድያ’ውን ጽሑፋት ተበርክት’ያ። ኣብ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ድሕሪ ምስታፋ፡ ጋዜጠኛ
ፕሮፋይል ቢልዮን ተመስገን ምስኣ ሓጺር ጻንሖት ገይራ ነይራ። ትርጉሙ እንሆ።

ኤርትራውያን ብዛዕባ ሃገሮም ትስፉዋት’ዮም

ብኹሉ መለኪዒታት እሙን መልስታት ከም ዝረኸብኩ ርግጸኛ’የ። እቶም ዘዘራረብክዎም ሰባት፡ ብዛዕባይ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን።
ኣባላት ቢቢሲ ምዃንና ባዕልና ኢና ነጊርናዮም። ገለ ሕቶታት ክንሓቶም ብትሕትና ምስ ተወከስናዮም፡ ብዘይ ስክፍታ’ዮም
ኣብ ቅድሚ ካሜራና ደው ክብሉ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾምልና። ምሳና ዝኾነ ተርጓሚ ወይ’ውን ዝተሓባበር መንግስታዊ
ሰራሕተኛ ኣይነበረን። ኣነን እቲ ናተይ ሰኣላይን ጥራይ ኢና ነይርና። ኣብ ዝተፈላለዩ፡ ቦታታት ኤርትራ በጺሕና ምስ
ዝተፈላለዩ፡ ሰባት’ውን ተዛሪብና ኢና። ኩሎም ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ሃገሮም ኣወንታዊ ዝኾነ ነገራት’ዮም ተዛሪቦም።
ዋላ’ኳ ብድሆታት ከም ዘሎ እንተሓበሩ። ብፍላይ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ። ዝተፈላለዩ ሓሳባት’የ ረኺበ። ኣብ መወዳእታ ግን፡
ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ልዑል ክብርን ሓበንን ከም ዘለዎም ክዕዘብ ክኢለ።

ናጻ ኮይነ’የ ስርሐይ ፈጺመ

ምስ መን ከም ዝዘራረብ ብፍጹም ኣይተነግረንን። ከም ጋዜጠኛ መጠን፡ ናጻ ኮይነ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ኩሉ ጾታን
ዕድመን፡ ባዕለይ ዝመረጽክዎም፡ ምስ ብዝሕ ዝበሉ ሰባት ክራኸብ’የ ፈቲነ። ብኻልእ ኣካል ዝተዋህቡኒ ኣይነበሩን። ኩሉ
ብናተይ ምርጫ’ዩ ነይሩ። ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት’የ ተዘራሪበ። ምስ ኣብ’ቲ ጽምብል ንምስታፍ ካብ ወጻኢ ዝመጹ
መንእሰያትን፡ ካብ ስደት ጠቕሊሎም ናብ ሃገሮም ብምምላስ ናብርኦም ዝመርሑ ዘለዉን። ምስ ተራን ክሳብ ዝለዓሉ
ሚኒስተራትን ሓለፍቲ መንግስትን ርክባት ነይሩኒ። ገለ ጋዜጠኛታት ኣብ ኤርትራ ቀይድታት ይፍጸመልካ’ዩ ክብሉ ሸሃብ
ኣርኣያ “ኣብ መርበባት ሓበሬታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ክዛረብ ክሓስብ’ውን መሰል የብሉን ዝብል ኣንቢበ – ከም
ትዕዝብተይ ግን. .” ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሰሚዐ’የ። ቅድሚ ሕጂ ከም’ዚ ዓይነት ተመኩሮ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙኒ ነይሩ’ዩ።
ጋዜጠኛታት ከም’ዚ ዓይነት ጸቕጢ ኣብ ብዙሓት ሃገራት የጋጥሞም’ዩ። ብወገነይ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኩነታት ምስራሕ
ኣይቅበሎን’የ። ዝኾነ ኣካል መንግስቲ ኣብ እዋን ስራሕካ ይከታተለካ እንተሎ ብጋህዲ ክትቃወም ኣለካ። ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ
ናብ ኤርትራ ዝገበርክዎ ምብጻሕ ይኹን ቅድሚ ሕጂ ዝመጻእክዎ ንምንቅስቓሰይ ዝገትእን ክገብሮ ዝግበኣኒ ዝሕብርን ዝኾነ
ይኹን ኣካል ኣይነበረን። ሰለ’ዚ እየ ድማ ተተባቢዐ ንኽሰርሕ መደባተይ ከውጽእ ዝድረኽ ነይረ። ከም ልሙድ ጸብጻብካ
ከተሕልፍ ናብ ዝኾነት ሃገር ኣብ እትገሸሉ እዋን ናይ’ታ ሃገር ጋዜጠኛ ከም ኣሳማዒ ኮይኑ ምሳኻ ይንቀሳቐስን ንጉዳያትካ
የሳልጥን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ኣነን እቲ ናተይ ሰኣላይን ጥራይ ኢና ነይርና። ባዕላትና ጉዳያትና ነሳልጥን ናብ
ዝመደብናዮ ንበጽሕን። ምሉእ ናጽነት’ዩ ተዋሂቡኒ ክብል እኽእል። መብዛሕትኡ እዋን በይንና ብምዃን ኢና ሓበሬታ ንምእርር
ዝነበርና – ኣቐዲሙ ዝተዳለወልና መራሒ ጉዕዞ ኣይነበረን። እዚ ኣብ ልዕሊ ዕማምና ገለ ክብደት ነይርዎ ክኸውን
ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ግን ብዙሕ ዘይትሓስቡ ነገራት ነይርዎ። ከም ርእይቶይ ድማ “እቲ እምነት ዝመልኦ ጋዜጠኝነት’ዩ”
ክብሎ እደፍር።

ንፖሊሲ ኤርትራ ኣድኒቐ

ኣብ ብዙሕ ቦታታት በጺሐ እየ። ናብ ከረን፡ ቢሻን ዝተፈላለያ ከተማታትን ዓድታትን በጺሐ። ኣባይቲ ምህናጽ ዝተባባዕ
ምዃኑ ተዓዚበ። ንኣብነት ኣብ ምጽዋዕን ካልእ ርሑቕ ገጠራትን ዝህነጹ ዘለዉ ኣባይቲ ርእየ። ብተወሳኺ ኣብ ሕርሻ ገዚፍ
ወፍሪ ከም ዘሎን ሓረስቶት ዝግበረሎም ዘሎ ምትብባዕን ተዓዚበ። ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ንርሑቕ ገጠራት ቀዳምነት ዝህብ
ብምዃኑ ዝድነቕ’ዩ። ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ርእየ። ዋላ’ውን እተን ብዙሓት ነበርቲ ዘይብለን ዓድታት’ውን ናይ
ትምህርቲ ኣገልግሎት ከም ዝረኽባ ተዓዚበ። እንተ ወሓደ ኣብ ሓንቲ ቁሸት ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ኣላ። ኣብ ኤርትራ ዋላ’ኳ
ብድሆታት ይሃልው፡ ነቲ ሕማም ኣፍሪቃን ጠንቂ ድሕረታን ዝኾነ ሌላን ጉሌላን ቅድሚ ምስፍሕፍሑ ናይ ምጥፋእ ስምዒት ኣሎ።
ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ጋግ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። ክትዕዘቦ’ውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ውልቃውነትን ብኻልኦት
ዘይምግዳስን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ብዙሕ ጸገማት ፈጢሩ ኣሎ። ነዚ ግን ኣብ ኤርትራ ኣይተዓዘብክዎን። ኣብ
ኣንጎላ ንኣብነት እኹል ታርፍ ሃብቲ ጸጋታት ኣሎ። እዚ ጸጋ ግን ኣብ ኢድ ውሑዳት ሃብታማት ጥራይ’ዩ ዘሎ። ኣዚዩ
ዘሕርቕ’ዩ ድማ ። ሃገርኩም እትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ግን ዝድነቕ ኣብነት’ዩ።

ፍልይቲ ተሞኩሮ እያ ኤርትራ.......*ሙሉእ **ን**ባብ አብዚ ጠውቁ
**https://adalvoice.wordpress.com/
<https://adalvoice.wordpress.com/>*





jAt1sYp0WV5b.jpg
(image/jpeg attachment: jAt1sYp0WV5b.jpg)

Received on Wed Jun 29 2016 - 04:50:01 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved