Facebook.com: *ሓደ ካብቶም "ንሰንደቕ ዕላማ ኤርትራ ከነቃጽላ ኢና" ኢሎም ካብ ዝግዕሩ ባእታታት፣ ንኸብዱ ዝነብር ዕሱብ ተመስገን ደበሳይ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 29 Jun 2016 01:01:40 +0200
*ሓደ ካብቶም "ንሰንደቕ ዕላማ ኤርትራ ከነቃጽላ ኢና" ኢሎም ካብ ዝግዕሩ ባእታታት፣ ንኸብዱ ዝነብር ዕሱብ ተመስገን ደበሳይ
*ብርሃነ ሃብተማርያም
   

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ባንዴራ ኤርትራ ናትና ኣይኮነትን ኢሉ ንመንእሰያት ብምስዳዕ ንኤርትራ ክሸጣ ዝፍትን ዘሎ ዕሱብ ተመስገን ደበሳይ። እቶም ሕጂ ትጸርፎም ዘለኻ ተጋደልቲ ስድራኻ ነዓኻ ሒዞም ናብ ወጻኢ ሒዞምኻ ነብሶም ከድሕኑ ክሃድሙ ከለው፣ ንሶም *ተጋደልቲ* ስድርኦም ብዘይ ጠዋሪ ገዲፎም ንበረኻ ወጺኦም ንነጻነት ንምድላይ ወጺኦም። እዛ ሕጂ ትጸርፉ ዘለኻ ባንዴራ ተሰኪሞም ምእንታኣን ኣብ ትሕቲኣን 65 ሽሕ ወዲቆም ሂወቶም ሂቦም፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰንኪሎም። እዞም ተቆናጽቦም ዘለኻ ተጋደልቲ እንዳተዋደቁ ስድራኻን ንስኻን ከምዚ ሕጂ ትገብሮ ዘለኻ ብርሑቕ ኮይኖም የጣቅዑ ኔሮም። ደም እንዳፈሰሰ ሰብ እንዳተቆርጸ ምጥቃዕ! እቲ ዘሕዝን እዞም ሕጂ ክትጸርፎም ትውዕል ዘለኻን ባንዴራን ውድብን ሃገር ነጻ ምስ ኣውጽኡልካ ንሃገር ኣቲኻ። እቲ ውድብ ግና ንሕና እንዳደመና ንሱ ሃዲሙ ኔሩ ኢሉ ዕሽሽ ኣይበለካን፣ ካብቶም ተጋዲሎም ዝመጹ ንላዕሊ ዕድል ሂቡካ። እቶም ተጋዲሎም ዝመጹ ትሕቴኻ እንዳተኸፈሎም ዕድል ተዋሂቡካ፣ ሰብ በረኻታት ከሎ ንስኻ ኣብ ጽቡቅ ቦታ ትሰርሕ ኔርካ። ዋላ ኩሉ ዘረባኻ ደሞዝን መግብን! እንተኾነ እታ ቁሩብ ዓመት ኣብታ ዓዲ ምስ ሰራሕካ ከምቲ ስድራኻ ብኸብዶም ዝተገዝኡ ንስኻውን ከብድኻ ንምምላእ፣ ንኸብድኻ ኢልካ ወጺእካ። ሕጂውን ነታ ዘይትመልእ ከብድኻ ንምባል ሃገር ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ንኽትሸጣ ትፍትን ኣለኻ። መርገም እዩ እንድሕር ዘይትመልእ ከብዲ ተዓዲልካ! ንዓናን ነቶም ብመሬቶም ፍቅሪ ዝነዱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ከተታልል ዘበት እዩ። እቲ ዘሕዝን ንስኻን ካልኦትን ምስቶም ብሽም ኤርትራ ወረቀት ዝሓተቱ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያ ነታ ህያብ ስውኣትና ዝኾነት ባንዴራ ክትቃጸል ኣለዋ ኢልኩም ምጉስጓስኩም እዩ። ንስኹም ክትቃጸሉ ኢኹም ባንዴራና ቅድሚ ምቅጻላ!

*ዓሻ መጒሃይ ዘመዱ! "ገጽካ ትርሓቕ ገያጽ" በለት ኣደይ ተመርጻ
ብርሃነ ሃብተማርያም
Received on Tue Jun 28 2016 - 17:40:45 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved