ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ንሰልፊ ዕጭ ይብል።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 24 Jun 2016 16:30:58 +0200

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰልፈ ዕጭ ይብል። 
10 ሺሕ ዝተጸበይዎ፡ ዝተሓውስዎ ዓዋሉ ኣዲሰ ወሲኽካ ትሕቲ 500 ተሳቲፎም። ናይ ዓይኒ ምስክር ኣብ ትሕቲ ስእሊ ተመልከት።
ሑሰን ከሊፋ ኣቦ ዳስ ኰይኑ ውዒሉ። ኣቡ ሸነብ እንተዝህሉ እንታይ ኰን ምበለ።

ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ አብ አዲስ ከምዚ አርፊዱ። ( ናይ ዓይኒ ምስክር ካብ ሕሹኽ ዝበሉ)
መስከረም፡ 06/24/2016፡ ካብ ዝሐለፈ ሰሙን ቤት ጽሕፈት አራ ንኹሉ ስደተኛ ናብዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽመጸእ ጻዊዒት ገይሩ ኔይሩ። አብ አዲስ አበባ ልዕሊ 15000 ኤርትራዊ አሎ። እተን ዝበዝሓ ቁጽሪ ድማ አዋልድ እየን። አብ ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ግምት ነቶም ውሑዳት ተጋሩ ደቂ አስመራ ዝነበሩ ወሲኽኻ 500 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ተሳቲፎሞ። ደቂ አንስትዮ ዳርጋ አይነበራን ክበሃል ይከአል። መራሕቲ ናይ ዝተፈላለያ ውድባት ነይሮም። ብፍላይ ሒሰን ከሊፋ አቦ ዳስ እዩ ኔይሩ። ካልእ ሐዲሽ ነገር የብሉን።
*ምንጪ፡ ሰኪዔት መስከረም
Received on Fri Jun 24 2016 - 10:30:58 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved