: "ክልተ ስእልታት ኣብ ሓደ ቦታ፣ ኤርትራዊ ህዝባዊ መኸተን ዘይተምበርካኽነትን በንጻሩ ኸኣ ናይ ጊልያነትን ክሕደትን ጥልመትን ሽርሒ!" *ብርሃነ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 24 Jun 2016 00:43:25 +0200
"ክልተ ስእልታት ኣብ ሓደ ቦታ፣ ኤርትራዊ ህዝባዊ መኸተን ዘይተምበርካኽነትን በንጻሩ ኸኣ ናይ ጊልያነትን ክሕደትን ጥልመትን ሽርሒ!"
*ብርሃነ
   
 

ህዝቢ ባዕሉይፍረድ!


ንሕና ንስለ ፓለቲካ ኢልና ንብሎ ነገር ዘይኮነ ህዝቢ ባዕሉ ይመስክር። እዛ ቀዳመይቲ ስእሊ ሃገራውያን ኣነጻር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ክከውን ከላ እታ ካልአይቲ በቶም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ከመህሓድር ኣለዎ ኢሎም ዝድግፉ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ እተርእይ ስእሊ እያ። በሉ እቲ ፍልልየን ርኣይወን ኣብታ ሓንቲ እታ 85 ሽሕ ዝተሰውኡላ ባንዴራ ብብዝሒ ክትርአ ከላ ኣብታ ናይ ናይ ሃገር ክሸጡ ዝደልዩ ግና ሓንቲ ከማን የላን። እሞ እቲ ጸላእቲ ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ከምዝተሓላለፈ ሰብ ባንዴራ ሒዙ ከይመጽእ ወይ ከኣ እታ ናይ ቀደም ናይ ፈደረሽን ከምጽእ ዝብል ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ እዩ ዘርኢ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኢራቅ፡ ሶርያ፡ ሊብያ ዝገበርዎ ባንዴራ ምቅያር ሕጂ ከኣ ኣብ ኤርትራ ይሰርሕሉ ከም ዘለው እዩ ዘርኢ። እቲ ካልኣይ ከኣ እቶም ዝበዝሑ ብሽም ኤርትራ ኣብ ኤውሮፓ ኢዶም ዝሃቡ ትግራዎት ምዃኖም ዓቢ ምስክር እዩ። ንሶም እቶም ትግራዎት ኩሉ ኤርትራ ዝበሃል ስለ ዘጽልኦምን ትማሊ መቃብር ስውትና ዝፈሓሩ ሕጂ ብኸመይ መዐቀኒ ነታ ህያብ ስውኣትና ዝኾነት ባንዴራ ከንበልብሉ? እቶም ከም በጊዕ እንዳተኾብከቡ ዝኸዱ ሕማም ናይ ሃይማኖት ወይ ውን ናይ ኣውራጃ ብሄር ዘለዎም በጋሚንዶታት እዮም ዘሕዝኑ። ከመይሲ እቲ ጽልኢ ምስ መንግስቲ ኤርትራ እንተኾይኑ እታ ናይ ስውኣትና ዝኾነት ባንዴራ ኸ እንታይ ጌራ? እቲ ዕላማ ግና ንኤርትራ ናብ 1990 ክመልስዋ እዩ። ብባንዴራ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኮምሽንውን ንኤርትራ ሓለፍቲ ኣይኮነን ዝኸስስ ዘሎ። ንኹሎም ንነጻነት ተጋደሉ ተጋደልቲ ካብ 1991 ጀሚሩ ክኸስስ ከሎ እታ ሽዑ ካብ በረኻ ብሽም ስውኣትና ዝኣተወት ባንዴራውን ክትጠፍእ ኣለዋ ምስታ ባንዴራ ከኣ ብዓባያ ኤርትራ ንምጥፉእ እዩ እቲ ፈተነ። እዞም ኣብዛ መዓልቲ ተሳተፍኩም ከኣ ነቲ ንኤርትራ ንምጥፉእ ዝደሎ ዘሎ መጻወድያ መሳርሒ ኢኹም፡ ንወለዶታት ዘይወጽእ ገበንኩም ከኣ ተመዝጊቡ ኣሎ። እነተ ኤርትራ እሞ ቀደም ብሓይላ ሕጂውን ብሓይላ! እቲ ዘሕዝን ደቂ ወሊድኩም ከማን ሃገርኩም ዘይተርእይሎም ምኾንኩም እዩ። እምበር ካብ ህዝባዊ ግንባር ወጻኢ ሕጂ ኣብ ደብረዘይቲ ዝተጠፍጠፈ መንግስቲ ሃገር ክመርሓልኩም ትጽበዩ እንተኣለኹም ትሓልሙ ኣለኹም። ጽባሕ እዚ ደሮና ምስ ሃድአ ሃገር የብልኩም ዓውዲ የብልኩም ምስተረፍኩም ክትበኽዩ ክንሪኢኤኩም ኢና።
ናብ ኩሉ ህዝቢ ንምብጻሕ ሸር ንግበራ ብጾት።

 
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡'s photo.
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡'s photo.
156
Received on Thu Jun 23 2016 - 18:43:26 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved