Facebook.com: "መንግስቲ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ርእሶም ከምዝላጸዩን ደቀንስትዮ ድማ ጸሊም ለቢሰን ኣንጻር ሃገር ከም ዝስለፉ ብምግዳድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጸሞ ሕሱር ውርደት"

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 23 Jun 2016 18:56:34 +0200
 
"መንግስቲ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ርእሶም ከምዝላጸዩን ደቀንስትዮ ድማ ጸሊም ለቢሰን ኣንጻር ሃገር ከም ዝስለፉ ብምግዳድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጸሞ ሕሱር ውርደት! ምእንቲ ናይ ስደት ሕልሚ ኢልካ`ዶ ወደይ ነብስኻን ሃገርካን ተዋርድ ኢኻ?" *ብርሃነ ሃብተማርያም
 
 

ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት መንግስቲ ትግራይ ንኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቅመጡ ንኣወዳት ርእሶም ተላጽዮም ንደቂኣንስትዮ ጸሊም ተኸዲነን ሰለማሚ ሰልፊ ንሓሙስ እንክወጹ የገድዶም ከምዘሎ ን ዘይወጸ ሰብ ናይ ወጻኢ ምጥያስ ዕድል ከም ዘይወሃቦን ብመንግስቲ ትግራይውን ተቅባልነት ከምዘይህልዎ ካብ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ዘለው ኣባላትና ከም ተሓበርናን ናባኻትኩም ከምዘቅረብናዮን ትዝክርዎ ኢኹም። እታ ዝበልናያ እንሀለት ኮይና። ብጣዕሚ ዘሕዝን ፍጻሜ። ልክዕ ከምቲ ናዚ ንኣይሁድ ጸጉሮም ላጽዪ ኣብ ማዕስከር ዝዳጉኖም ዝነበረ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ጽልኢ ዘርኢ ፍጻሜ! እቶም ካብቲ መዓስከር ዝሃደሙ ሰባት ኣብልዕልዒኦም ዝወርድ ኣደራዕ ክዛረቡ ከለው ክትሰምዕ ከለኻ ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን። ትግራይ ጽልኦም ምስ ህዝቢ እምበር ምስ መንግስቲ ጥራሕ ከምዘይኮነ ዘርኢ ፍጻሜ።

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
Received on Thu Jun 23 2016 - 12:56:35 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved