Facebook.com: "ንሳቶም *ህግደፍ* ፈጺምና ኣይንምብርክኽን ክብሉ ከሎዉ ንሕና *ተቛመርቲ* ድማ ውድቀት ውድቀት ንብል"

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 23 Jun 2016 15:38:58 +0200
"ንሳቶም  *ህግደፍ* ፈጺምና ኣይንምብርክኽን ክብሉ ከሎዉ ንሕና *ተቛመርቲ* ድማ ውድቀት ውድቀት ንብል"

ሎሚ ንግሆ ካብ ሓንቲ ብጸይቲ እዛ መልእኽቲ ጸኒሓትኒ። ሓደ ካብቶም ተቃወምቲ ዝበሃሉ ዝጸሓፋ ኮይና፣ ማዕረ ክንደይ በቶም መሳርሕቱ ተስፉ ከምዝቆረጸ እዩ ዘርኢ። ምስ ኣንበብክዋ ብጣዕሚ እየ ሲሒቀ። እንዳሰሓቅና ክንመሃር ኢለ ኣቅሪበያ ኣለኹ። ንሱ ይብል ""ሓገዝ ካብ ስርዓት ጀኔቫ ሓንቲ ዓባይ ናይ ዉጉእ መርከብ ማለት ነዚ ናብ ጀኔቫ ዝኸይድ መንእሰይ ትሕዝ ምስ 3 ታንክታት፡ሙሉዕ ዕጥቅታት፡መሻርፍን ተዳልዩልኩም ኣሎ ሓገዝና እዚ'ዩ ወከልትኹም ስደዱ ተዝብሉን፣ በዚ ንህበኩም ዘለና ተጠቒምኩም ሽግርኩም ፍትሑ ዝብል መግለጺ ድሮ ዕለት 23 ተዝወጽእ፥ ኣብዚ ዕለት ክትብገሱ ኣለኩም ተዝብሉን፡ እዛ ኹላ ትዳሎ ዘላ ሰብ እንታይ ምገበረት፣? ዓሻ ድየ በራኺ ዝብል ደርፊ እናደረፈት ኣብ ዘላቶ ምተረፍት፥ ኣሽበሸብ ሓንቲ ሓይሊ ትኾውን ኣይምተሳእነትን፥ መንእሰይ'ሲ ታንኪ መርክብ ዉጉእ ሃቡና እናበለ ሰለማዊ ሰልፊ ይግበር እንበር ኢሰያስ እሰሩልና ክሻ ሓዙልና፡የማነ ማንኪ ኣግዱልና ክትብል ጠላዕ ጎበዝ ክትእከብ ዘሕንኽ እዩ።መቸስ!! ድሓር ክኣስ ነዞም ደገፍቲ ህግድፍ ክኣ እንበር ኣርግቶት ትብልዎም፡ ንሳቶምስ እኳ ኣሪጎም ሕራይ፥ ንሕና'ከ ከይኣረግና ስራሕ ኣረጋወያን ንገብር ዘለና፥ ንሳቶም Never kneel down ክብሉ ንሕና down down ንብል፥ኩላትና ኣርግቶት!!""

 
35
 
Received on Thu Jun 23 2016 - 09:38:59 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved