Facebook.com: ብጽኑዕ ኤርትራዊ ሕዝባዊ መኸተ ዝተሓምሸሸን ነበረ ያ ነበረ ዝኾነn ምሕዝነት መደብ ሰንዓ!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 22 Jun 2016 23:33:31 +0200
*"ብጽኑዕ ኤርትራዊ ሕዝባዊ መኸተ ዝተሓምሸሸን ነበረ ያ ነበረ ዝኾነn ምሕዝነት መደብ ሰንዓ!" 
*ብርሃነ
 
 

ብ 2004 ብናይ ትግራይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ብናይ ሰንዓ ፎርም ዝበሃል ዘይቅዱስ ማሕበር ኣንጻር ኤርትራ ተመስሪቱ እቲ ብ ኣመሪካ ዝምወል ማሕበር ኣባላቱ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ የመን፡ ሱዳንን ሶማልያን እየን ኔረን። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ማሕበር ንኤርትራ ብኢኮኖሚያዊን፡ ወተሃደራውን ዲፕሎማሲያውን መዳያት ኣኽቢብካን ሓኒቅካን ብምድኻም ንፕረዚደት ሃገረ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ህዝባዊ ግንባርን ካብ ስልጣን ብምልጋስ ኣብ ኤርትራ ሓደ ብኢትዮጵያ ዝዝወር ልሙስ መንግስቲ ብምትካል ንኤርትራ ውድቅቲ ሃገር ንምግባር ዝዓለመ እከይ ውጥን ሒዙ ተበጊሱ። እዚ ብኣማኢት ሚልዮን ዶላራት ባጀት ተሰሊዕዎ ብሓያላት ሃገራት ኣመሪካን ኤሮፓን ዝምወልን ዝጥምዘዝን ምትእኽኻብ ኣውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ስርሑ ብዓወት ክዛዝም እዩ ወሲኑ ተበጊሱ፣ እንተዘይኪኢሉ ከኣ ስርሓቱ ስጋብ ኤርትራ ትምብርከኽ ክቅጽል ይብል። ኣብቲ ግዜቲ ብጡፍሻት ኤርትራውያን ተቃወምቲ በሃልቲ ከይተረፈ ዝተጸንበለሉን ዝተዓለለሉን ውጥን እዩ ኔሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ንኹሉ ከም ኣመጻጽኡ ከምዝምክቶ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ኣይተረበሸን፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ ፕረዚደን ኢሰያስ ኣብ ቃለ መሕትት ሓጻር መልሲ ጥራሕ እዩ ሂቡ፡ "ኩሉ ንግዜ ንግደፎ፡ ኤርትራ ድያ ሕንፍሽፍሽ ክኣትዎ ንሳተን፡ ግዜ ክዓርቀና እዩ" ። ብዙሓት ክኢላታት ናይ ፖለቲካ ኢና በሃልቲን ዓበይቲ ናይ ዜና ማዕከናት ናይ ዓለምን ከምቲ ናይ ቅድሚ ነጻነትን፡ ወራር ወያነን፡ ሽዑውን ብድብድቡ ንናይ ኤርትራ ከም ውድቅቲ ሃገር ናይ ምዃንን ኤርትራውያን ልኽዕ ከም ሶማላውያን ነንሕድሕዶም ናይ ምውጋእን ናይ ሕንፍሽፍሽን ተኽእሎታት ተተምንየንን ኣጠንቂቀንን። ግን እዚ ኩሉ ተሻባሸብ ንናይ ኤርትራውያን ሓይሊን መኸተን ብድሆን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ ብዝወሰዶ ህጹጽ ስጉምቲ ጸረ መጥቃዕቲ፡ ምስ ሱዳናውያን ተቃወምቲ ምትሕብብባር ዝበዝሓ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ መሬት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር እቶም ሓይልታት ወደቀ። በዚ ሃንደበታዊ ምቅይያር ዝሰንበደ መንግስቲ ሱዳን ካብቲ ብናይ ሰንዓ ፎርም ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ኢዱ ብምስሓብ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ተቃዋሚ ሓይሊ ከተታዓርቆን ምስ ኣንጻር ኤርትራ ዝኳና ሃገራት ከምዘይሰርሕን ቃል ኣተወ። ብ2006 ከኣ ናይ ሰላም ስምምዕ ምስቲ ተቃዋሚ ሓይሊ ኣብ ኣስመራ ከተሙ። እቲ ተቃዋማይ ውድብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ዓቢ ክፋል ስልጣን ናይ መንግስቲ ሱዳን ሒዙ ይርከብ፡ ካብ ሽዑ ጀሚረን እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ሰላምን ምትሕግጋዝን ይርከባ።

ሕጂ ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ድሕሪ እቲ ዘይቁዱስ ፎርም ምምስራቱ ኩነታት ኣበይ ይርከቡ ኢልና እንተመዚንናን ገምጊምናን፡ እተን ንኤርትራ ሕንፍሽፍሽን ቅልውላውን ከእትዋላ ዝመኸራ ሃገራት ኩላተን ሕንፍሽፍሽ ኣትይወን እታ ኣብ ክሻፋ እቲ እኩይ ምትእኽኻብ ዝኣተወት ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ ዋላ ሓንቲ ድምጺ ናይ ጥይት እኳ ዘይስመዓላ ሃገር ኮይና ኣላ። እቶም ዝርካቦም ከም ተላኣኻኽቲ ኮይኖም ክሰርሑ ዝተዓሰቡ ባኮታት ተቃወምቲ ናይ ኢንተርነት ተጋደልቲ ኮይኖም ተሪፎም። ነተን ደለይቲ ክፍኡና ብዝርዝር ክንርኤን እንተፈቲንና ከኣ፣ እታ ከም መአከቢን መጸውዕን ናይቲ ፎርም ዝተጠቀሙላ የመን ውግእ ሕድድሕድ ኣጋጢሙዋ፡ ፕረዚደንታ ሃዲሙ፡ ሕጂ ናይቲ ዝሃደመ ፕረዚደት የመን ስእሊ ወሪዱ ናይቲ ከተጥፍኦ ዝመኸረት ፕረዚደን ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጎደናታታ ክትሰቅል ተገዲዳ። ፕረዚደት ሳልሕ እንታይ ይብል ይህሉ ይኸውን?

ካልአይቲን ቀንድን ወዳቢትን መራሒትን ናይቲ ፎርም ኢትዮጵያ እቲ ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ ደመኛ ጻላኢ ህዝቢ ኤርትራ መለስ ዜናዊ ብፍርሓት ካብዛ ዓለም ተሰናቢቱ። እታ ሃገር ብጥምየትን ሕንፍሽፍሽ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ተምርሕ ኣላ። ህዝቢ ኣንጻር እቲ ብትግራይ ዝምራሕ መንግስቲ ተላዒሉም፣ ብጥይትን መቅተልትን ዘይዕገት ኮይኑ እቲ ንኤርትራ ኢሎም ዝቀረብዎ ሰራዊት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክቀትል ወፊሩ ይርከብ። ጅቡቲ ዕግርግርን ጥምየትን ትሕመስ ኣላ። እቶም ብድብያ ዝጀመሩ ተቃወምቲ ስጋብ መሬት ምቁጽጻር በጺሖም፡ እቲ መንግስቲ ዕግርግር ኣትዮዎ ነዝተቃወመ ኣብ ምቅታል ተዋፊሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ 19 ሰለማውያን ተቃወምቲ በቲ ስርዓት ኣብ ሓንቲ ግዜን ስዓትን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ተረሺኖም። ብዛዕባ ኩነታት ሶማል ኩሉ ስለ ዝፈልጦ ንሕለፎ። እታ ድሕሪ ኤርትራ ዝሓሸ ምርግጋእ ዘለዋ፡ እታ ብግዚኡ ኢዳ ዝሰሓበትን ዝተነሰሐትን ሱዳን እያ። ሕጂ እሞ እቶም ሓያላት ዝበሃል ምትእኽኻብ ኤሮፓዊ ሕብረት ከይተረፈ ድሕሪ ብዙሕ ጊዜ ምስ ኤርትራ ክተሓባበር ወሲኑ ኣባላት ሃገራት ናይቲ ሕብረት ናብ ኣስመራ ይውዛ ኣለዎ። ነቲ ሕብረትን ንሃገሩን ወኪሉ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝገበረ ናይ ኢጣልያ ሚኒስተር ኣብሃገሩ ምስ ተመልሰ ዝገበሮ ቀለ መሕትት ዝተዚረቦ ንኹሉ ዝሓለፈ ዘጠቃልል ይመስል፡ "ምስ ኤርትራ ብክብረትን ሕውነትን ሕንሰርሕ ወሲንና ምኽንያቱ ቅድሚሕጂ ዝፈተናዮ ናይ ምንጻልን ምጉዕባዕን ኣካይዳ ኣይሰርሐን" ግዜን ዓቅልን ዘይፈትሖ ነገር የለን። ምስ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ተኣምራት ክንርኢ ኢና።

 
41
Received on Wed Jun 22 2016 - 17:33:32 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved