ብደም ሰማእታት እትበርህ ቀንዴል ናጽነት ንዘንት ዕለት ክትበርህ ትነብር !

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 20 Jun 2016 13:57:59 +0200

ብደም ሰማእታት እትበርህ ቀንዴል ናጽነት ንዘንት ዕለት ክትበርህ ትነብር !

Eritrean martyrs
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለኻ ተቐባል ሕድሪ ሰማእታት ዝኾንካ ኤርትራዊ ሎሚ ውን ከም ቀደም ተዳሎ ከይትዕሎ ጽናዕ ከይትምናዕ !

ተስፋማርያም ሓጎስ

ብቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝተኻየዱ ሓርነታዊ ቃልስታት እቲ ዝነውሐን ዝመረረን ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት በይኑ ብዘይ ናይ ማንም ደገፍ ዘካየዶ ቃልሲ እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ጥይትን ተዅስን ባህጊ መውጋእትን ስንክልናን መስዋእትን ሃልይዎ ኣይኮነን ብረት ዓጢቑ ንበረኻ ዝወጸ ፣ እታ ፈጣሪ ዝዓደሎ ነጻነቱ ብርእሰ ሓያላን ተመንዚዓ ንኢትዮጵያ ከም ገጸ በረኸት ምስ ተዋህበት እዩ ደሙን ኣዕጽምቱን ከፊሉ ከምጽኣ ንበረኻ ወጺኡ ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ንዝተዋህቦ ክቡር ህያብ ብሰላም ክጥቀመሉ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱ ብሓይሊ ብረት ከምጽኣ ቃልሱ ጀመረ ። ስርዓት ኢትዮጵያ ዘድልየና ቀይሕ ባሕርን መሬት ኤርትራን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣየድልየናን እዩ ብምባል ንህዝቢ ኤርትራ ምጥፋእ ስራሕና ኢሎም ተተሓሓዞ ። መንእሰይ ኤርትራ ተመሃራይ ትምህርቱ ሸቃላይ ሽቕለቱ ጓሳ ከብቱ ሓረስታይ ማሕረሱ ገዲፉ ብረት ዓጢቑ ንሰራዊት መግዛእቲ ንምድምሳስ ንበረኻ ወጸ ።

ህዝቢ ኤርትራ ደይከም ካልኦት ሰውራታት በይኑ ብዘይ ናይ ማንም ደገፍ ነቶም ንሃገርና ብውክልና ዝጎበጡን ለኣኽቶምን ዓንገልቶም ርእሰ ሓያላንን እዩ ገጢምዎም ። ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ከም ዓሳን ባህርን ተወሃሂዶም ንጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ ሓመድ ድፋጭኡ የስሕንዎ ኔሮም ። ንህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ዘዕጥቕን ዘስንቕን ዝኾነ ይኹን መንግስቲ ኣይነበረን ።

ኤርትራውያን በታ መንሽሮ ናይ ዓለም ዝኾነት ኣሜሪካ ነጻነቱ ተነፊጉ ሰብኣዊ መሰሉ ተሓሪሙ ግዳይ መቝሰልትን ስንክልናን መስዋእትን ኮይኑ ። ኣብ ሃገሩ ብሰላም ከይነብር ቤት ንብረቱ ብወከልታ ኣዕንያቶ ግዳይ ስደትን ከርፋሕ መነባብሮን ኮይኑ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ፈቐዶ ኵርንዓት ዓለም ተበታቲኑ። ካብ መፈለምትኡ ውን እዞም ሎሚ ኣሜሪካ ኢልና ንጽውዖም ዘለና ካብ ፈቐዶ ሃገራት ኤውሮጳ መጺኦም ንደቀባት ኣጽኒቶም ኣብ ዘይ መሬቶም ደቀባት ዝኾኑ እዮም ። ንዕኦም ዘገድሶም ኣብ ዓለምና ኣብ ክሊ መሬታን ሰማያን ባሕራን ዘሎ ባህርያዊ ጸጋታት እንተስ ብፍቶት እንተስ ብሓይሊ ዋንነት ኣሜሪካ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ ፣ እምቢ ንዝበሎም ከኣ ብሓይሊ ብረት ምጥፋእ እናተወራረሰ ዝመጸ ባህሎም እዩ ። ጭርሕኦም ቅድም ቀዳድም ረብሓ ኣሜሪካ ክሕሎ ኣለዎ ፣ ነዚ ዝቃወም ከኣ ወዓል ሕደር ዘይብላ ክእለ ኣለዎ ። ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ዓለምና ጳጳስ ባዕላ ፣ ሼኽ ባዕላ ከሳሲት ባዕላ ሃራሚት ባዕላ ፈራዲት ድማ ባዕላ እያ ።

ኣብ ዓለምና ድሕሪ እቲ ልዕሊ ሰብዓ ሽሕ ህይወት ዝቐዘፈን ንብምሉኣተን ሃገራት ኤውሮጳ ዘዕነወን ብኻልኣይ ኲናት ዓለም ዝፍለጥ ኲናት ምዝዛሙ ኣብ ዓለም ሰላም ክፈጥርን ሰብኣዊ መሰላት ክሕሉን ተባሂሉ ሓደ ንብምሉአን ሃገራት ዓለም ዝሓቍፍ ውድብ ተመስሪቱ ፣ ንሱ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተባሂሉ ይጽዋዕ ። እዚ ውድብ እዚ ኣብ ትሕቲኡ ዓሰርታት ክፋላት/ ውድባት ዘለውኦ ውድብ እዩ ። እዚ ውድብ እዚ ብቝጠባን ካልእን ዝውንንኦ እተን ሓያላት ሃገራት እየን ። ዝበዝሕ ባጀቱ በተን ሃብታማት ሃገራት እዩ ዝምወል ።

እዚ ውድብ እዚ ካብ መጀመርትኡ ዓለማዊ ስም ደኣ ይጠመቕ እምበር ናይተን ሃብታማትን ሓያላትን መንግስታት ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ እዩ። ብሓጺሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይኮነስ ውድብ ሓላት መንግስታት ምባሉ ዝቐለለ ይኸውን ። ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝሓልፍ ይኹን ዝጸድቕ ውሳነ ብዘይ ገለ ምዕይዕይ እዩ ዝጸድቕ። ኣብ መወዳእታ ኣርባዓታት ጥልያን ብእንግሊዝ ተሳዒራ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸት ፣ ጉዳይ ኤርትራ ንሽሙ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ደሓር ግን በተን ኣሜሪካ ትመርሐን ሃጸያውያን መንግስታት ንስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሜሪካ ተባሂሉ ንኤርትራ ብዘይ ድሌት ህዝባ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደሬሽን ክትቍረን ተጌሩ ። ሃጸይ ሃይለስላሰ ንፈደሬሽን ኣፍሪሱ ንኤርትራ መበል 14 ጠቅላይ ግዝኣቱ ክገብራ እንከሎ ብናይ መን ባርኾት እዩ ? ብናይ ኣሜሪካ፣ ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝብል ስም ዝተጠመቐ ውድብ ሓያላት መንግስታት ኣፈይ ኣይዛረብ ኣዒንተይ ኣይርእያ ኣእዛነይ ኣይሰምዓ ብምባል ንህዝቢ ኤርትራ ንስቓይ ፈሪደሞ። ንሰላሳ ዓመታት ክንሳቐ ክንቆስል ክንስንክል ክንስዋእ ዓድና ክዓኑ ህዝብና ክስደድን ንስቓይን መከራን ክቃላዕ እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበሃል ኣይኮነንዶ ኣፉ ከፊቱ ክዛረብስ ትሕቲ መልሓሱ ውን ኣድሚጹ ኣይፈልጥን ። ንምንታይ እንተ ደኣ ኢልና ውድብ ናይ ዓለምና ሃገራት ዘይኮነስ ናይተን ሓያላንን ሃብታማትን ሃገራት እዩ ።

ሎሚ ኣማእት ኣሽሓት መንእሰያትና በጃ ከፊልና ዘምጻእናያ ናጽነት ፣ ነዛ ብደም ሓላላት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተወልዕትን ኣብ መላእ ኤርትራ ብድምቀት እትበርህን ቀንዴል ናጽነትና ንምጥፋእ ኣሜሪካን ሰዓብታን ክጓየዩ ከለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምንታይ ዓገብ ዘይብል ? ኤርትራ ኣባል ናይዚ ውድብ እዚ ደይኮነትን ? ኣሜሪካ ዘይወዓልናዮን ዘይፈጸምናዮን በደላት ኣኻኺባ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከተቕርበሎም ከላ ንምንታይ ኣተግበርትን ኣስፈጸምትን ዝኾኑ ? ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣሜሪካ ዝቐረበሎም ወረቓቕቲ ንምፍራምን ንምጽዳቕን ጥራይ እንተደኣ ኮይኖም ዝቖሙ እዚ ውድብ እዚ ነተን ካልኦት ሃገራት ዓለም ንምንታይ ኣድለየ ?

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን 1962 መንግስቲ ኢትዮጵያ ብባርኾት ኣሜሪካ ንኤርትራ ክጎብጣ እንከሎ እዚ ውድብ ሓንቲ ቃል ውን ብጭቕ ኣየበለን። ሎሚ ውን ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሎም በደላት እሞ ከኣ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ጭራሽ ብዘይ ወዓሎም ክኽሰስ እንከሎ እዚ ውድብ እዚ ንምንታይ ኢሉ ውን ኣይሓተተን ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳን ምውንጃልን እዩ ከተግብር ጸኒሑን ዘሎን ። ኣሜሪካ ባዕሎም ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኮይኖም ዝመሃዝዎ ናይ ሓሶት ክስታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እወ ኢሉ ምጽዳቑ መርኣያ ምእዙዝነቱ ንኣሜሪካ እዩ ዘርኢ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንሃገራት ዓለም ዘበርክቶ ቅንጣብ ነገር የለን ። እቲ ንነብሱ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢሉ ዝሰየመ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ክምርምር ዝተዋህቦ መዝነት ንጎድኒ ገዲፉ መሬት ኤርትራ ከይረገጸ ፣ ኣብ ደገ ዝነብሩ ዕሱባትን ቀደም ማዕበል ሰውራ ገሊፉ ንደገ ዝሰንደዎም ሓተላን ፣ ንሓተቲ ዑቕባን ፣ ኢትዮጵያውያንን ሓቲቱ ንዝረኸቦ ናይ ሓሶት ጸለመ ሒዙ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣሎ ኣብ ኤርትራ ባርነት ኣሎ ኢሉ ነቶም ዝለኣኽዎ ጸብጻብ ከቕርብ መርእያ እንታይነት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ዝገልጽ።
ንቀንዴል ናጽነትና ላምባኣ ወዲኣ ኽትጠፍእ ሎሚ ኣይኮኑን ጀሚረሞ፣ ኣብ 1961 ገና ቍሎዒ ከላ ከጥፍእዋ ዘይፈተንዎ ፈተነ ኣይነበረን ግንከ ኣይከኣሉን ። እቲ ንሳ እትወስዶ ነዳዲ ካብ ትሕቲ መሬት ኩዒትካ ዝወጽእ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ዝሽየጥ ላምባ ዘይኮነስ ፣ ደም ናይቶም ሓላላት ደቂ ኤርትራ ብምዃኑ ብርሃና እናዛየደ ንመላእ ኤርትራ መሬታን ማያን ክሊ ኣየራን ድሙቕ ብርሃን እናሃበት እያ ንዘለኣለም ክትበርህ እትነብር ።

ስጋ ብዘይ ዓጽሚ ጠጠው ኣይብልን እዩ ፣ እቲ ዓጽሚ ከኣ እቲ እምነት እዩ

ህዝቢ ኤርትራ እምነ ኵርናዕ ጉዕዞ ቃልሱ እምነት እያ ኔራ ። ደሙን ዓጽሙን ከስኪሱ ነጻነቱ ከም ዝጭብጥ ጽኑዕ እምነት ኔርዎ ። ኩነታት ጸንኪሩ መሬት ከም ኣፍ ዕንቊ እንተጸበበት ውን ኣብ መወዳእታ ብዓወት መሰስ ኢሉ ከም ዝወጽእ ጽኑዕ እምነት ኔርዎ ።
እወ እቲ ምእንቲ እዛ ሃገር ኣብ ነፍሲ ወከፍ መሬታ ዝፈሰሰ ደም ዝተሰብረ ኣዕጽምቲ መዓስ ምእንቲ ጸወታ ኮይኑ ፣ ንስለ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ እኮዩ ፈሲሱ ! እዚ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝፈሰሰ ደም ናይ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ሰማእታትና ኣብቲ ከርሲ መሬት ኤርትራ ከም ትሕተ ባይታዊ ማይ ንሱ ውን ትሕተ ባይታዊ ደም ኮይኑ ነዛ ቀንዴል ናጽነትና ንዘለኣለም ተወሊዓ ከም እትነብር ይገብራ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ቀንዴል ናጽነት ብብርሃና ተፈሲሁ ኣብ መላእ ሃገር ብዘይ ሸለብ ገለብ ክንቀሳቐስ ከሎ ንሰማእታቱ ከም መላእኽቲ ከኽብሮምን ክዝክሮምን ኣብ መትከሎም ረጊጹ ሕድሮም ከኽብር በቲ ሓደ ኢዱ ኣፍራዛ በቲ ሓደ ኢዱ ካላሽን ሒዙ ሃገሩ ዝሃንጽን ዝሕሉን ዘሎ ።

ኣሜሪካ ብውክልና ጭፍራ ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ክትከፍት ከም እትኽእል ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣጥፊኣ በቶም ኣብ ደገ ፈንጨራዕ ዝብሉ ዘለዉ ከዳዓት ደቂ ሃገር መንግስቲ ከተቕውም ወይ ድማ ነታ ሃገር ኣዕንያ ብሃይማኖታውን ቀቢላውን ውግእ ክትሕምሳ ከም እትደሊ ኩልና ንግምቶ ነገር እዩ ። እንተ ኾነ ከምቲ ለባማት ኣቦታትና ዝብልዎ ፣ ከልቢ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ስጋ እምበር ኣብ ልዕሊኡ ዘላ ዱላ ኣይርእን እዩ ከም ዝበሃል ከምዚ ዓይነት ምናልባሽ ኣብ ዒራቕ ወይ ሊብያ ሰሪሑ ክኸውን ይኽእል እዚ ማለት ግን ኣብ ኤርትራ ክሰርሕ ይኽእል ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ናጽነቱ ንምምጻእ ደቁ ናብ መኣዲ ቃልሲ መሪቑ ኣጆኹም እናበለ ሰዲዱ ንሱ ድማ ስንቅን ዕጥቅን ሒዙ ኣብ ዝኣተዉዎ እናኣቶ ንውጉኣት እናሓብሓበን እናኣለየን ንመስዋእቲ ደቁ ኣብ ነጸልኡ እናተቐበለ ዝተቓለሰ ህዝቢ እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ትማል ንኹሉ ወራራቶም ኣፍሺሉ ብዓወት መሰስ ዝበለ ሎሚ ውን ዝያዳ ንኹሉ ውዲታቶም ኣምኪኑ ብዓወት መሰስ ከም ዝብል ርግጸኛታት ኢና ። ኣይፋልኩም ኣሜሪካ ሰላም ሃቡና ኣብታ መሬትና ነገር ኣይትድለዩና ! ሓንቲ መዓልቲ ኢና ተወሊድና ሓንቲ መዓልቲ ከም እንመውት ከኣ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ስለ ዝኾነ ንፈልጥ ኢና፣ ንሞት ፈሪሕና ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ከም ዘይንምብርከኽ ክንሕብረኩም ንፈቱ ።

እንተ ናይዞም ኣብ ጎድኒ ጸላኢ ኮይኖም ንዕንወትን ጥፍኣትን ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ከዳዓት ደቂ ሃገር ፍርዶም እንታይ እዩ ክኸውን ? ከምቲ ናይ ትማል መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ምሕረት ይገብረልና ይኸውን ኢሎም ደኾን ይሓስቡ ይህልዉ ? ደናቝር ! ትማል ካልእ እያ ሎሚ ውን ካልእ እያ ጽባሕ እሞ ኸኣ ሓዳስ ዓይነት ጽባሕ እያ ክትከውን ። ብዙሕ ትሓስቡ ትህልዉ፣ ገሌኹም ህዝቢ ኤርትራ ንዓና ከምቲ ኣብ ናይ ፈረንሳ ሪቮሉሽን ንኹሎም ነቶም ኣሪስቶክራትስ ጂሎታይን ማሺን ጌሩ ክሳዶም ዝቖረጾም ይቖርጸና ይኸውን ኢልኩም ትሓስቡ ትህልዉ ፣ ወይ ውን ኣብ ሓዊ ይጠብሰና ይኸውን ? መልሰይ ግን እንድዒ ። ሃገርን ህዝብን ካብ ዓለም እቶም ዝኸበሩ እዮም ። ንጥፍኣት ናይዚኦም ዝለዓል ወይለኡ ! ብሕልፊ ንህዝቢ ኤርትራ ፣ ነዚ ደቁ ነጊፉ ንሃገሩ ዝውፊ ! ኣብ ሓቂ እንተ መጺእና ከምዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ዓለም ኣሎዶ ኢልና ምስ እንሓትት ? እታ መልሲ የሎን እያ ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለኻ ተቐባል ሕድሪ ሰማእታት ዝኾንካ ኤርትራዊ ሎሚ ውን ከም ቀደም ተዳሎ ከይትዕሎ ጽናዕ ከይትምናዕ ! እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንርብዒ ዘመን ክካየድ ዝጸንሐ ኩሉ ሸርሕታት ቅድመ ኩነት ናይቲ ንኤርትራ እንተስ ብኢዶም እንተስ ብኢድ ወከልቶምን ተለኣኣኽቶምን ኣቢሎም ንምህራም እዩ ። እዚ ካብ ኮነ ሃገር ብዓመጽትን ናይ እንዳማቶም ደለይትን ከይትጉበጥ ሓደራ እትብል ሕድሪ ሰማእታትና ንምኽባር በዓል በትሪ በትሩ በዓል ሴፍ ሴፉ በዓል ጎርዴ ጎራዴኡ ኣልዒልና ክንምክት ኣለና ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!

Received on Mon Jun 20 2016 - 07:57:59 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved