Facebook.com: ሓሙሽተ ስውኣት ካብ ሓንቲ ስድራ!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 19 Jun 2016 22:47:40 +0200

ሓሙሽተ ስውኣት ካብ ሓንቲ ስድራ!

 

ክብሪን ሞጎስን ንሰማእታት ኤርትራ!

ወርሒ ሰነ 19, 2016

ገድሊ ንናጽነት ኤርትራን ንምዕቃብ ልኡላውነትን ዝሓተቶ ዋጋ ንዓና ንኤርትራውያን እምብዛ ከቢድ'ዩ። ካብ ሓንቲ ስድራ ሸውዓተ፡ ሽዱሽተ፡ ሓሙሽተ፡ ኣርባዕተ፡ሰለስተ፡ ክልተ፡ ሓደ እንተኸፍሉ፡ ዳርጋ ዋጋ ዘይከፈለት ኤርትራዊት ስድራ የላን ክበሃል ይከኣል (ከም ኣብነት እዛ ስእሊ ሓንቲ ስድራ ዝኸፈለቶም ሓሙሽተ ኣሕዋት'ያ ተርኢ)። ስለዝዀነ፡ ሰማእታት፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ 20 ሰነ፡ ዝክረ ሰማእታት... ዝብሉ ቃላት ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ከቢድ ትርጉምን ክቡር ቦታን ዝሕዙ። እቲ ዝለዓለ መለክዒ ፍቕሪ፡ ነቲ ተፍቅሮ ክሳብ ክንደይ ከምተፍቅሮ ንምግላጽ እቲ ዝለዓለ ክትውፍዮ ትኽእል ህይወትካ እዩ። ሰማእታትና ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ንኤርትራን ንናጽነት ኤርትራን ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቅርዎም ብወፈያ ህይወቶም ኣርእዮም'ዮም። ከም'ቲ ገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ኣቦና ሮሞዳን መሓመድኑር ዝበሎ፡ "ኤርትራ ህያብ ስውኣትና'ያ። ብልጽግትን ስልጥንትን ኤርትራ ከኣ ህያብ ንስውኣትና'ያ።" ስለዚ፡ ወትሩ 20 ሰነ ክትመጽእ እንከላ፡ ብልጽግትን ስልጥን ኤርትራ ሃኒጽና ንሰማእታትና ከም ህያብ ንምብርካት፡ መብጽዓና ነሐድሰላን ኣብ ቃልና ጸኒዕና ምህላውናን ምስ ሰማእታትና ብሕልና ንራኸበላ ዕዝዝቲ ዕለት'ያ። እዚ ማለት ግን፡ ሰማእታትና ኣብ 20 ሰነ ጥራይ ይዝከሩ ማለት ኣይኰነን። ወትሩ ዓመት ምሉእ ኣብ ሕልናናን ልብናን'ዩ ሰፈሮም። ኣብ ኩሉ እንገብሮ ውልቃውን ሃገራውን ጕዕዞና፡ ብሶላ ናይ'ቲ ጕዕዞ'ዮም።
ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ!
ሰማእታትና ወትሩ ይኽበሩ!

ብህዝባዊ መንግስትኣብ

 
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
Received on Sun Jun 19 2016 - 16:47:41 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved