courtesy of meskerem. ፈኸራ ኣባይ ወልዱ። ምእታው ዓረባውያን ንዓሰብ ንወያነ ረቢሽዎም ከሪሙ እዩ።

From: Bereket Kidane <welela83_at_yahoo.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 17 Jun 2016 16:35:12 +0000 (UTC)

ፈኸራ ኣባይ ወልዱ።
 
 ኣብ ኣይጋ ዝወጸ ፈኸራ ሓዲሽ ኣይኮነን።፡አባይ ወልዱ አብ ዓድዋ ጥራይ አይኮነን ፈኪሩ። አብ ኩሉ ዝገበሮ ዑደት ትግራይ ክፍክር እዩ ወሪሑ። እዚ ዑደት ድማ ዝሐለፈ ወርሒ ዝጀመሮ እዩ። ዝሐለፈ 2 ወርሒ አብ ዛላንበሳ ናዕቢ ተላዒሉ። እዛ ከተማና ተረሲዓ ብዝብል። ብድሕሪ ዚ ካብ ዓጋመ ዝተዋጸአት ጉጅለ ብጽሑፍ ንወያነን ንአባይ ወልዱን ዝተዋሃበ እዚ አይሰላም አይውግእ ስትራተጅኹም ካብ ንኤርትራ ንዓና ቀቲሉ ዝብል ዘለዎ አቅሪቦም እዮም።  ስለዚ አብ ዝገብሮ ዘሎ ዑደቱ ንጀብሃን ነዚ ፖሊሲኦምን መረረ ህዝብን እናልዓለ ክዛረብ ቀንዩ።“ከመታ ንጀብሃ ዘጥፋኣናያ ንሻዐብያ ከነጥፍኣ ኢና” እንዳብለ። ንኢሰያስ ክንኣልዮ ኢና ኰይኖም ደርፎም።
 
 ኢትዮጰያ ንኢሳያስ ድሕሪ ምእላይከ ዝብል ሕቶ ጌና አይመለሰቶን ዘላ። ጥራይ ኢሳያስ ነቲ ጀኦ ፖለቲክ ኢትዮጰያ ይሻመወና አሎ። እዚ ከአ ፍጹም ወያነ አይተጸበይዎን። ኤኮኖሚ ኤርትራ ይመሐየሽ አሎ። ስደት ኤርትራውያን ብተዛማዲ ናይ ዓሚ ቁጽሪ አዚዩ ዊሒዱ አሎ (እዚ ኢሳያስ ገጌርጊስ ንውድብ ዓፋር አብ አኪቡሉ ዝነበረ ግዜ ቅድሚ 5 ወርሒ ቁጽሪ ስደተኛታት ይንኪ አሎ ኢሉ ገሊጹሎም እዩ) ምእታው ዓረባውያን ንዓሰብን ዝአመሰሉ ንወያነ ረቢሽዎም ከሪሙ እዩ።
 
 ሕጂ ምስ ናይ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰል ውሳኔ ግርም ህያብ ረኺባ ነቲ ጅኦ ፖለቲክ ናብ ቁጽጽራ ዝአትወሉ መገዲ ተናዲ አላ። እቲ ብዱዓት ወያነ ዘይተረድእዎ ዘለዉ ዋላ ኢሳያስ የልግስ ዝመጸ ይምጻእ ህዝቢ ግን ፍጹም ከምዘይቅበሎም እየ። ነታ ደሐርከ እትብል ኢሳያስ ምስከደ ዋላ ሐደ አይትረክብን ተገዲሱ ዝምልሳ። ጥራይ ንሱ ይኺድ እንበር ብድሕሪኡ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም አይዕሹን እዮም ዝብሉኻ። አብዚ እዩ ዘሎ እቲ ሐደጋ። ወያነ ጌና አይጸገቡን ቀጻሊ ሕኒኦም ክፈድዩ እዮም ዝደልዩ ዘለዉ።
Received on Fri Jun 17 2016 - 12:35:12 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved