Facebook.com: "መን ኢኻ`ባ ንገሮም"

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 17 Jun 2016 00:33:16 +0200

መን ኢኻ'ባ ንገሮም
ነቶም ኣብ ድቃስና ዝኩሕኩሑ
ነቶም ኣብ ልምዓትና ዝጽሕትሩ
ነቶም ዝመጣጠሩ ኢዶም ወስ ዘብሉ
ነቶም እከይ ዝሐስቡ ብሰላሕ ዝሰልኩ
ነቶም ሕልም ሐዲሮም ዘረባ ዘኹሱ
ኣይትዘንግዑ ከይትዝግዑ
ህዝቢ ንሪም ዘይዛንየሉ
ሃገር ንሐድነት ዝዓስለሉ
ዓይኑ ዘይዓመተ ኤሎ ምድሪ ባሕሪ ዝሕሉ
መን ኢኻባ ንገሮም
ኣይሰኣኑን እዬም ብሕንከት ዝተሸጎጡ
ከይሰምዑ መታን እዝኒ ዝለኮቱ
ከይርእዩ ዓይኒ ዘዓመቱ
ኣይሰኑን እዬም ድማ ትሐቢኦም ዝሐቱ
መን ኢኻባ ንገሮም
ብዚገጸ ቢያቲ ናጽነት ከምዘይመጸ
ብልመና መርቁለይ ቀለም ዝነቀጸ
ፈሪሕና ደኒና ኣይኮነን ውን ዝተሐንጸጸ
ደም ኢና ኣፍሲስና እንዳ ሰተና ዕረ ዝመጸጸ
መን ኢኻባ ንገሮም
ኤርትራዊ'የ በሎም

Received on Thu Jun 16 2016 - 18:33:17 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved