Facebook: ሰለስተ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ወያነ ናብ ኤርትራ ኢዶም ከምዝሃቡ ይግለጽ ኣሎ።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 16 Jun 2016 18:38:37 +0200
ሰለስተ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ወያነ ናብ ኤርትራ ኢዶም ከምዝሃቡ ይግለጽ ኣሎ።

ሰለስተ ካብ ላዕለዋት ሓለፍቲ ሰራዊት ወያነ ናብ ኤርትራ ኢዶም ከምዝሃቡ ይግለጽ ኣሎ። እዞም ሓለፍቲ መን ምዃኖም እንታይ ዓይነት ሓላፍነት ከምዝነበሮም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብናይ ኢትዮጵያ ተቀወምቲ ግና ጀነራል ደሪባ መኮነን ዝተባህለ ሓላፊ ግንባር ጾረና ዝነበረ ኢዱ ከምዝሃበ ይገልጹ ኣለው። እዚ ግና ብኣና ወገን ዝተረጋገጸ ከምዘይኮነ ክገልጽ ይፈቱ። ብጀክኡ ምሉእ ናይ ወያነ ናይ ጸጥታ መሓውር ዝሰርሑ ወኪላት (UnderCover agents) ሽሞም፡ ኣድራሽኦም፡ ዝሰርሕሉ ቦታ፡ ማዕረጎምን መደብ ስርሖምን ዝሓዘ ደኩመንት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣትዮ ነቶም ናይ ናይ ወያነ ተቃወምቲ ከምዝተወሃበ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ሽም ዝርዝርን ኣድራሻን ናይቶም ብሕቡእ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክስልሉ ዝጸንሑ ኩሎም ዝሓዘ ዶክመንት ብናይ ኢትዮጵያ ዜና ማዕከን ኢሳት በብቅሩብ ክዝርጋሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ከኣ ንወያነ ዓቢ ሃስያ ክኸውን ከሎ ነቶም ንወያነ ዝቃወሙን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዓቢ ዓወት እዩ ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ብዘይ ናይ ሕቡኣት ስለያ መሓውሩ ብዙሕ ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ንህዝቢ ከርዕድን ስለ ዘይክል። ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ በጽሓና ከነቅርቦ ኢና።

Received on Thu Jun 16 2016 - 12:38:37 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved