Facebook.com: ሰራዊት ወያነ ኣብ ወጋሕታ ዕለት 13 2016 ሰነ ኣንጻር ኤርትራ ዝበግሶ መጥቃዕቲ፣ 200 ውትሃደራቱ ምዉታትን 300 ቁሱላትን ከሲሩ ብሰራዊት ኤርትራ ተጸሪጉ ናብ ቦትኡ ሃዲሙ ተመሊሱ።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 16 Jun 2016 13:03:31 +0200
ሰራዊት ወያነ ኣብ ወጋሕታ ዕለት 13 2016 ሰነ ኣንጻር ኤርትራ ዝበግሶ መጥቃዕቲ፣ 200 ውትሃደራቱ ምዉታትን 300 ቁሱላትን ከሲሩ ብሰራዊት ኤርትራ ተጸሪጉ ናብ ቦትኡ ሃዲሙ ተመሊሱ።
 

ሓድሽ ጸብጻብ ብዛዕባ ወራር ሰራዊት ወያነ፡ ሎሚ ሰነ 16 2016 ካብ እንዳ ዜና ዝወጸ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ልዕሊ 200 ወተሃደር ወያነ ክቅተል ከሎ ልዕሊ 300 ብከቢድን ፈኩስን ቆሲሉ።

ከምዝፍለጥ ብሰንበት ስርዓት ወያነ ሃንደበት ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ምውሳዱ ይፍለጥ፡ እቲ ብዙሕ ናይ ሰራዊት ጻዕቂ ብዘይነበሮ ኣብ ማእከላይ ግምባር ኮይኑ ብየማናይ ሸነኽ ንምብጣስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሰንበት ክከላኸል ድሕሪ ምውዓል ኣብ ዝሓለፈ ሶኑይ ከም ዝሓበርክኹም ብእንዳ ሜካናይዝድ ኣሃዱ ዝተሓገዘ በርቃዊ ጸረ መጥቃዕቲ ብምውሳድ ንሰራዊት ወያነ ካብቲ ዘጥቅዕሉ ዝነበረ ቦታ ጥራሕ ዘይኮነ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዓሪዶምሉ ዝነበሩ ማለት መበገሲኦም ቦታ ሰንጢቁ ብምእታው ሰፍ ዘይብል ክሳራ ብምውራድ ጸራሪግዎም። ኣብቲ ዝተኻየደ በርቃዊ ጸረ መጥቃዕቲ ኣብ ሰራዊት ወያነ ዝወረደ ክሳራ ብውሕዱ ልዕሊ 200 ወተሃደራት ክሞቱ ከለው ልዕሊ 300 ከኣ ብከቢድ ቆሲሎም፡ ትማሊ ካብ ኢትዮጵያ ሊሒኹ ዝወጸ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻብ ነዚ እዩ ዘረጋግግጽ፣ ይብል ሆስፒታላት ትግራይ ብቁስላት ወተሃደራት የዕለቅሊቀን ከምዘለዋ ይገልጽ።

እቲ ብሃንደበት ንሓይልታትና ከምቀደሙ ሃሪምናዮም ቀቲልናዮም ብምጥቃዕ ክብል ዝጽበ ዝነበረ መንግስቲ ወያነ በቲ ዘይተጸበዮ ጽፍዒት ብምስንባድ ቁሱልን ምውቱን ጸይ እግረይ ኣውጽኒ ብምባል ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሃዲሙ። እቲ ዘየለ ነገር ከምዘሎ፡ ዘይተገብረ ከምዝተገብረ ጌሩ ዘቅርብ ስርዓት ወያነ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ምስ ተሰከመ ስቅ ንምባል እዩ መሪጹ። ካብ ወያነ ስቅ? እሱ ባዕሉ ዓቢ ምልክት ናይቲ ዝተሰከምዎ ስዕረት እዩ። ካብኡ ሓሊፉውን ብሚኒስተር ኮምኒኬሽን ትግራይ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንሕና ይብል እቲ ካብ ማራ ብምሕሳው ብከሚካል ዓሊ ዝፍለጥ ሚኒስተር ሓሶት ንሕና ክንዲዚ ሞይቶም ኢልና ኣብ ቁጽሪ ጸብጻብ ኣይንኣቱን ኢና ኢሉ። ብዘይገበርዎ ክሕስው ዝውዕሉ ሰባት ሕጂ ደኣ ኣፍኩም እንታይ ለኾቶኩም? ንሕና ኤርትራውያን ዓቅምናን ናይ ምውጋእ ብቅዓትናን ጽቡቅ ጌርና ንፈልጥ ግና ንውግእ ደሊናዮ ኣይንፈልጥን፣ ከመይሲ ብሉጻት ከምዝወስድ ስለንፈልጥ። ናይ ህግ ኣካይዳ ከኣ ከምቲ "ዝገብር ነዲኡ ዘይነግር" ዝበሃል ኣብ ግብሪ እምበር ኣብ ፈኸራ ኣይንኣምንን፡ ብፈኸራውን ኣይንደሃልን ከመይሲ ዓዳዕዲዕና ዓቅምና ስለንፈልጦን ብዓቅምና ስለ ንተኣማመንን። ብኡ ምኽንያት ኢና ከኣ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ፡ ክደግሞ እየ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ፈኪርናን ከምዚ ክንገብሮም ኢልና ዘይንፈልጥ። ወያነ ግና ሰብ ስጋብ ዝስልችዎ ንኤርትራ ክንቅጥቅጣ ኢና ዳርጋ ወርሓዊ ዘውጽዎ ዓጀውጆው እዩ። ንሕና ስቅ እንተበልና ከኣ ከምፍርሓት ብዙሓት ሰባት ከም ዓቅሚ ዘይብልና ወይውን ፍርሓት ዝመሰሎም ኔሩ። ናትና መልሲ ከኣ ኩሉ ግዜ ውግእ ኣይንደልን ኢና ንውግእ ግና ከም ኣጻብዕ ኢድና ስለ ንፈልጦ ብውግእን ወረ ውግእን ኣንደሃልን። ናብ መሬትኩም ኣይንመጽን እንተመጺኹም ግና ኣብኣ ትረኽብዋ። ሕጂውን ንሰላም ንምነ፣ ግና እንተመጺኹም ካብታ ናይ ትማሊ ዝነበረት መራር ዕረ ንላዕሊ ክትረኽቡ ኢኹም። ጸብጻብ ቀጻሊ እዩ ዘሎ፡ ሸር ብምግባር ነቲ ናይ ሓሶት ወረታት ነዕግሶ!

http://www.dailymotion.com/video/x4gftxy

 
Received on Thu Jun 16 2016 - 07:03:32 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved