መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ሰንበት ዘካየድዎ ኹናት እንታይ ይብሉ?

From: Adal-Video production. Adal Press & Publishing <eboeri30_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 14 Jun 2016 17:16:11 -0600

http://tigrigna.voanews.com/a/ethiopia-eritrea-after-the-conflict-getachew-reda-and-girma-asmerom/3375913.html

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት
ናብ ቀንዲ ትሕዝቶ ሕለፍ
ናብ ቀንዲ መምርሒ ስገር
ናብ መፈተሺ ስገር
logo
ዜና
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ሰንበት ዘካየድዎ ኹናት እንታይ ይብሉ?

ሰነ 14, 2016
ኣሳሓሓቢ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት
ኣሳሓሓቢ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት
ኣካፍል
‘ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዘውፈረቶ ሰራዊት ስርሑ ስለዝፈፀመ ስሒብናዮ ኣለና’ ኢሎም መንግስታዊ ወሃቢ ቃል ኣቶ ጌታቸው
ረዳ።

ንሶም ሎሚ ሰሉስ ምስ ወፃእተኛታት ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ‘ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሙሉእ ኹናት
ንምክያድ ዓቅሚ ኣለና።እንተኾነ ምርጫና ኣይኮነን። ሙሉእ ኹናት ክመፅእ ዝኽእል፣ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ቀፃሊ
ክገብሮ ኣብ ዝውስኖ ነገር’ዩ። ምኽንያቱ፣ ብዘሕዝን ኩነት ኩሉ ጊዜ ከቢድ ዋዳ ድሕሪ ምኽፋሉ ጥራሕ ዝማሃር መንግስቲ’ዩ
ኣጋጢሙና ዘሎ’ ኢሎም።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተወለዐ ግጭት ኣማእኪሎም ቃለ ምልልስ ዝሃቡና ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ኤርትራ
ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ብወገኖም ‘እቲ ግጭት ዝተወለዐ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወረራን መጥቃዕቲን ስለዝፈፀመት’ዩ’
ይብሉ።

ኣምባሳደር ግርማ ወሲኾም ‘እቲ ውግእ መን ጀሚርዎ ንዝብል ሕቶ ክልተ ነገር ምጥቃስ ይኣክል። ቀዳማይ ኢትዮጵያ ብቅሉዕ
ኣብ ፓርላማ ዝፍክር ዝነበረ መን’ዩ? ካልኣይ እቲ ወራሪ ተጠቂዔ ክብል ኣይኽእልን። መንግስቲ ኩሉ-ሻዕ እዚ ምስሕሓብ’ዚ
ብሰላም ክፍታሕ ከምዝፅውዕ ፍሉጥ’ዩ’ በሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊትና ስሒብና ድሕሪ ምባሉ’ውን ሪኢቶ ንክህቡ ዝተሓተቱ እቶም ኣምባሳደር ‘ተግባር ኢትዮጵያ
ክኹነን ኣለዎ’ ኢሎም።

መቐጸልታ ሪፖርት ኩነተ-ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን (11:46) 11:46
00:02/11:46 መራገፊ
ማሕበራዊ ገጻትና
ኣገዳሲ ሓበሬታ
ዕለታዊ ዜና
ሰሙናዊ መደባት
ፈነወ ትግርኛ
ቪድዮ
ፍሉይ ዓምዲ
ፈነወ ኣፍሪቃ ድምጺ ኣመሪካ
ድምጺ ኣመሪካ ብመሰል ጸሓፊ ዝተሓለወዩ።
XS
Received on Tue Jun 14 2016 - 19:16:11 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved