ድሕሪ'ቲ ዝፈሸለ ጠርባሽ ፈተነ ወራር ውግእ ወያነ .....ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትና ምስ ሙሩዃት ወያነ ኣብ ግምባር ጾሮና ...

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 15 Jun 2016 00:18:26 +0200

ድሕሪ'ቲ ዝፈሸለ ጠርባሽ ፈተነ ወራር ውግእ  ወያነ.....ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትና ምስ ሙሩዃት ወያነ ኣብ ግምባር ጾሮና ...

ባዕልኹም ርኣይዎ ከምቶም ፈሽፋሻት ሓሰውቲ ከደምቲ ወያነን ገለ ንኸብዶም ጥራሕ ዝነብሩ ዕሩባት ሕልና ዕሱባቶምን ተለኣኣኽቶምን ከድዓት ደቂ ሃገር ዝንፍሕዎ ናይ ምድንጋርን ጥፈሻን እምብልታ ዘይኮነስ መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ህዝባዊ ሰራዊት (ህዝባዊ ግምባር) ኣብ ሓቂ ረጊጹ ሓራ ሃገሩን ህዝቡን ከም ቀደሙ ዝከላኸልን መስዋእቲ ዝኸፍልን በጃ ህዝቡ ዝኸውንን ብተግባር ዝሰርሕ እምበር ብዙሕ ናይ ምዝራብ ባህሊ የብሉን። ለባማት ኣቦታትና`ውን "ዝገብር ነዲኡ ነይነግር" እኮ ኢሎም  ምሂሮምና እዮም፣ ብኡ  ተሃኒጽና ድማ ከም ባህሊ ወሪስናዮ ኢና።
ዓወት ንሓፋሽ!!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋትና!!!
ብርሃነ ሃብተማርያም
http://www.dailymotion.com/video/x4gftxy

14 June 2016
ብዕለት 12 ሰነ ሰንበት ስርዓት ወያነ ነቲ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዝበጽሓ ዘሎ ተቃውሞ ንምጥምዛዝ ወይውን ንኤርትራ ብምጥቃዕ ከምቲ ብ2012 ዓመተ ምህረት ዝገበረቶ ኣጥቂዕና ደምሲስና ክትብል ዝሓሰቦቶ እዩ ዝመስል ኔሩ፡ ስዒርና ደምሲስና ብምባል ህዝቢኢትዮጵያ እንተተቀበላ ብኡ ጉሩውን እንተፈርሓ ኢላ ትመስል ነቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደቶ ከምቲ ኣዴኻ ዝለኣኸትካ ኣይኮነን ....ዝበሃል ካብ ተጸበየቶ ወጻኢ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዝወሰዶ በርቃዊ ጸረ መጥቃዕቲ ተጸፊዑ ቁስልን ምውትን ብምኻን እግረይ ኣውጽኒ ብምባል ዓቢ ክሳራ ተሰኪማ ንድሕሪት ተመሊሳ፡ እቲ ደምሲስናዮም ቀቲልናዮም ንምባልን ንምሕሳው ድሕር ዘይትብል ዝነበረት ጉጅለ ወያነ ከምዛ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ኣጽቅጥ ክትብልእያ ተራእያ።፡ እንታይ ክብል ደኣ እታ ተዳኺማ እያ ሰራዊት የብላን ኢሉ ንህዝቡን ንዓለምን ንዓሰርታት ዓመት ዝሓሰወ ስርዓት ሕጂ እንታይ ይበል? ሕጂውን እታስርዓት ሕፍረት ስለ ዘይብላ ከምታ ኣይሰማዕናን ዘይበለት ጽንሕ ኢላ ኤርትራ እያ ኣጥቂዓ ክትብል ግዜ ኣይወሰደላን፡ ሕጂውን ስዕረታንምሽፊን ከምቲ ናይ 2012 ስደተኛታት ኣኪባ ምሩኻት ኢላ ከተቅርብ ትፍትን ትኸውን፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ኩልሻዕ ተቀላጢፉ ንፕሮፓንዳ ኢሉ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ፡ እታ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ናይኣልሸባብ መጥቃዕቲ 240 ሰራዊት ናይኣልሻባብ ቀቲልና ክትብል ዘይ ሓፈረት ጉጅለ ሕጂ እወ ዓቢ ጉድኣት ወሪዱ ግና ነጽንዖ ኣለና ክትብል ተሰሚዓ፡ ሕጂውን ምርጫና ሰላም እንተኾነ ኣብዛ መሬት ዝረግጽ ሰራዊት ባዕዲ ግና ወይልኡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝነበረ ውዕሎ ውግእን ንምንታይ ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ናይ ትግራይ መንግስቲ ኣብሶማል ዝሃልቅ ዘሎሰራዊቱ ከይ ኣኽሎ ነዚ ናይ ሞት ውሳኔ ወሲዱ ብዝርዝር ከቅርብ እዩ፡

ክብርን ዝናን ነቲ ምዑት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዓወትንሓፉሽ!

 
147
 
Received on Tue Jun 14 2016 - 18:18:27 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved