"ምስጥራዊ ምንጻግ 800 ኤርትራዊያን ብሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ምስክርነቶም ንከይሕቡ እንሆ እቲ ሓቂ" ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 12 Jun 2016 18:10:52 +0000

ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ኤርትራ ከም ኮምሽን ካብ ዝቆመሉ ዕለት ጀሚሩ ብዝመዘዞም ነጻ ኣካላት ወይ ዉልቀሰባት ዝኮነይኩን
መርመራን ቃለ መሕተትን ወይ ቃለ ምስክርነት ከም ዘይኣከበ ዘረጋግጹ ሓያለ ጭብጥታት ተረኪቦም ኣለዉ።

እዚ ናይ ኣስታት 400 ሚኢት ቃል ምስክርነት ኣኪብና ብምባል ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ኤርትራ ከም ጭብጢ ኣብ ክልተ
ዙሪያታት ዘቅረብዎ ጸብጻብ ዝተፍብረከን ብነጻ ዝኮኑ ኣካላት ከም ዘይተሰነደን ኣብዚ ዕማም ብሰብኣዊ መሰል ራፖርተር
ኤርትራ ዝተዋፍሩ ብሕዝብ ኤርትራ ተቀባልነት ብዘይብሎም ባዕሎም ንባዕሎም ንነብሶም ከም ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰልን ደለይቲ
ፍትሒ ዝጠመቁን ዝተቆጹሩን ከም ኤልሳ ጭሩም፤ሜሮን እስቲፍኖስ፤ተመስገን ደበሳይ ሰላም ኪዳነ ወዘተ ካልኦት መሰልቶምን
ከምኡ ዉን ሰባት ብምዉዳብ ነዚ ዕማም ከሳልጡ መደብ ዝወሰዱ ብመልክዕ ቃለ መሕተታት ዝነጠፍ መሳሌጥያታት ሬድዬ ኣሰና ፤
ሬድዬ መድረክ ፤ ሬድዬ ኤረና፤ብወያነ ዝዉነን ሬድዬ ወጋሕታን ፤ ንነብሶም ተቆወምቲ ዝጸዉዑን ኣሳሰይቲ ናይ ፖልቶክ
መደብ ተዛረብ ወዘተ ክኮኑ ከለዉ ብመገዲ መርበባት ሓበሬታ ድማ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ፤ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ገለ
ካብቶም ብኣብነት ዝጥቀሱ'ዬም።

ብሓፍሻ ንኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ኤርትራ ዝተዋሕቦ ተልእኮ ንምስላጥ ጻብጻቡ ንምቅራብ ዝተጠቀመሎም ዘይፍትሓዊ
ኣገባብን ንናይ ኣሽሓት ኤርትራዊያን ድምጺ ሓቂ ዝዓፍነን መባእታዊ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራዊያን ዝጠሓሰ ምንባሩ ዘረጋግጽ
ጭብጢ ድማ 800 ሚኢቲ ኤርትራዊያን ብኣካል ኣብ ጀኔቫ ተረኪቦም ቃል ምስክርነቶም ክሕቡ ሕቶ ኣቅሪቦም እዚ ዘይገመትዎ
ዓቢ ብድሆ ንኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ኤርትራ ብምንባሩን እሞ ክኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ዝተባሕለ ጥሕሰት
ንክስንዱ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ኤርትራ ዝተመዙ እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቅሱ ሓተትን ሰነድትን ብምንባሮም
ምስ'ዞም 800 ሚኢቲ ሃገራዊያን ኤርትራዊያን ክራከቡ ኣጸጋሚ ብምኳኑ ናይ ዞም 800 ሚኢቲ ኤርትራዊያን ምስክርነቶም
ንከይሕቡ ምክልካል እቲ እንኮ ኣማራጺ ምንባሩ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት በቶም ክብ ኢሎም ዝተጠቅሱ ኣሳሰይቲ ብቪድዬታት
ዩቱብ ፤ሾሻል ሜድያን መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርጉሑ ጭብጥታት ሂያዉ ምስክራት'ዬም።

በዚ ኑጹር እንሕቦ ዘሎና ሓበሬታ ዝጠራጠር እንተሎ ከይተጨነቀ ባዕሉ በዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቅሱ ኣሳሰይቲ ዝተዘርግሑ
ሰነዳት ብምፍታሽ ከረጋግጽ ይክእልዩ።

ካብ'ዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ሓቅታት ክንርድኦ እንክእል ብሓፍሻ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ኤርትራ ካብ ዝቆመሉ ዕለት
ስጋብ እዛ ስዓት ንዝተዋሕቦ ተልእኮ ብፍትሓዉን ዘይ ሻራዉን ኣገባብ ክዓምም ገና ስርሑ ኣይጀመረን ምባል ይቀልል።

መንግስቲ ኤርትራ ተፍጽሙ ዝብሃል በደላት እንተሊዩ እዚ ብሰለስተ ኣካላት ዝቆመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ፍሪሱ
ብካልኦት ነጻ ኣካላት ክትካእን መንግስቲ ኤርትራ ድማ ነቲ ሓድሽ ዝቆዉም ነጻን ፍትሓዉን ኣካል ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ብነጻ
ስርሑ ከሰላስልን ዘድሊ መሳለጢያታን ክቅርብን ክትሓባበርን ምኳኑ ብተደጋጋሚ ብወግዒ ክጽዉዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ እኳ
እንተኮነ ዕላማ ናይ'ዚ መደብ ፖለቲካዊ ብምኳኑ መልሲ ኣይረከበሉን እዚዩ እቲ ሓቂ።

ስለ'ዚ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ንዝኮነ ብመንጽር ፍትሓዊ ኣገባብ ዝርኣዬ ዝኮነ ይኩን ከረድእ ዝክእል
ፍትሓዉን ዘይ ሻራዉን ሕጋዉን ሞራላዉን ሓቅን ትሕዝቶ ክረክበሉ ኣጸጋሚ'ዩ።

ካብዚ ሓሊፍ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ሓቂ ንምጉዕጻጽ ብነጻ ሜድያታትን ትካላትን ሃገራትን ዝቀረበ ሓቀኛ ስእሊ
ኤርትራ ኣይፍልኩምን እቲ ንሕና ከይርኣና ኮይኑ ክንርእዬ እንደሊን እቲ እስኩም ሪኢኩም ኣረጋጊጽኩም ተቅርብዎ ዘለኩም
ቁኑዕ ኣይኮነን ክብሉ ዉን ኣብቲ ሰነ 8 -206 ዝገበርዎ ጋዜጣዊ ኮንፍረንስ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ደጊሞም
ኣረጋጊጸሞ'ዬም።

ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ'ቲ ናብርኡ ስርሑ ቆልዑ ገዲፉ ኣብ 2015 ኣንጻር ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ኣብ ኣብ
ጀኔቫ ዝተረክበ ብኣሽሓት ዝቁጸር ሕዝቢ ኤርትራ ድምጹ ትዓፊኑ በዚ ከየብቅዖ ናይ ኣስታት 45 ሽሕ ኤርትራዊያን ፌርማታት
ኣንጻር ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ራፖርተር ዝኮነ ይኩን ኣእምሮ ዘለዎ ክቅበሎ ዘይክእል ምክኒያት ተማሒዝዎ።

ካብ'ዚ ሩጉጽን ጭቡጥን ዝኮነ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ምጥሓስን ምዕፍን ድምጺ ዜጋታት ብምንታይ ክምክነ ይክኣል? እዚ
ኩሉ ጥሕሰት ዘበገሶ ንሰነ 21 - 2016 ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ተበጊሱ ዘሎ ማዕበል ሓቂ ብምንታይ ክዓግትዎ
ኢዬም?

ንኪድ ጥራይ ምሳናያ ሓቂ ብዕራይ ናብዘበለ የብል ዕርፊ የጽንዕ ቅልጽምና ኣብ መወዳእታ ምርብራብ ንሓቂ ዝረትዕ ሓይሊ
ኮታ የለን።

ዓወት ንሓፍሽ
ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ ብግብርን ድምጽናን ይደበሱ


​ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/


jpg000.png
(image/png attachment: jpg000.png)

Received on Sun Jun 12 2016 - 14:10:52 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved