„እዚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ብግዳማውያን ባዕዳውያን ሓይልታትን ብውሑዳት ተንበርከኽትን ዕሱባትን ኣገልገልቶምን ደቂ-ሃገር ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ጸለመን ጥቀናን ብዝተራቐቀ ማዕከናት ሓበሬታ ዝተሰነየ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽዑቕ ኲናትን፣..................

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 10 Jun 2016 22:08:20 +0200
„እዚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ብግዳማውያን ባዕዳውያን ሓይልታትን ብውሑዳት ተንበርከኽትን ዕሱባትን ኣገልገልቶምን ደቂ-ሃገር ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ጸለመን ጥቀናን ብዝተራቐቀ ማዕከናት ሓበሬታ ዝተሰነየ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽዑቕ ኲናትን፣ መቐጸልታ ናይ`ቲ ሰውራ ኤርትራ ብሓይሊ ንምጥፋእን ብሓፈሻ ንህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ድማ ካብ ገጽ መሬት ኤርትራ/ዓለም ንምድምሳስን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ፍትሓዊ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕፋን ብፍላይ ዝግበር ዝነበረ ሸርሕታትን ኣዕናዊ ኲናትን እዩ። ይኹን እምበር ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ንፍትሓውን ሓርነታውን ሰውራዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክድምስስዎን ከምክንዎን ኣይከኣሉን፣ ሕጂ`ውን እንተኾነ ንህላዌናን ሓቅነትናን ክቖጽይዎ ዘበት! ኣይክኽእሉን ከኣ እዮም“!!!
 
[እዛ ኣርእስቲ ንበላ ሓጻር ጽሕፍቲ ናተይ እያ-ብርሃነ ሃብተማርያም]
 
 
 
 
 
 
ሰነ 10, 2016
ካብ *መጽሓፍ ገጽ*
*እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ስእሊ ባዕለይ እየ ለጢፈያ።
 
ትማሊ ኣብ በረኻታት ምሉእ ውዱብ ህግ ቁጽሩ ካብ 13 ሽሕ ተጋደልቲ ዘይበዝሕ እንከሎን ብፍርቂ ሚልዮን ሰራዊት ኢትዮጵያ ተኸቢቡ ዓለም ቅድሚ ምጥፉእኩም ኢድኩም ጥራሕ ሃቡ እምበር ዝደለኹሞ ክንገብረልኩም ኢና እንዳበለት ንምጥፉእና ብወርሕታት ዘይኮነ ብመዓልታት ሓሊፉ ብሰዓታት ክትቆጽር ከላ፡ ብዙሓት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ጃጅዮም ክሃድሙ ከለው እቶም ብዙሓት ግና ጸኒዖም፡ ተጸሚሞም ምስ ገበልን ዕንቅርቢትን ኣብ ድፋዓት ተማሓዝዮም። ንዓለም ምሉእ ኢሎማ ስቅ ከተቡልና እንተኮይንኩም ንኹልና ከተጥፍኡና ኣለኹም። ዓለም እዛ ሕጂ ንኤርትራውያን ንግደስ ኢና ኢላ ናይ ሓርገጽ ንብዓት ትበኪ ዘላ፡ እታ ትማል ዘሎ ዝበሃል ኣጽዋር ንመጥፊኢና ሊኢኻ፡ ህዝብና በኣማኢት ሓሊፉ ብኣሽሓት እንዳተሓርደ ጸማም እዝኒ ሂባ ጥራሕ ዘይኮነ ኣጽዋር ከይኣቱ ብኹሉ እገዳ ብምግባር ንሞት ፈሪዳትና። ንሰለስተ ወርሒ ምሉእ ኣይሂ ቦምባታት ኣብ ዝባና ኣጽሒና፡ ካብቲ ተዋጋኢ ሓይሊ ፍርቁ ምውትን ቁስልን ብምዃን እቲ ውድብ ናብ 6 ሽሕ ሰብ ከምዝወርድ ኮይኑ። ግና ዓለም ሞትና እንዳተጸበየት ኣለና ኢልና!። እቶም ሽዑ ዝሃደሙ ሕጂውን ከም ቀደሞም ምስ ደቆም ኮይኖም ንጥፉእትና ዳንኬራ ይሃርሙ ኣለው። እንተ እቲ ዝበዝሐ ግና ከም ቀደሙ ኣብ መትከሉ ኣ። እሞ`ኸ ድኣ ትማሊ ዘይተንበርከኸት ሃገር ሕጂ ብኸመይ እያ ኢዳ ክትህብ? ናጽነትና ረኺብና ከማን እቶም ዝሸጡና መጸጽቲ ደም ገና ኣየዕረፉን። ንናጽነትና ክቅበሉ እኳ እንተተገደዱ ብውሽጢ ብምዃን ከጥፍኡና ፈቲኖም ውሑዳት ሓለፍቲ ብምግጋይ ውን ሃገር ክኸፉፍልዋ ፈቲኖም፣ ግና ኣይከኣሉን።

ሕጂውን ኣይቀበጹን ንመንእሰያትና ካብ ሃገር ብምስዳዕ ኣብ ጎረባብቲ ብምውሳድ ጸረ ሃገር ክዓጥቅ ክገብሩ ፈቲኖም። መንእሰያትና ግና ኣይተገርሁን፣ ሓደ እኳ ዝቅበሎም ስኢኖም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ መንእሰይ ኣብ ዘዝኸዶ ምስ ሃገሩን መንግስቱን ደው ኢሉ። በዚ ግና ኣየብቅዑን፣ እቶም ምጥላዕ ዝኣመሎም ጸላእትና ግና ይቅጽሉ ኣሎዉ።

ሕጂውን እቲ ዝሓሰብዎ ከምዘይሰርሐ ምስ ፈለጡ እገዳ ብምግባር ንህዝብና ከጥምዮዎን ከጽምእዎን እሞ ህዝቢ ኣንጻር መንግስቲ እንተተላዕለ ብምባል ፈቲኖም። 7 ዓመታት ሓሊፉ ክንዲ ንጠሚ ክንጸግብ ጀሚርና። ክንዲ ደሞዝ ከይተኸፍለ ኣዋርሕ ዝገብር ከምዘይ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ደሞዝ ብሸውዓተ ዕጽፊ ወሲኹ። እኽልን ሃለኽቲ ነገራትን ክንዲ ዝኸብር ብተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልጣፈ ዋግኡ ንታሕቲ ክወርድ ጀሚሩ። በዚ ከይቀሰኑ ከለው እተን ን15 ዓመታት ክንጠፍእ ዲና ኣይንጠፍእ ዝዕዘባ ዝነበራ ሃገራት ናብ ኤርትራ ክውሕዛ ጀሚረን። ነቶም ንጥፍኣትና ንዘንቀዱ ዘሰንበደ ፍጻሜ!

ምቁማር ዝለመደ ግና ሕጂውን ኣዮቋርጽን ስጋብ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት። ሓንቲ ናይ መወዳእታ ካርታ ከኣ ክጻወቱ ጀመሩ። ነቲ ናጽነት ዝሃበና ውድብን ተጋዳላይን ብዘይርኣዩን *ስዉራት* መንቶም ዝሓብኡን ሰባት ብምእካብ ንተጋዳላይ ካብ 1991 ክኸሶ ተራእየ። መንግስቲ ኤርትራ እቶም ዝኸሱንን መርትዖታትን ኣቅርቡለይ እንተበለ ብዝኣረገ ሽጣራታት እቶም ከሰስትኹም ስለ ዝፈርሑ ኣይከንርእዮኩምን ኢና ደኣ ተበሃሉ። ብኸመይ ኢና ደኣሞ ክንምልስ ንኽእል? እቲ ተበዲለ ተኣሲረ ዝበለ ኣካል እንተዘይቀሪቡ? ሕጂውን እቲ መልሲ ስድርኦም ኣብ ኤርትራ ስለ ዘለው ፈሪሖም። እዋእ ናይዞም ብቅሉዕ ምስቲ ኮምሽን ዝሰርሑ ዘለው ስድራቤታት ናይ ከም በዓል ዕሱባት ሜሮን- ሰላም-ኤልሳ ጭሩምን ካልኦትን ደኣ ዘይእሰሩ እንተበልካስ መልሲ ዝህብ የለን። ሐራይበሉ ልዕሊ 850 ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሩ እቲ ሓቂ ንክዛረቡ ዕድል ሃብዎም እንተልናስ ግዜ የብልናን። ሕራይ በሉ 42 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ 13 ሃገራት ዝቅመጡ ደብዳቤ ጽሕፎምልኩም ኣለው እሞ ስምዕዎም እንተበልካስ ጸማም እዝኒ!። ወረግ ሕሉፍ ሓሊፍዎም`ሲ ኣብ ኤርትራ ኣዋልድ ጥራሕ ዘይኮናስ ኣወዳትውን ይዕመጹ እዮም እዩ እቲ ናይ ሓሶት ኽሲ። ኣብ ሃገርናስ ኣወዳት ከኣ rape ይግበሩ? ወይጉድ እዩ ዘብል። እቶም ዘጣቅዑ ግና ነቲ ጸብጻብ ከየንበቡ ህዝቦም ይጽረፍ ከም ዘሎ ከይፈለጡ ከጣቅዑ ን23 ሰነ ይቆጸሩ። እንተ ኤርትራ ግና ሕጂውን ከም ቀደም ኣይክትንብርከኽን እያ!!!

ንበዓል ሱዳን ብውሽጣዊ ምክፍፉል ዝሕመሳ ሃገራት ዘየንበርከኸ ሓሸውየ ነታ ካብ ሓዊ ዝተፈጥረት ኤርትራ ከንበርክኽ እዩ ኢልካ ምጽባይ ሕልሚ ቀትሪ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል። እሞ`ኸ ደኣ ብምንታይ እዮም ክቀስኑ።

ዝሓሰብዋ ጥፍኣት-ንሕና ዝገበርናዮ ልምዓት!
ዝሓሰቡልና ጥምየት-ንሕና ዘርኣናዮም ዕብየት!
ዝሓሰብሉና ኣብ ኣስመራ ኣድማ-ዝሃብናዮም ኣብ ጀኔቫ ዓለምን ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣርማ!!!

ህዝባዊ ግንባር- ደጀን ዉጹዓት!
እምነተይ'ዩ ህዝባዊ ግንባር!


Dashim what a great song

https://www.facebook.com/866334836754355/videos/1029510577103446/

ሰውራዊ ደርፊ፡ መርከብና

https://www.youtube.com/watch?v=4FzeNnHG0Ns

Received on Fri Jun 10 2016 - 16:08:21 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved