21 ሰነ 2016 ጉዕዞ ንጀኔቫ መዘና ሪፈረንደምና ንናጽነትያ ብኩሉ መዔቀኒታት መከተና!!!

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 10 Jun 2016 10:45:19 +0000

ብዲሞክራስን ሂማን ራይት ተመክኒዩ ኣብዘን ሃገራት ዘዉረድዎ ዕንወትን ዝጠፍኤ ህይወት ንጹሃትን ማእለያ የብሉን እዘን
ሃገራት ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከባ ከም ዘለዋ ኩሉ ዝፍልጦ ብምኳኑ ምድጋሙ ኣገዳስነት የብሉን ሎሚ ድሕሪ እዚ
ኩሉ ብስም ዲሞክራስን ሂማን ራይትን ዘስዓብዋ ዘስካሕክሕ ፍጻመ እቲ ዕላማ ጉዳይ ዲሞክራስን ሂማን ራይትን ዘይምንባሩ
ምቅያር መንግስቲ ከም ዝነበረ ኣብ ቃልዕ ባዕሎም እቶም ፍጸምቱ ጌጋ ምንባሩ ይዛረብሉ ኣለዉ።

እዞም ገበቲ ዕላምኦም ዲሞክራስን ሂማን ራይትን እንተ ዝነብር ኣብ ልዕሊ ዒራቅ እገዳ መሰምበሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ዓመታት
ዝተቀዝፉ ዜጋታት ዒራቅ ገዲፉካ 500 ሚኢቲ ሽሕ ህጻናት ብሕጽረት ምኣዛዊ መግብን ተመሓላለፍቲ ሕማማኣት ኩሞቱ ከለዉ
ኣብ ክንዲ ረድኤት ኣጽዋኣር ኩናት ምጉራት'ዬም ተተሓሒዞሞ ዲሞክራስን ሂማን ራይትን ዝብሉ ካብ ዝፍጠሩ ጉዳዬም ኮይኑ
ኣይፍልጥን።

እምብኣር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዲሞክራስን ሂማን ራይትን ተመክኒዩ ዝወርድ ዘሎ ኩሉ ተጻብኦታትን ክስታትን እምብኣር ሕቶ
ዲሞክራስን ሂማን ራይትን ዘይኮነ ኣሰር እዘን ቀዲመን ዝዓነዋ ሃገራት ንምግባራ'ዩ።

ንሳቶም ክገብሩና ዝደሊዩ ክመርጹ ይክእሉዬም እቲ ዉሳነ ግን ናትና ኤርትራዊያን'ዩ ትምኒታቶም ምርጫና ስለ ዘይኮነ ገና
ብኣግኡ ከይተርንዑ ሓያል መከተና ክገጥሞምን ምስ ከዊሒ ከራጽሞም ዘለና ግዜ ሕጀ'ዩ።

ነቲ ብረዚን መስዋእቲ ዝረከብናዬ ናጽነትና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብድምጽና ኣዊሕስናዬ ኢና 21 ሰነ 2016 ኣብ ጀኔቫ
ዝካየድ ሰፈሕ ሰላማዊ ሰልፈ ንድሕነት ሃገርን ሕዝብን ከምኡ ዉን ምትግባር ሕድሪ ሰማእታትና ብሙኳኑ ተረዲኢና ዳግማይ
ከም ኣብ እዋን ረፈረንደም ሎሚ ዉን ብድምጽና ሃገርና ካብ ዓመጽቲ ከነድሕን ቅድሚ ኩሉ ቀዳምነታትና ንድሕነት ሃገረ
ሰማእታት ኤርትራ ኩለን ኣእጋር ደቂ እዛ ሓላል መሬት ናብ ጀኔቫ የቅንዓ ንሓንቲ መዓልቲ እቲ ዝቀለለ ግዜናን ነጎድጓዳዊ
ድምጽናን ነወፊ ብወሎዶታትና ድማ ብሓበን እና ተዘከርና ክንነብር ኢና።

ንኪድ ጥራይ ምሳናያ ሓቂ ሕጀ ዉን ከም ትማሊ ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ የጽንዕ ቅልጽምና መልክዕናን ሓድነትናን
ጽንዓትናን መከተናን ሰነ 21 - 2016 ኣብ ጀኔቫ ተረኪብና ንዓለም ነርእያ እዛ ዕለት እዝኣ ድማ ታሪካዊት ካብ
ዕለታት መከተ ኮይና ንዉሉድ ወሎዶታት ክትነብር ሰነ 21 - 2016 ንስርሓያ።
ዓወት ንሓፍሽ
ዝክርን ክብርን ንሰማእታትና


​ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/


5BPGvupYyaJT70.png
(image/png attachment: 5BPGvupYyaJT70.png)

Received on Fri Jun 10 2016 - 06:45:20 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved