VOA.com: ቃለ-መጠይቕ ብዘይ-ሕጋዊያን ኣስገርቲ እስራኤል ዝበጽሐ ኤርትራዊ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 9 Jun 2016 11:28:41 +0200

ቃለ-መጠይቕ ብዘይ-ሕጋዊያን ኣስገርቲ እስራኤል ዝበጽሐ ኤርትራዊ

ምንያ
 
 
 
 
 
 
ምንያ አፈወርቂ
ሰነ 09, 2016

ኣብ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፍ ጸኒሑ ዝተባህለ ውልቀ-ሰብ ኣብ ሱዳን ተታሒዙ ፖሊስ ጣልያን ከምዝተረኸብዎ ተገሊጹ።

ኣብ መርበብ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ኣብ ምስጋር ዝለዓለ ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ ኤርትራዊ ጥርጡር ካብ ሱዳን ናብ ጣልያን ተረኽበ ክብል ፖሊስ ጣልያን ሎሚ ኣፍሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ጣልያን እዚ መድሃኔ ይህደጎ መርዕድ ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ብጉዳይ ዓለም-ለኸ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክድለይ ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣብ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታውን ሶኑይ ድማ ናብ ጣልያን ምርኻቡን ገሊጾም።

‘ጀነራል’ብዝብል ቅጽል ስም ዝጽዋዕ መድሃኔ ምስ ካልኦት ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተዋፈሩ መሳርሕቱ ብምኳን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰባት ኣብ ጀላቡ እንዳጸዓኑ ናብ ኣውሮጳ ምልኣኾም ተገሊጹ’ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ እዚ ተታሒዙ ዘሎ ሰብ፡ እቲ ደቂ-ሰባት ብምስግጋር ዝፍለጥ ሰብ ዘይኮነስ ካልእ ንጹህ ሰብ`ዩ፡ ብናይ ሽም ምምስሳል`ዩ ጌጋ ተፈጢሩ ክብሉ፡ ሓፍቱን ብቐረባ ንፈልጦ ኢና ዝበሉን ሰባት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለዉ፡ ኣብ ቀጻሊ ከም ኩነታቱ ኣመዛዚና ከቕርቦ ምዃኑ ቪኦኤ ይገልጽ።

እዚ ኣብዚ ቃለ-መጠይቕ ተመክሮኡ ዘኻፈለ ውልቀ-ሰብ ብዛዕባ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተዋፈረ ሰብ'ዩ። ኣብ እዋን'ቲ ቃለ-መጠይቅ ኣብ ስራሕ ስለ ዝነበረ ነቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ስእሊ ኾነ ቪድዮ ከምዘይርኣዮ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://av.voanews.com/clips/VTG/2016/06/08/ca0b5337-01b9-4659-8aca-882b2f1a6218.mp3

 

Received on Thu Jun 09 2016 - 05:28:42 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved