Facebook.com: ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብናይ ኤርትራውያን ቃንዛ ዝግደስ እንድሕር ኮይኑ፡ ትማሊ ኣስታት 250 ሽሕ ክቅተል ከሎ ......... ደኣ ኣበይ ኔሮም?

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 7 Jun 2016 20:57:04 +0200
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብናይ ኤርትራውያን ቃንዛ ዝግደስ እንድሕር ኮይኑ፡ ትማሊ ኣስታት 250 ሽሕ ክቅተል ከሎ ......... ደኣ ኣበይ ኔሮም?

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብናይ ኤርትራውያን ቃንዛ ዝግደስ እንድሕር ኮይኑ፡ ትማሊ ኣስታት 250 ሽሕ ክቅተል ከሎ፡ ሚልዮንን ፈረቃን ክስደድ ከሎ? ሰብ ብሂወቱ ክቃጸል ከሎ፡ ሰብ ብሂወቱ ከሎ ብታንክታት ክርገጽ ከሎ፡ ኣዴታት ኣጥባተን ብሳንጃ ክቁረጽ ከሎ፡ ብሓንቲ ህሞት ከም በዓል ሽዕብ ኣቁርደት ወኪዱባ ካልኦት መቁጸሪ ዘይብለን ዓድታት ናብሓሙኽሽቲ ክቅየራ ከለዋ፡ ኣብ ባጽዕ ኣብ ሓንቲ ህሞት ኣሽሓት ህዝቢ ክሃልቁ ከለው፡ ደኣ ኣበይ ኔሮም? ንሓደ ሓደ ገራሃት ጽባሕ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘልግስዎ ይመስሎም ይኸውን፡ ብምንታይ? ብእገዳ? ትማሊ ንእገዳ ተጣቅዕ ዝነበርካ ሕጂ መንእሰይ ናይ ስራሕ ዕድል ስኢኑ ስለ ተሰደደ ንብዓት ሓርገጽ ትበኪ ኣለኻ። ኣብ ኢራቅ እገዳ ጌሮም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ቀዚፎም ነቲ መንግስቲ ከግምጥልዎ ኣይከኣሉን። ብድሕሪ እገዳ ነታ ሃገር ወሪሮም ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰብ የህሊቆም። እዚኦም ድዮም ነጻ ከውጹኻ ትጽበ ዘለኻ? ወይስ ኣሽሓት ስለ ተሰደዱ እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ሚልዮናት ከኣ ክጠፍእ ኣለዎ? እቲ ተሰደደ መንእሰይ ዶ ኣይኮነን ተመሊሱ ዓዱ ዝበጽሕ ዘሎ? ብጌጋ ድፊኢት ወጽዮም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ የሕዋትና መንግሰተ ሰማይ የዋርሶም። ንሶም ሓደጋ ስለ ዘጓነፎም ግና ሃገር ምሉእ ትዕኖ ክበሃል ዘሕዝን እዩ።

እቶም ኤርትራውያን ተመሲሎም ንህልቂት ሚልዮናት ህዝቢ ዝጽዕሩ ዘለው ንጠንቀቀሎም። እቶም ውሑዳት ኤርትራውያን ከኣ ስድርኦም ኣብ ደገ ኣቀሚጦም እዩም ከምኡ ዝብሉ ዘለው እምበር የሕዋትካን ወለድኻን ኣብ ሃገር ከለው ባዕላ ትፍለጥ እዛ ሃገር ሓዊ ትእተዋ ኣይምበሉን ኔሮም። ኣብዚ ትማሊ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣስታት 16 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብርግጽ ሂወቶም ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ ኣሎ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ዞባ ደቡብ፡ ማእከልን ዓንሰባን ምዃኖም ፈሊጠ ኣለኹ። ንዓዐቶም መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ንስድርኦም ከኣ ጽንዓት ይሃብ። ስእሊ ናይ ግደያት ምዝርጋሕ ግና ንስድራቤት ካልእ ቃንዛ ምውሳኽ እንተዘይኮይኑ ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን። ምስ ባህልናን ልምድናን ዝኸይድ ውን ኣይኮነን። ካብኡ እንተ ተቆጠብና ዝምረጽ እዩ። ብዙሓት ሰባት ናቶም ስእሊ ክገብሩ ፍቃደኛታት ዘይኮኑ ናይቶም ግዳያት ስእሊ ብዘይ ናይ ዝኾነ ሰብ ፍቃድ ክትጥቀምሉ ምርኣይ ዘሕዝ እዩ። ንስድራቤት ካልእ ሓዘን ኣይንወስኸሎም። ንስኻ/ንስኺ ኣብ ምዕራባውያን ስለ ተቀመጥካ ባህልና ከምኡ ከምዘይኮነ ዘይምርሳዕ። ኣብ መወዳእታ ነቶም ሂወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያንን ዘይ ኤርትራውያንን መንግስተ ሰማያት የዋርሶም። ነቶም ብሕጂ በዚ ሓደገኛ መንገዲ ክኸዱ ዝሓስቡ ከኣ ልቦና ይሃቦም።

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
 
Received on Tue Jun 07 2016 - 14:57:04 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved