Facebook.com: "ብኣማኢት ኣሽሓት መሪር ቃልስን ድኻምን መውጋእትን መስዋእትን ጀጋኑ ኤርትራውያን ዳግም ዝተወልደት ወይ ሓራ ዝወጸት ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ክከላኸለላን ክጣበቐላን ሃገራዊ ጉቡኡ እዩ-ብዘይ ሃገር ክብረት የሎን" (እዛ ኣርእስቲ ናተይ እያ)

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 6 Jun 2016 23:56:13 +0200
"ብኣማኢት ኣሽሓት መሪር ቃልስን ድኻምን መውጋእትን መስዋእትን ጀጋኑ ኤርትራውያን ዳግም ዝተወልደት ወይ ሓራ ዝወጸት ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ክከላኸለላን ክጣበቐላን ሃገራዊ ጉቡኡ እዩ-ብዘይ ሃገር ክብረት የሎን" (እዛ ኣርእስቲ ናተይ እያ)
 
 

እዞም ሕጂ ኣንጻር ሃገርኩም ንናይ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ክትድግፉ ላዕልን ታሕትን ትብሉ ዘለኹም፡ ውድብ ሕቡራት ቅድሚ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ምሃቡ ተመሳሳሊ ኮምሽን ኣብ 50ታት ኣቁይሙ ኔሩ፡ ንዑ ሸፈነ ብምግባር ከኣ ኤርትራ ከም ሃገር ንከይትህሉ ወሲኑ ሕጂ ከኣ ብሽም ኮምሽን ንኤርትራ ከም ሃገር ንምጥፍኣ ይስርሓሉ ኣሎ፡ ጽባሕ ኣብ ሰማያት ኤርትራ ሓዊ ክተፍእ ምስ ጀመረ መዓስ ከምዚ መሲሉኒ ኔሩ ኢልካ ካብ ምጥዓስ ሕጂ ኢድካ ምእካብ፡ ብሽም ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ተመኽንዩ ኣብ ኢራቅ ሶርያ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዝተፈጸመ በደል ኩሉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ሓሊፉ፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት የህሊቁ እተን ሃገራት መጻወቲ ግብረሽበራ ከምዝኾና ተፈሪዱ፡ እቶም ብሽም ሰብኣዊ መሰላት ሓዊ ዘዝነቡ ምዕራባውያን ግና ከምዚ ዘይናቶም ብርሑቅ ኢዶም ኣጣሚሮም ይዕዘቡ ኣለው።

 

እቶም ውሑዳት ዲሞክራሲ ኢሎም ዘጣቅዑ ዝነበሩ ዜጋታት እተን ሃገራት ግና ከም ቀደም ሕጂውን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ምስድርኦም ብሰላም ይነብሩ ኣለው ህዝቦም ግና ብሚልዮናት ይቅዘፍ ኣሎ፡ ሕጂውን እዞም ውሑዳት ምስ ስድርኦም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንዳነበሩ ነዚ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ምዓት ይዕድምሉ ስለ ዘለው ክንነቅሓሎም ይግባእ፡ ምኽንያቱ እቲ ደም ሚልዮናት ዝሰቲ ገበል ሓንሳእ ካብ ስፍርኡ እንተወጺዮ ክምለስ ዝቆጻጸሮ ሰብ ኣይክህሉን እዩ፡ እቶም ነቲ ገበል ዝቆጻጸሩ ብሽም ሰብኣዊ መሰላት ዝሽቁጡ ነጋዶ ደም ዓለምና ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ነዚ ስራሕ የካይድዎ ከምዘለው ዘይምርሳዕ። እዚ መልእኽቲ ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ሼር ንግበር፡ የቀንየለይ


United Nations Commission On Eritrea 1950 was setup to gauge people of Eritrea voice on independence or servitude

****************************************************************************

 
Received on Mon Jun 06 2016 - 17:56:14 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved