Traditional New Year Song

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 28 Sep 2016 11:00:07 -0400

እዚ ኣደታትናን ኣዋልድ ሃገርናን ብጥንቲ ግዜ ሓዲሽ ዓመት ክኸውን ከሎ
ዝደርፍኦ ዝነበራ ኢየን። Following is the traditional new year
song in rural Eritrea,

ዮሓንሰይ ቁዱሰይ፡ ንዘልዓለም ንጉሰይ።

ዮሃንሰይ'ዶ ኣቶ፡ ኣብሪሂዋ ንባይቶ።

ዮሓንሰይ ቅዱሰይ፡ ኣድሓንካያ ንነብሰይ።

ዮሓንሰይ'ዶ ኣቶ፡ ከም ራዛ ክኳረመ።


ኣብራሃማይ'ዶ ኣቶ፡ ኣብሪሂዋ ንባይቶ።


ዑፍ ኣዳኖይ ክርኢ፡ ዑፈይ በሪራ ኣተወት።


ዑፍ መስቀል መሲላ፡ ዑፍ መስቀል ኣምሲልና፡


ዕንባባ ቅላቅለት፡ ዝመሰላ ኣዋልደ።


ኣደይ ኣብርሃለይ፡ ክወርድ ማየ።


እምኒ ዘይብሉ ዝኣርኽዎ


ክርዳድ ዘይብሉ ዝመመኽዎ


ኣደይ ኣብርሃለይ ክወርድ ማየ


ይብርሃልኪ ጓለይ ረድዮ ማየ።
Received on Wed Sep 28 2016 - 09:39:11 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved