VOA.com: ባይቶ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኤርትራ ቃል-ምስክርነት ሰሚዑ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 18 Sep 2016 21:30:03 +0200

ባይቶ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኤርትራ ቃል-ምስክርነት ሰሚዑ

 
  • ምንያ ኣፈወርቂ
 
መስከረም 18, 2016
ብ ባይቶ ኣመሪካ ንኡስ ጉዳያት ወጻኢ ኮሚተ ጉዳያት ኣፍሪቃ ንኤርትራ ብዝምልከት ቃለ ምስክርነት ተዋሂቡ

ብ ባይቶ ኣመሪካ ንኡስ ጉዳያት ወጻኢ ኮሚተ ጉዳያት ኣፍሪቃ ንኤርትራ ብዝምልከት ቃለ ምስክርነት ተዋሂቡ

 

እቲ ኤርትራ ሸለል ዝተባህለት ዞባዊ ስግኣት ብዝብል አርእስቲ ዝተኻየደ ቃለ-ምስክርነት ሐጋዚት ሚኒስትር ወጻኢ አሜሪካ ንጉዳያት አፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ሓዊሱ 2 ንመንግስቲ ኤርትራ ብምግሃሳት ሰብአዊ መሰላት ዝኸሰሱ ኤርትራዊያንን ካብ ዘይመንግስታዊ ትካል አሜሪካ አትላንቲክ ካውንስል ምኽትል ዳይሬክተርን ቃሎም ሂቦም’ለው። ካብ አባላት ኮንግረስ’ውን ንዝቀረበሎም ሕቶታት መሊሶም።

ነቲ ከይዲ ምስማዕ ቃለ-ምስክርነት በአቦ መንበርነት ዝመርሕዎ ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ብዛዕባ አተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ዝወጹ ዝተፈላለዩ ጸብጻብት አካላት አሜሪካን ሕ/ሃ አብቲ ሃገር ዘሎ ሕሱም ምግሃሳት ሰብአዊ መሰላት፡ ናይ ሃይማኖት ነጻነት፡ ግዱድ ሽቅሊ ዝበልዎ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ አገልግሎት፡ ስደት መንእሰያትን ዘጋጥሞም ሕሱም ምግሃሳትን ሓደጋታታን ድሕሪ ምጥቃስ ዕላማ’ቲ ምስማዕ ቃል ምስክርነት አረዲኦም።

ነዚ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዝተዋህበ ምላሽ የለን፡ እንተኾነ፡ ማሕበር ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ዝተባህለ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ማሕበር፡ ኣብ ዘውጽኦ ምላሽ፡ ንኤርትራ ከም ዞባዊ ስግኣት ጌርካ ምቕራብ፡ ካብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቖጽሩ ዝንቡዓት ጥራይ ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል፡ ንሱ ድማ ነቲ ብዓለም ውግዘት ዝወርዶ ዘሎ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ንምድሓን ዝግበር ፍሹል ፈተን`ዩ ኢሉ።

እቲ ማህበር ኣብ መዕጸዊ ጽሑፉ፡ ንሕና ከም ካብ ኤርትራ ንውለድ ኣመሪካውያን፡ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ክምለስ ረብሓ`ለና፡ እንተኾነ ነታ ቀንዲ ስግኣት ጸጥታ ዝኾነት ንምድሓን ተባሂሉ ነታ ብሰላም ትነብር ሃገር ክተሰይጥን ምፍታን ነቲ ተጸጊሙ ዘሎ ኸባቢ ዝሕግዝ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/pp/3510965/ppt0.html

 

Received on Sun Sep 18 2016 - 14:09:08 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved