Youtube.com: ሾልኮ የወጣዉ የህወሃት መሪዎችና የትግራይ ተወላጆች ምስጢራዊ ስብሰባ-ሓጺር ርእይቶይ ኣብ`ዚ ዛዕባ`ዚ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 17 Sep 2016 12:51:01 +0200
ሾልኮ የወጣዉ የህወሃት መሪዎችና የትግራይ ተወላጆች ምስጢራዊ ስብሰባ
14.04.2016

የህወሃት ደባ በሚስጥራዊዉ ስብሰባ
የህወሃትን ደባ የሚያጋልጽ የሳዲቅ አህመድ ልዩ ፕሮግራም-ስምዕዎ።

https://www.youtube.com/watch?v=42H8DI9N-ZY

መስከረም 17, 2016

*ሓጺር ርእይቶይ ኣብ`ዚ ዛዕባ`ዚ፡

  • እዚ ብፋሽሽታዊ ስርዓት ወያነ ንተጋሩ ጥራሕ ዝተሳሰየ ዓሌታዊ ምስጢራዊ ኣኼባ ቅድሚ`ቲ  ናይ ምስሉይን ንረኣዩለይ ስምዑለይን ብዓቐን ንወያነ ዝተሰፍየ እጀጠባብ ክዳን ሓበሻን ዝመስል ዘካየድዎ ናይ ምትላልን ስርቅን ሕርያ ወይ ንሳቶም ከም ዝብልዎ "ደሞክራስያዊ ምርጫን" እዚ ንዕዘቦ ዘሎና ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ናዕቢን ዝተኻየደ እዩ። ነዚ ሕጂ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣረሜናዊ ጃምላዊ ቅትለት ድማ ብመደብ ዝእምትን ዝሓንጸጽሉ ኣኼባን`ውን እዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ድሕሪ`ቲ ናይ ቅጥፈት ምርጫ ድማ መሳፍንቲ ጭፍራ ወያነ 100% ተዓዊትና እንተበሉ ንዝሓስብን መስተውዓሊ ሰብን ዘገርም ኣይነበረን።
  • መሳፍንቲ መራሕቲ ህወሓት፣ ንዘላለማዊ ግዝኣትን ዓብላልነትን ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጽዮጵያን ባህርያዊ ብዝበዛን ስርቅን ሳዕቤኑ ብዘየገድስ ብሓይሊ ብረትን ጃምላዊ ቕትለትን ክከላኸሉሉን ከም ዝኾኑ ኣብ`ቲ ምስጢራዊ ናይ ተንኰል ኣኼባኦም ዘነጸርዎ ይመስሉ።
  • መሳፍንቲ ትግራይን ኮራኩሮምን፣ ነቲ ስሱዕ ናይ ስልጣንን ስርቅን ሸውሃቶም ንዘልኣለም ንምርዋይን ንምቕጻልን ከምቲ "ኣድግስ ብድሕረይ መሬት *ዳንዴር ኣይብትቘላ" በለት ከም ዝበሃል ዝቖረጹን ከምቲ ናይ ናዚ ባርባራዊ ስርዓት ጀርመን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብቲ መጨረሻ ዘሕፍር ስዕረቶም ዝገበርዎ ከንቱ ፈተነ ይመሳሰል።  ፋሽሽትነትን ናይ ዓመጽን ምስፍሕፋሕን ስርዓታት ግን ውዒሎም ሓዲሮም ከም ዝወድቁን ኣብ ሓተላ ገረወኛ ከም ዝጐሓፉን ግን ናይ ዝሓለፈ ዝተምሃርናዮ ሓቀኛ ታሪክን ብህይወት ኣብ ዘሎናሉ እዋን ዝተዓዘብናዮን ዝረኣናዮን ፍጻመታት ናይ ሎሚ ዝኽሪ እዩ።
  • ኣብ`ዚ ኣኼባ እዚ ከም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ዝዛረቡ ዝነበሩ ከም "ራእስታት መንግስቲ ትግራይ" እዮም።.........ዝተረፈ ባዕልኹም ስምዕዎ።
*ዳንዴር ማለት ኣብ ከበሳ ዝበቁል ኣይ ገረብ ኣይሳዕሪ እሾክ ዝበዝሖን ብፍላይ ኣብቲ ላዕሊ ጫፍ ብእሾክ ዝዓመረ ከቢብ ፍረ ቅርጺ ዘሎዎ ተኽሊ እዩ። እዚ ድማ ብዘይካ ኣድጊ ካብ ትበልዖም ምምሩጽ ኣታኽልቲ ንወዲ ሰብ ብዙሕ ፋይዳ/ጥቕሚ የብሉን።
ብርሃነ ሃብተማርያም
 
Received on Sat Sep 17 2016 - 05:30:05 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved