VOA.com: ቅልውላው ኢትዮጵያ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ እንተዘይተፈቲሑ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝፍጠር ኢታ ማጆር ሹም ነበር ጀነራል ጻድቃን ኣጠንቂቖም (1ይ 2ይን 3ይን መወዳእታን ክፋላት)

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 9 Sep 2016 23:44:33 +0200

ቅልውላው ኢትዮጵያ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ እንተዘይተፈቲሑ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝፍጠር ኢታ ማጆር ሹም ነበር ጀነራል ጻድቃን ኣጠንቂቖም (1ይ 2ይን 3ይን መወዳእታን ክፋላት)

መስከረም 09, 2016
  • ገብረ ገብረመድህን
ጀነራል ጻድቃን

ጀነራል ጻድቃን

  •  
  •  
  •  

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ብሰላማውን ዴሞክራሲያዊን ኣገባብ እንተድኣ ዘይተታሒዙ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ክወስዳ ከምዝኽእል ምልክት ዘርኣየ እዩ ኢሎም ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ኢታ ማጆር ሹም ነበር ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

ንሶም ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ቁጥዕኡ ክገልፅ ኣብ ዝወፀሉ ካብ ኩሉ ወገን ህይወት ምጥፍኡን እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓደ ህዝቢ ፅልኣት ምትኳሩን ብፍላይ ድማ ኣብ ጎንደርን መተማን ህይወትን ንብረትን ተጋሩ ምጥፍኡ ዘሕን እዩ ኢሎም።ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ብሰላምውን ዴሞክራሲያዊን ኣገባብ እንተድኣ ዘይተፈቲሑ ነታ ሃገር ናበይ ክወስዳ ከምዝኽእ ዝሕብር እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

ብኣግባብ እንተድኣ ዘይተኣልዩ ብሕገ መንግስታዊ ኣገባብ እንተድኣ ዘይትኣሊዩ ናይ ሓደ ውድብ ምህላውን ዘይምህላውን ከይኮነስ ከም ዓዲ መጠን እውን ህልውንኣ ኽቕፅል ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ኢሎም።

ቅድሚ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ምንባሮም ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ፖሊት ቢሮን ህውሓት ከምኡ እውን ኣባል ፈፃእሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝነበሩ ጀነራል ፃድቃን ‘’ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ብሰንኪ እናፀበበ ዝመፀ ናይ ዴሞክራሲያዊ ሃውህው እዩ’’ ኢሎም።ብምቕፃል ‘’ናይዛ ዓዲ ናይ ኢኮኖሚ ስርዓትን ኣካይዳን ናይ ሰባት ፖለቲካዊ ጠባይ መልክዕ መትሓዚን መግዝእን እዩ ኮይኑ’’ ኢሎም።

ኢህወዴግ ብዝተወሰነ ደረጃ እውን እንተኾነ ናይ ባዕሉ ፀገማት ምርኣዩ ከም ሓደ ኣወንታ ዝርአ’ዃ እንተኾነ ናይቲ ሽግር መሰረታዊ ፀገማትን ፍታሕን ዝርኢ ዘሎ ኣይመስለንን ኢሎም።

1ይ ክፋል፡ http://tigrigna.voanews.com/pp/3497875/ppt0.html

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ካብ ናይ ሓደ ውድብ ዓቕሚ ንላዕሊ ስለዝኾነ መንግስቲ ስርሑ እናቐፀለ ከሎእጀታ ኣለና፤ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተና እዩ ዝብሉ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ወገናትን ኮፍ ኢሎም ብሓባር ክፈትሕዎኣለዎም ይብሉ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ለቴናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

እቲ ሕዚ ዘሎ ዕግርን ዓመፅን እናበርትዐ ከይዱ መንግስቲ ካብ ዝቆፃፀሮ ዝኽእል ንላዕሊ ኮይኑ ናይ ምቕፃልን ኣብ ልዕሊኡ ድማ ናይ ደገ ሓይልታት ኢዶም እንተድኣ ኣእትዮምሉ መንግስቲ ከም መንግስቲ ዓዲ እናመሓደረ ክቕፅል ዘይኽቕለሉ ኩነታት ክሳብ ምብፃሕ ክኸይድ ይኽእል እዩ ይብሉ ጀነራል ፃድቃን።‘’ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ብዘለኒ ሓበሬታ ኢህወዴግ ኣብ ውሽጡ ውሱን ምምሕያሽ ብምግባር ዝቕፅል እዩ ዝመልስኒ።እዚ ዘላቒ ሰላም ከምፅእ እዩ ዝብል እምነት እውን የብለይን’’ ኢሎም።

2ይ ክፋል፡ http://tigrigna.voanews.com/pp/3499301/ppt0.html

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ሓሳብ ንዘቕርቡ ሰባት ከም ፀላእቲ ምርኣይ ‘’ዝገደደ ፃልኢ ንምምፃእ ዝጠቅም እምበር ነቲ ህዝቢ ዝጠቅም ኣይመስለንን’’ ይብሉ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው፣መንቀሊኦምን ናይ መፍትሒ ሓሳባትን ብዝምልከት ፅሑፍ ብምቕራቦም ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ መልሲ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓሳብ ብሓስብ ምምላስ ከምፃልኢ ምርኣይ ሃናፂ ኣይኮነን ኢሎም ጀነራል ፃድቃን።

ብኻሊ ወገን ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ‘’ምስ ኤርትራ ዘይተዛዘመ ኲናት ኣለና’’ ዝበሉዎም መብርሂ ክህቡ ተሓቲቶም ‘’እዚ ኣይሰላም ኣይኲናት ዘሎ ኩነታት ንምግላፅ እዩ’’ ምስ በሉ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንእሽተይ ምኽንያት ክረክብ ከሎ ክባራዕ ከምዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ፆሮና ዝነበረ ቶኽሲ ኣብነት እዩ ኢሎም።

 

 
Received on Fri Sep 09 2016 - 16:23:38 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved