ጎይቶትን ዓንገልትን ደጎምትን ኣረሜናዊ ከዳሚ ስርዓት ትግራይ ዝኾና ሓይልታት ዓለም፣ ውጹዕን ርጉጽን ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓሌታውን ባርባራውን ግዝኣት-ወያነ ሓርነት ትግራይ ብመሬት ብጥይት ብሰማይ ብነፈርቲ ውግእ..........

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 2 Sep 2016 23:44:34 +0200
ጎይቶትን ዓንገልትን ደጎምትን ኣረሜናዊ ከዳሚ ስርዓት ትግራይ ዝኾና ሓይልታት ዓለም፣ ውጹዕን ርጉጽን ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓሌታውን ባርባራውን ግዝኣት-ወያነ ሓርነት ትግራይ ብመሬት ብጥይት ብሰማይ ብነፈርቲ ውግእ ኣብ ባይታ እናተረሸነን እናተቐልወን ስጋብ ሕጂ ከም ኣብ ዕትሮ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ምስቃጥ`ሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር? እንታይ እዩ`ኸ ጸገመን?
 
ርእይቶይ ኣብ“ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክድብድብ ጀሚሩ”።
እዚ ሰንሰለታዊ መራኸቢ ጽሑፍ ጠዊቕኩም  ነዚ ዘስካሕክሕ ተንቃሳቕሲ ስእሊ ተዓዘብዎ።
https://www.facebook.com/deruyehareru/videos/232171717184629/
 
ብብርሃነ ሃብተማርያም
መስከረም 02, 2016
 
ምስሉያት ሃገራት ኣብ ባይታ ብዘየሎ ብሓሶት ዝተፈብረኸ ብዛዕባ ኤርትራ ዘልቅሳን ናይ ሓርገጽ ንብዓት ኮረር…… ኮረር ዘብላ ዝነበራን ከደምተን ሸቀጥትን  ናይ ጥቕሚ ባሮተንን ደኣ ሎሚ ኣበይ ኣተዋ? ውጹዕን ርጉጽን ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓሌታውን ባርባራውን ግዝኣት-ወያነ ሓርነት ትግራይ ብመሬት ብጥይት ብሰማይ ብነፈርቲ ውግእ ኣብ ባይታ እናተረሸነን እናተቐልወን ስጋብ ሕጂ ከም ኣብ ዕትሮ ማይ ዝኣተወት ኣጭዋን ምስቃጥ`ሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር? እንታይ እዩ`ኸ ጸገመን?
 
ቐደም ኣብ ኤርትራ ምስ ብጾተይ ኣብ ሓደ ዓዲ *** እናተመሃርኩ እንከሎኹ ስርዓት ኢትዮጵያ ንኤርትራዊ ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም ኣብ ዝቐንጸለሉ ዕለት ኣንጻር ፋሽሽታዊ ደርጊ ሸብሮ ብምግባር ምምሃር ኣቢና ኣብ`ቲ ኸባቢ ቤት ትምህርቲ ተኣኪብና ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፣ እቶም መምሃራንና ንቶም ለባማት ሽማግለ ቤት ትምህርትና ደቂ ዓዲ *** ጸዊዕም ደቆም ናብ መምሃሪ ክፍልታት ኣትዮም ክመሃሩ ክምዕድዎም ነገርዎም። ሓደ ኣፎኛ ካብቶም ለባማት ሽማግለታት ዓዲ ብቕጽል ስም “ዓለም ትሽዓተ-ዘይትመልእ ዓሰርተ” ዝፍለጡ መኽዩፍ [መስሓቕ] ሰብኣይ በዓል ግርማ ናባና መጺኦም “እዞም ደቀይ ሃበርም፣ በጃኹም ናብ ክፍልኹም ኣቲኹም ዋኒን ትምህርትኹም ግበሩ” ኢሎም ተማሕጸኑና። ንሕና ድማ ብሓደ ቃል ኣይፋልን፣ ንሕና ዜጋታት ኤርትራ ብመግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ እናተዓፈኑን እናተረሸኑን ትምህርቲ ኣይንምሃርን ኢና ኢልና ኣቕበጽናዮም። ንሶም ድማ እቲ ማዕዳኦም እናለገሱልና ኣብ ዝኾነ ሞንጎ ዘረባኦም  እዞም ደቀይ “ዓለም ትሽዓተ-ዘይትመልእ ዓሰርተ” ትብል ሓረግ እናእተዉ ብምድግጋም ብሰሓቅ ኣፍና ብኸናፍርና ዒብ ጌርና ንኸይንኸድን ዝተሸገርናሉ ግዜ ሎሚ ከም ሓድሽ ኮይኑ ይዝከረኒ። ኣማን ብኣማን! እዞም ለባምን በሊሕን ኣቦስ ለካስ እቲ ሓቂ እዮም ኣብ ሞንጎ ዘረብኦም “ዓለም ትሽዓተ-ዘይትኸውን ዓሰርተ” ሕውስ እናኣበሉ ዝምዕዱናን ዘስሕቑናን ዝነበሩ! እዞም መስተውዓሊ ኣቦ ድማ *ዓለም ከምቲ ዝድለ ምሉእ ፍትሒ ስለ ዘይብላን ንኣሽቱ ስለ ዘለኹምን ተምሃሩ ግዜኹም ተጥቐምሉ* ኢሎም እዮም ዝምዕዱና ዝነበሩ።
 
ንሕና ኤርትራውያን ግን ብጣዕሚ ዕድለኛታት ኢና ኔርናን ሕጂ`ውን ዘለናን። ኣብቲ እዋን`ቲ ከም`ዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘራይን ዋልታን ዘይብሉ በርጌሳዊ ህዝቢ ብወያነ ትግራይ እናተቐዝፈን እናሃለቐን ንዕዘቦ ዘሎና ኣብ ኩነታትና ኣብ ኤርትራ ከምኡ “ዳርጋ” ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል፣ እንተነበረ ኸኣ ኣብ`ቲ ንሳቶም ዝቆጻጸርዎን ብወፍሪ ዝኣተውዎ ቦታታን ጥራሕ እዩ። ስለምንታይሲ ሓደ፣ ቤት ትምህርትና ካብ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኮይኑ ከምዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይ ገለ ቀይዲ ዝፍጸም ዘሎ ፋሽሽታዊ ቅንጸላ ጸላኢ ካብ መዓስከሩ ወጺኡ ብዘይ ሓደ ስኽፍታ ክንቀሳቐስን ክርሽንን ዓቕምን ሓሞትን ፍጹም ኣይነበሮን።
https://i.ytimg.com/vi/JlzX68uJxJY/maxresdefault.jpg
ምኽንያቱ ድማ ጽኑዕ ዋልታን ዕርድን ዝኾኑና ጀጋኑ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ደሓር [ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ብዘይካ ከተማታት እቲ ዓድታትን ቁሸታትን ኤርትራ ተቘጻጺሮም ስለ ዝነበሩ እዮም። እዚ ዕድልን ተውህቦን እዩ ኸኣ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ጌና ስለ ዘይወነንዎ፣ በዚ ጥስጡስን ዘይሓንኽ ሰራቒ ሰርዓት ወያነ ትግራይ ብዘይ ንሕስያ ዝቕተሉ ዘሎዉ። ንሕና ኤርትራውያን ግን እዚ ብቐሊሉ ዘይትመን ንቑሕን ውዱብን ጥርኑፍን ዕጡቕን ናይ ርእሰ-ምክልኻል ሓያል ትካል ብምውናንና ዕድለኛታት ኢና ዘበለኒ። ቀደም ብብጊሓቱ ንቑሓት ውዱባት ከምኡውን ዕጡቓት። ሎሚ`ውን ልኽዕ ከምኡ!።
 
ይኹን ደኣ`እምበር ኢትዮጵያውያን`ውን ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዝሕግዞምን ዝከላኸለሎምን ውዱብን ዕጡቕን ንግዚኡ ኣይሃልዎም እምበር ነቲ ንዘይገበሮ ገሬዮ ንዘይወዓሎ ውዒለዮ ኢሉ ከም እንቁርዖብ ዝንፋሕን ዝጀሃርን ታሪኽ ለዋዊሱ ብብድዔን ጻዕዳ ሓሶትን ወግሔ ጸብሔ ከም ጥሩምባ ክነፍሕ ዝነብር ዓሌታዊን ኣረሜናዊን ግዝኣተ-ወያነ ትግራይ ሕንፍሽፍሽ ብምእታው ጽሕጻሕ ጥራይ ጌረሞ ዘይኮነስ ዝሕዞን ዝጭብጦን ከም ዝጠፍኦ ኣላህየሞን እዮም። ጸረ-ህዝቢ ፋሽሽትነት ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ብቕልጽም ሓፋሽ ህዝቢ ምቕሃሙን ምሟቱን ምቕባሩን ዘይተርፎ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ናይ ውሑዳት ብሃማት ጨቛኒ ስርዓት ትግራይ ድማ ናይ ግዜ ሕቶ እምበር ከም ካልኦት ኣቦሓጎታቱ ከም ዝጠፍእን ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ዝቕበርን ጥርጥር የሎን።
 
የEPLF Photos ምስል ውጤት
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!!!
ዓወት ንሓፋሽ!!!
 
ብርሃነ ሃብተማርም
Received on Fri Sep 02 2016 - 16:23:39 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved