ገጽ-መጽሓፍ:*"ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክስዋእ".....ዓወት ንሓፋሽ!" ዝብሉ ኣምራት ካብ ብዙሓት ከም ኣብነት፣ ጭርሖ ጥራሕ ዘይኮኑስ ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝስርሓሎም ዝነበረን ሎሚ`ው.............

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 1 Sep 2016 21:26:13 +0200
*"ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክስዋእ".................. ዓወት ንሓፋሽ!" ዝብሉ ኣምራት ካብ ብዙሓት ከም ኣብነት፣ ጭርሖ ጥራሕ ዘይኮኑስ ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝስርሓሎም ዝነበረን ሎሚ`ውን ኣብ ናጻ ኤርትራ ዝቕጽሉ ዘሎዉ ቅያዊ ባህልታትን ጽኑዕ ሰውራዊ መትከላትን ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን እዮም።
*ብርሃነ ሃብተማርያም
 

እዞም ንርእዮም ዘለና ኤርትራውያን ጀጋኑ እዩም። ራድዮ ርክብ ተሓንጊጡ ዘሎ ጀብጀብ ርእሱ ድማ ስዉእ ቃልኣብ መሓሪ ይበሃል። ኣብ ክፍለ ሰራዊት 70 ብርጌድ 20 እንዳ ሓመዱ እስታፍ መራከቢታት ቦጦሎኒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ኣብ ቀዳመይቲ መጥቃዕቲ ግንባር ደቀምሓረ ንውጉእ ብጻዩ ካብቲ ዝተሃርመሉ ቦታ እንዳኣለዮ እንከሎ ነቲ ከልዕሎ ዝተበገሰ ብጻዩ ኣድሒኑ ንሱ ግን ብጅግንነት ስለ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ኤርትራ ከምቶም ንዘንተ እለት እናተዘከሩ ዝነብሩ ሰማእታትና ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክስዋእ ዝብል ሓልዮት ብጻይነት ብተግባር ተግቢሩ ዓወት ንሓፋሽ እናበለ ሞባእ ንሓርነትን ሰላምን ኮይኑ። ስለዚ ነዞም ጀጋኑ ሓላላት ደቂዛ ክብርቲ ሃገር ዝሰርሕዎ ቅያን ተኣምርን ምእንታና ሙኳኑ ፈሊጥና፣ ከምዘለናያ ኣብ መትከልና ምጽናዕ ። ኩሉ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ተንኮላት ዕጥቂ ሰማእታትና ዓጢቅና ንመክቶ።

ህዝባዊ ግንባር ዋሕስናዩ!

ሰማእታትና ዘንተ ዕለት ይዘከሩ!

ዓወት ንሓፋሽ !!!

Bild zeigt 1 Person , Ozean, im Freien und Wasser
Received on Thu Sep 01 2016 - 14:05:18 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved