ገጽ-መጽሓፍ: "ካብ ፈተውትና እምበር ሓልወና፣ ንጸላእስ ፈጢርካ ኢኻ በትሪ"

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 31 Aug 2016 00:33:21 +0200
"ካብ ፈተውትና እምበር ሓልወና፣ ንጸላእስ ፈጢርካ ኢኻ በትሪ"
 

15 ዓመት ንኤርትራ ከጥፍእዋን ንህዝባ ፉሕፋሕ ከብሉ ፈቲኖም ሲ ሕጂ የሕዋት ኢና? ኣምሓሩ ኦሮሞ ኣይትእመኑ? ጽባሕ ስልጣን እንተሒዞም ውግእ ክጅምሩ እዮም? ስርዓት ትግራይዶ ኣይኮነንን ሰለስተ ዓመት ንኤርትራ ክወርር ዝፈተነ? እምበር እቲ ውግእ ናይ ባድመ እንተኔሩ ደኣ ንምንታይ ብዓሰብን ዞባ ደቡብን ውግእ ዘኽፍት ኔርዎም? ኣብ ፈቀዶ ዓለም ትግራዎት እዮም ቋንቋና እንዳተዛረቡ ከም ኤርትራውያን ተመሲሎም ዘጽርፉና ዘለው፡


እቶም ፈቀዶ ዓለም ዝኸሱና ዘለው ንህዝብና ክከፈላልዮ ዝፍትኑ ዘለው ኣብዛ መሬት ዝዓበዮ እዚ ህዝቢ ከም ደቁ ዝሓብሓቦም ትግራዎት እዮም። ሞትናን ሽግርናን ርእዮም ዝሕጎሱ ትግራዎት ጥራሕ እዮም። ንኤርትራዊ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽና ውሽጣዊ ጽልኢ ከሕድር ዝገበሩ ትግራዎት እዮም። ንሕና ክቀትለና ንዝመጽእ ወተሃደር ማሪኽና ከማን ሕማቅ ኣይንገብርን። ሕጂ ግና ሕማቅ ከምንሓስብን ከምይዘንኣምንን ይገብሩና ኣለው።


ንሕና ሰብ እንታይ ይሓስብ ኣይኮነን ዘገድሰና እንታይ ይገብር እምበር። ኤርትራ ብሓይላ እያ ደው ኢላ ዘላ። ንሃገርናን ህዝብናን ግና ካብ ወያነ ስርዓት ንላዕሊ ጸላኢ የብልናን። ከምቲ ኣብርሃም ኣፎርቂ ዝደረፈሎም፣ ካብ ፈተውትና እምበር ሓልወና ንጸላእስ ፈጢርካ ኢኻ በትሪ። ፈተውትኩም እንዳበሉ እዮም ኣውሽጥና ኣትዮም እዚ ኩሉ ሽግር ፈጢሮምልና። ይኣክል!

Received on Tue Aug 30 2016 - 17:12:26 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved