"እቲ ከም ሓሰማ ንከብዱ ጥራይ ዝነብር ሓሹል ሓቂ ተዛሪቡ" ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 29 Aug 2016 10:15:00 +0100

እቲ ንሓያሎ መንእሰያት ዘጋገየን ኣብ ዘይፍልጥዋ ዕላማ ዝሸከለን ንሓያሎ ገርሄኛታት መንእሰያት ብሓሶት ግዚኦምን
ዕድላቶምን ዘባከነ ኣዉያት ካብ ሲናይ እናበለ ገንዘባዊ ጠለባት ጨወይቲ ገበነኛታት ዘሳለጠ፤ ኣብ ፍቆዶ ጐደናታትን
ኣብያተ ጽሕፍትን ንመንእሰያት ክንዲ ሓደ ማይ ቤት ዝከድን ሰሜያዊ ባንዴራ ኣሰኪሙ ንዓመታት ክነብሕ ዝጸንሓን ኣቀዲሙ
ባንዴራ ጥራይ ዘይኮነ ቡዙሕ ክምሃሩን ክሰርሑን ዝግብኦም መንእሰያትን ከምኡ ዉን ሃገር ብምልእታ ብሓሶት ኣቀዲሙ ዘቃጸለ
"ኣሰና" ክንዲ ገለ ኣርእስቲ ሞሊቁዎ ሓቂ ተዛሪቡሎ።።


በቶም ስመር ዉድብ እናተባሕሉ ዝተመልመሉ ሓሹላት ምልክት ክብረትን ታሪክን ሕዝቢ ኤርትራ ባንዴራ ክትቃጸል ብምርኣዩ ነቲ
ተደጉኑ ዝጸንሓ ዉዲትን እንታይነት ፤ስመር፤ ዉድብ፤ ተጣበቂቲ መሰል ፤ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ኢሎም ነብሶም ዘጠመቁ
ዝያዳ እንታይነቶምን ሰጣናዊ ተልእክኦም ብምቅጻል ባንዴራ ምስ ተጋሕደ እዚ ዝተገንዘበ ሓሶትን ልክበጣን ዘየሕፍሮ
"ኣሰና" ተደናጋጺ ክመስል ባንዴራ ምቅጻል ነዉሪዩ ክብልን ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕ ኣዒንትና ሪኢየን የእዛና ሰሚዒን።

ኣሰና ባዕሉ ዝተሳተፍሉ ኣብ ቤትጽሕፍት ኢንባሲ ኤርትራ "ለንደን" ብምእታዉ ባንዴራ ሃገርና ዘዉረደን ሰመያዊት ባንዴራ
ኣብ መናድቅ እቲ ቤት ጽሕፍት ዝለጠፍ ዶ ኣይኮነን? ብምረሻ ጋማን መሪሑ ስማያዊ ባንዴራ ኣቀድሙ መንእስያት ኣጋጊኡ ዶ
ኣይኮነን ኣብ ሰልፊ ጅኔቫ 23 ሰነ 2016 ዝተርክበ?

ሎሚ ንመን ንምድንጋር'ዩ ብዛባዕባ'ታ ሌትን ቀትርን ከይደቀስና ከም ብሌን ዓይንና እንሕልዋ ናጽነትናን ባንዴራናን
ክነግር ዝሕቅን?

ኣሰና ንዝበሎ ክንደግም ዘይኮና ነቶም ትማሊ "ኣሰናን" መሰልቱን ዘጋገይዎም መንእሰያትን ኣብ ዘይፍልጥዎ ዕላማ
ዘጥሓልዎም ከም ሓርጭ ለዊሶም ኣይ ቅጫ ኣይ ላፋጌሮም ዝገደፍዎም መንእሰያት ናይ መወዳእታ መጻኢ ዕድሎም ኣብ ዘለዉዎ
ስደት "ብዘይ ቁም ነገር ግዜ ንእስነቶም ኣባኪኖም ኣብ ሕልፍት ሂይወቶም ናብ ሃገሮም ከይተመልሱ ብሰማያዊ ባንዴራ
ተጠቅሊሎም ኣብ ዘለዉዎ ክቅበሩ ሙኳኖም ነጊሮሞም ኣለዉ"

ኩሉኩም ጉጉያት መንእሰያት ካብ'ዚ የድሕንኩም ካብ'ዚ ዝዓቢ ትምህርትን ንቅሓትን ስለ ዘየለ እዞም ዕሉላት ከዳዓት
መናብርቲ ከርተቶም ከይገብርኩም ልቢ ግበሩ ድሕሪ ደጊም ዝሓለፍ ሓሊፉ ዩ እሞ ኣብ ማሕበረ ኮማትኩም ዕሰሉ ኣብ ጉኒ
መንግስትኩምን ሕዝብኩምን ህግደፍን ደወ በሉ ሕዝብን መንግስትን ህግደፍን ግዳያት ዕሉላት ከድዓት ምካንኩም ይፍልጥ'ዩ
ስክፍ ኣይበልኩም ወትሩ ኣብ ጎንክም ኣሎ በዚ ኣይትጠራጠሩ እቲ ዝከፍኤ ነዚ እና ሰማዕካ ምግጋይ'ዩ።

ተመሃሩ ስርሑ ግዜ ንእስነትኩም ተጠቀሙሉ ንእስነትኩም ኣብሊዬም ከም ትምኒቶም ብሰሚያዊ ጨርቂ ጠቅሊሎም ከይቀብርኩም እዚ
ወድሓንኩም።

እንተ ኣሰና ድሮ ባይታ ዘቢጡ ሰክራማት ኣብ ፖልቶክ "Paltalk" ክልፍልፍዎ ዝሓድሩ ትፍኦም ቀትሪ ኣብ ምዝርጋሕን
ገለ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ዘለዎም ዶክተራት በለስ ኣብ ምዝርራብን ምድዕዓስን'ዩ ተዋፊሩ ዝርከብ።

ንምስማዕ ኣብ'ዚ ኣድራሻ https://adalvoice.wordpress.com/ - ጠውቁ





x1fFjmAn0FjN111111.jpg
(image/jpeg attachment: x1fFjmAn0FjN111111.jpg)

Received on Mon Aug 29 2016 - 03:54:04 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved