Tigrigna.VoaNews.com: ክልተ መንእሰያት ኤርትራ ጸረ-ጣንጡ መድሃኒት ሚሂዞም

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 28 Aug 2016 21:17:06 +0200

ክልተ መንእሰያት ኤርትራ ጸረ-ጣንጡ መድሃኒት ሚሂዞም

ነሓሰ 28, 2016
መንእሰያት መንግስታኣብ ተስፋልደትን ኣቤል ፍቓዱን

መንእሰያት መንግስታኣብ ተስፋልደትን ኣቤል ፍቓዱን

ኣብ ኤርትራ፡ ክልተ ተማሃሮ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት፡ ጸረ-ጣንጡ መድሃኒት ብምስራሕ ተሸለምቲ ኾይኖም ።

ንሳቶም፡ “ ዕላማና ዓሶ ኣብ ሃገርና ታሪኽ ኾይኑ ንክሓልፍ`ዩ” ይብሉ።

እቲ ካብ ቆጽሊ ከምዝስራሕ ዝተገልጸ መድሃኒት፡ ብተግባር ተፈቲኑ ውጽኢታዊ ከምዝኾነ ካብ`ቶም መንእሰያት ሓደ መንግስተኣብ ተስፋልደት ይገልጽ።

መንእሰያት መንግትኣብ ተስፋልደትን ኣቤል ፍቓዱን ካብ ኮሌጅ ስነፍልጠት ጥዕና ኣስመራ ብዓውዲ ፋርማሲ ብ ዲግሪ ተመሪቖም ኣብቲ ኮሌጅ (GA) ኮይኖም ይሰርሑ ኣለው።

እዞም ክልተ ፋርማሲስት መንእሰያት ንዓመትን ክልተ ወርሕን ዝስወሰደ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር ንሕማም ዓሶ ከመሓላልፍ ዝኽእላ ጣንጡ ኣብ ደረጃ ላርቫ (larva stage) እንከለው ዝቐትልን ነተን እኹላት ጣንጡ ከኣ ዘህድምን ጸረ ጣንጡ መድሃኒት ካብ ቆጽሊ ናይ ሓንቲ ገረብ ዝርከብ ፍሉይ ባእታ ኣነጺሮም ብምውጻእ ኣብ ሃገራዊ ላባራቶሪ (entomology LAB) ብተደጋጋሚ ፈተነ ድሕሪ ምክያድ ውጺኢቱ ብሉጽ ኮይኑ ተረኺቡ።

በዚ ስርሖም ከኣ ብድረጃ ሃገር ዝውሃብ ፍሉይ ሽልማት (SOYRA Award) ክረኽቡ ኪኢሎም እዮም።

ኣብ ቀጻሊ ክኣ ብ ኣደስ ጣንጡ ዝፍለጡን ንሕማማት ዚካ ቫይረስን ደንክ ፊቨርን ዘማሓላልፍ ጣንጡ ዝቐትል ጸረ ጣንጡ መድሃኒት ንምስራሕ ኣብ መስርሕ ከምዘለው ሓገዝን ምወላን እንተ ረኽቦም ውን ብሉጽ ስራሕ ንምስራሕ ድልዋት ከምዘለው ብርእሰ ተኣማንነት ይገልጹ፡ መንእሰያት መንግስታኣብ ተስፋልደትን ኣቤል ፍቓዱን።

http://av.voanews.com/clips/VTG/2016/08/26/1764d131-8a7f-4557-a14a-1e62e19f7717.mp3
 
Received on Sun Aug 28 2016 - 13:56:11 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved