ስርዓት ወያነ ኣበይ ገጹ ክኸይድ’ዩ ንኢትዮጵያኸ ብሰላም ይገድፋዶ?

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam.1_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 23 Aug 2016 21:07:27 +0200
Aug 23, 2016

seratwoyaneindex.1ገለ ገለ ሰባት ብዛዕባ ወያነ ክትዛረብ ወይ ክትጽሕፍ ከሎኻ ናይ ሃገርካን መንግስትኻን ዘይትገብር ናቶም እንታይ ገደሰካ ይብሉኻ ኢዮም። ዝዀነት ሃገር ብዘይካ ናይ ሃገራ ናይ ጐረቤታን ናይ ዓለምን ዘይትገብር እንተትኸውን ነራ ግን እዚ ኵሉ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ኣይምተራእየን። ብፍላይ  ስርዓት ወያነ ናይ ጕዳይ ሃገሮም ጥራሕ ይገብሩ እንተዝነብሩ ከኣ ጕዳይ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ኣይምሃለወን ። እቲ ክርሳዕ ዘይብሉ እምበኣር  ስርዓት ወያነ ዝበዝሕ ጊዜኦም ኣብ ዓለም ንጕዳይ ኤርትራ ንምብልሻውን ንምጽላምን ንህዝቢ ኤርትራ ንምብታንን ንመንግስቲ ኤርትራ ንምሕንኳልን ንምውዳቕን ዘሕልፉዎ ምዃኖም ኢዩ። እዚ ከኣ ሎሚ ዝጀመሩዎ ዘይኮነ ብኔው ይምሓሮ  እቲ  ወዲ ጓልና ዝሓንጸጾ  መደብ ኢዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ጕዳይ ከኣ መለስ ዜናዊ  ኮነ  ስብሓት ነጋ ኣብ ዝተፈላለየ ቃለ መሕትቶም ሓቅነት ዘይብሉ  ንሃገረ  ኤርትራን ህዝባን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ንላዕሊ ከም ዝሓልዩሉን  ዝግደሱሉን ብዙሕ እዋን ክገልጹ ምስምዖም ኢዩ።   ብኣንጻሩ ግን ህዝባዊ ግምባር  ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ቅሱንን ሰላማውን ጐረቤት ንኽህልወና ንሓድነት ኢትዮጵያ ካብ ወያነ ንላዕሊ ከም ዝሰርሓሉን ዝደኸመሉን  ሂወት ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዝኸፈለሉን ንሕና  ጥራሕ ዘይኮና ባዕላቶም እቶም ንትግራይና ናጻ ካብ ኣውጻእና ናይ ካልኦት ህዝቢ ኢትዮጵያ እንታይ ገደሰና ባዕሎም ዘይቃለሱ ብማለት  ንኢትዮጵያ ንምቅላስ ዝተቓወሙን ንዝተረፈ መሬት ኢትዮጵያ ካብ ደርጊ ናጻ ንምውጻእ  ዝሓንገዱን ትግራዎት ተጋደልቲ ዝምስክሩዎ ሓቂ ኢዩ።

እሞ ንዓይጋ ፎርም ኮነ ንትግራይ ኦን ላይን ከነዘኻኽሮም ንደሊ ታሪኽ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝፈልጥዎ ስለዘይመስሉ ነቶም ገዳይም ተጋደልቶም ሓቲቶም ነቲ ሓቂ ንኽርድኡዎ  ነዘኻኽሮም።

ንሕና እዚ ናይ ክልላት ምምሕዳራት ገርና ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ክልላት ከም ትመሓደር ዝወሰንናሉ  ምኽንያት ነታ ሃገር ኣብ ክንዲ ንሕና ባዕልና  ንበይንና ነመሓድራን  ናይ ብሔርን ዓሌትን ጸገማት ዘጋጥመናን  ነቲ ህዝቢ ኣብ ክልተ መቒልና ፈላሊና ከነመሓድሮ ከሎና እቲ ባእስን ጽልእን ኣብ ክንዲ ምሳና ምስ ትግራዎት ዝኸውን ኣብ ነንሓድሕዶም ኣብ መንጎ እቲ ንዓና ዝድግፍን ዝቃወምን  ብሄራት ይኸውን ማለት ኢዩ። ኢሃደግ ካብ ዝገበሮም ክልተ ዓበይቲ ውሳነታት ከኣ ሓደ እዚ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ከኣ እቲ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ዝሓንጸጽናዮ ኣይ ኵናት ኣይሰላም ኢዩ።

እዚ መግለጺ እዚ ብዘይሕብእብእን ብዘይቃልዓለምን ዝሰማዕናዮ  በቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዝለዓለ መሪሕነት ወያነ ንኽንንእዶምን ከነደንቖምን  ንኤርትራውያን ዝተገልጸልና መብርሂ ኢዩ። እዚ ጥራሕ እውን ኣይኮነን ኤርትራ ትብሃል ካብ ትፍጠር መንግስትን   ህዝብን ኤርትራ ከም ‘’ኢሂኣደግ’’ ዝኣመሰለ  ፈታውን ሓላዪን መንግስቲ እውን ተፈጢሩ ኣይፈልጥን እውን ተወሲኹዎ  ነሩ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን እቲ ዝግበር እንታይ ምዃኑ ብዓይኑ እናርኣየ ነቲ ዝበሃል ክኣምን ዝኽእል ደንቆሮ ህዝቢ ከም ዘይኮነ ዘይምፍላጦም ኢዩ። እቲ ኣብ ስርዓት ወያነ ዘሎ ርኡይ ጌጋ  ግን   ነቲ ዝብሉዎን ዝዝርግሑዎን ሓሶት ኵሉ ህዝቢ ክቕበሎን ክእምኖን ኢዩ ኢሎም ስለዝሓስቡ   ኢዩ። ሎሚ ኣይኮነንዶ ንሓሶት ንሓቂ እውን ክትጠራጠረሉ እምበር ብቐሊል ክትኣምኖን ክትቅበሎን  ከም ዝይከኣል ንኽርድኡ ከኣ  ንስርዓት ወያነ ነዊሕ እዋን ከድልዮም ኢዩ። ብሓጺሩ እዚ ስርዓት ወያነ ‘’ሜስ ንዘይፈልጦ የጥርጦ’’ ከም ዝበሃል  ብሳላ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዘይፈልጦን ዘይተጸበዮን  ዘይተስውኣሉን ሃገር ኢትዮጵያ ስልጣን ከም ዝሕዝ ተገሩ  ዋላ ከብዱ እንተግፍሔ ጽጋብ ምጽዋር ስኢኑዎ ኣብ ከምዚ ሎሚ ኣትዮዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ምእታዉ ዘይገርም ኣይኮነን።

ኣብ ታሪኽ ወያነን ንትግራይ ናጻ ንምውጻእ ዝተገብረ ቃልስን ወያነ ዋላ ሓንቲ እውን ትኹን ንትብዓትን ጅግንነትን ሰራዊት ወያነ ተዅርዕ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራት ደርጊ ዝተገብረ  ታሪኻዊ  ውግእን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ደርጊ ዝተሓፍሰ ዓወትን ኣብ ታሪኽ ሃሰስ ኢልካ ዘይርከብ ኢዩ። ንመሬት ትግራይ ነቲ ዝበዝሕ ደርጊ ባዕሉ ዝገደፎ ኢዩ። እታ ሓንቲ ከቢድ ውግእ ዝነበራ ውግእ ሽረ ከኣ ብሳላ ሻዕብያ ብኸመይ ዓወት  ከም ዝተረኽበ ወያነ እንተኽሓዶ ህዝቢ ሽረን ሓቀኛ ታሪኽን  ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርም ግን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንመሰል ርእሰ ውሳነ ትግራይ እምበር ንኢትዮጵያ ኢሉ ቃልሲ ከም ዘይጀመረን እዚ ንኢትዮጵያ  ዝበሃል ቃልሲ ብጸቕጥን ድፍኢትን  ህዝባዊ ግምባር ድሕሪ ክንደይ ባእስን ቃልስን ዝተቐበሎ ምዃኑ ንዋላ ሓንቲ መዓልቲ እውን ከም ታሪኽ ተቐቢሉዎን ተዛሪቡሉ ዘይፈልጥ ምዃኑ ኢዩ። ይገርመና ከኣ።

ብዝያዳ  ዘሕዝን ግን ነቲ ብሰንኪ እቲ ብልሽውናን ስርቅን ዝዓብለሎ መንግስቶምን ናይ ዓሌትን ወገንን  ርኡይ  ፈልላዪ ዝዀነ   ምሕዳራቶምን ንዘጋጠሞም ጸገም ክፈላልየናን ክብትነንናን መንግስቲ ኤርትራ ዘከይዶ ዘሎ ተጻባእነት’ዩ ኢሎም ክኸሱ ይስምዑ ምህላዎም ኢዩ።

ስርዓት ወያነ ንመንግስቲ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ብዙሓት ደቂ ሃገር ኢና ዝብሉ ሃሱሳት ዓሲቡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓሌትን ብሃይማኖትን ብኣውራጃን ንምብታንን ንምፍልላይን ክሳብ ሎሚ ብግልጺ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጕዳይ ኢዩ።

ብወገነይ ባዕሉ ስለዘለዎ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ክዛረብ ኣይደልን ኢየ።  ከተፍርሶ  ንዝሓሰብካ ሃገር ከፍርሰካ እንተሓሰበ  እውን ዝገርመኒ ኣይኮነን።  እቲ ኣነ ኣጸቢቐ ዝፈልጦን ዝምስክሮን ግን ነቲ ኣብ ጊዜ ቃልሲ ዝነበረ  ኵነታትን  ነዚ ሎሚ ስርዓት ወያነ ዘካይዶን ዝገልጾን ዘሎ ኣገራሚ ነገራትን ጥራሕ ኢዩ።

ስርዓት ወያነ ሰለስተ ቀንዲ ዕላማታት ነረንኦ። ሰለስቲኤን ከኣ ፈሽለናኦ።

ብሕጽር ዝበል ኣገላልጻ ፡

1.   እቲ ብሔራት ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ናባና ዝጥምቱ ነንሓድሕዶም ክዋግኡ ኢዮም ዝተባህለ ኣይሰርሔን። ኵሎም ጸረ ወያነ ተላዒሎም ኣለዉ።

2.   እቲ ንኤርትራ ዝኣወጁዎ ኣይሰላም ኣይኵናት እውን ብመጠኑ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ሃስያ ዘውረደ’ኳ  እንተዀነ ከምቲ ንሳቶም ዝተጸበዩዎ  ንኤርትራ ክብትናን ከውድቓን ኣይከኣለን።

3.   እቲ ንኢትዮጵያውያን ነንሓድዶም እናዋቓዕና ብሰላም ሃገር ክንገዝእን ሃብትን ንብረትን ክንድልብን፡ ካብ የማን ጸጋም መሬት ዘሚትና ንትግራይና ከነዕብያን ከነሃብትማን ንኽእል ኢና ዝተባህለ እውን ሕልሚ ጥራሕ ኰይኑ ተሪፉ። በቲ ጥልመቶምን ናይ ሎሚ እምበር ናይ ትማሊ ዘይምዝካሮምን ከኣ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ደም ተኺሎም  ንርኢ ኣሎና።

ሎሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኣኽለኩም ኣይንደልየኩምን ይብል ኣሎ።  ወያነ ግን ሓቆም ኢዮም ካብ ጸልኡና ሎሚ ሃገር ብሓይሊ ክንገዝእን ሂወት ሰብ ብኸንቱ ከነጥፍእን ኣይግብኣናን ኢዩ ኢሎም ንኢትዮጵያ ብሰላም ክገድፉዋን ስልጣኖም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከረክቡን  ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ።  ህዝቢ ኢትዮጵያ  ሎሚ ተቐጥቂጡን  ተገሪፉን ንስርዓት ወያነ ርዒሙ ክኸይድ ሕልሚ ጥራሕ ኢዩ። ይኹን እምበር ወያነ ከም ንፈልጦ ናይ ሰላም ስርዓት ስለዘይኮነ ተሌፎንን ኢንተርነትን ምዕጻው ጥራሕ ዘይኮነ ገና  ህዝቢ ከጥፍእን  ከህልቕን’ዩ ኢለየ ዝኣምን። እቲ ብረትን ገንዘብን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኢዶም ስለዘሎ ከኣ ሎሚ ንትግራይ  ከይዶም ብጥሜትን ጽምእን ክሃልቁ ኮነ ኣብቲ ናይ ጥንቲ ድኽነቶም ክምለሱ ክውሓጠሎም ስለዘይክእል ከኣ እቲ ብረትን ገንዘብን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኢዶም ስለዘሎ  ብቀሊል ክኸዱ ከም ዘይኮኑ ንምግማት ዘጸግም ኣይኮነን።

‘’ኣቦ ዘይኮነካ ኣቦኻ የሕድገካ’’ ከም ዝበሃል ከኣ እቶም ኣጆኹም እናበሉ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘበኣሱዎምን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ትዕቢትን ትምክሕትን ሓዲሩዎም ኣብ ሳጥናኤላት ከም ዝቕየሩ ዝገበሩዎምን ኣያታት ከኣ ምስ ህዝቢ ክበኣሱ ስለዘይደዩ ጽባሕ ሸተት ኢሎም ከም ዝገድፉዎምን ካልእ ንረብሓታቶም ዝሕሉ ዘይተፈልጠ ምስሌነ ክፈጥሩ ምዃኖም  ዘጠራጥር ኣይኮነን።  ብርእይቶና ከኣ ለባማት እንተዝዀኑ ነቲ ዘሎ ኵነታት ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተመያይጦም ብሰላም ክፈትሑዎን ስልጣን ንህዝቢ ከረክቡዎን  ምተገብኤ። ግን ሓደ ጊዜ ምስ ተጋገኻን ኣብ ደም ምጽያቕ ምስ በጻሕካን ብሰላም ዘይመጸ መንግስቲ ብሰላም ስልጣን ክለቅቕ ዘይሕሰብ  ስለዝኰነ ብጭካነ ስርዓት ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ገና እቲ ዝኸፍኤ ክመጽእ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ

ቀለታ ኪዳነ

ምንጪ ጽሑፍ፡ ኤሪጋዜጠ

Received on Tue Aug 23 2016 - 13:46:32 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved