ገጽ-መጽሓፍ፡ *ስርዓት ወያነ ትግራይ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝወረዶ ራዕዲ ታንክታቱ ካብ ዶብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይስሕበን።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 15 Aug 2016 22:17:24 +0200
*ስርዓት ወያነ ትግራይ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝወረዶ ራዕዲ ታንክታቱ ካብ ዶብ ኤርትራ ናዲስ ኣበባ ይስሕበን።
 

ነሓሰ 15, 2016

ስርዓት ትግራይ ንኤርትራ ንምጉዕባዕ ኣብ ጥቃ ኤርትራን ትግራይን ኣጸጊዓተን ዝጸንሐት ሓምሳ ዝኾና ታንክታትን ድሩዓት መካይኒን ተቃውሞ ናይ ውሽጢ ኢትዮጵያ ስለ ዝበዝሓን ዘስግኣን ናብ ዋና ከተማ ኣዲስኣበባ ስሒባተን ኣላ። እዚ እቲ ስርዓት ካብ ዝገልጾ ንላዕሊ ርዒዱ ከምዘሎ እዩ ዘርኢ። ብኻልእ ወገን ናይ ኢትዮጵያ ምሉእ ናይ ባንክን ፉይናንስን ዳታ ዝሓዘ ስይስተም ካብ ኣዲስ ኣበባ ተነቂሉ ናብ መቀለ ግዒዙ ኣሎ። እዚ ምስቲ ታንክታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምውሳድ ክርኣይ ከሎ ንምግማቱ ኣየጸግምን እዩ። ንኣዲስ ኣበባ ስጋብ መወዳእታ ምክልኻልን ንህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ስለዘይኣምንዎ ግና እቲ ን25 ዓመት ዝሰረቅዎ ቢልዮናት ዶላራት ክሓብዎ እንተኾይኖም ግን ናብታ ቀንዲ መዓስከሮም ዝኾኑ ትግራይ ክውሰድ ኣለዎ። እዚ ከኣ ምስቲ ትግራዎት ካብ ጎንደር ናይ ምውጻእ ስጉምቲ ክርኣይ ከሎ እቲ ስርዓት በጺሕዎ ዘሎ ሻቕሎት እዩ ዘርኢ። ንኹሉ እንኳዕ ኣርከብናሉ እዩ ዘብል።

 
Bild zeigt im Freien und eine oder mehrere Personen
 
Received on Mon Aug 15 2016 - 14:56:28 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved