ገጽ-መጽሓፍ፡ *ለባማት ኣቦታትና ኤርትራውያን ከም ዝብልዎ፣ "ጭጉራፍስ ያኢ ባዕላ ወቒዓስ ተመሊሳ ተእዊ" ወይ ድማ "ኢድ ሸናሒት`ሲ ጸናሒት"! ናይ`ዚ ብሃብቲን ዋጋን ውጹዓት ኢትዮጵያውያን ከብዱ ዘኸረሸን (ዘግዘፈን) ብደሞም ዝሰኸረን.........................

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 13 Aug 2016 21:38:23 +0200
*ለባማት ኣቦታትና ኤርትራውያን ከም ዝብልዎ፣ "ጭጉራፍስ ያኢ ባዕላ ወቒዓስ ተመሊሳ ተእዊ" ወይ ድማ "ኢድ ሸናሒት`ሲ ጸናሒት"! ናይ`ዚ ብሃብቲን ዋጋን ውጹዓት ኢትዮጵያውያን ከብዱ ዘኸረሸን (ዘግዘፈን) ብደሞም ዝሰኸረን ብጽልእን ብድዔን ሓሶትን ስርቅን ዓይኑ ዝዓወረን እዝኑ ዝጸመመን ዓሌታዊ ስርዓት ወያነ ሓርነት ትግራይ እትገልጽ ፍልይቲ ሕማቅ ባህሪ ጥቕሲ እየን! Bildergebnis für TPLF character photos http://www.ethiomedia.com/17image/eprdf-tplf.jpg TPLF’s Hidden Support to Al-Shabab Exposed – Ecadforum
*ብርሃነ ሃብተማርያም

ስርዓት ትግራይ ኣብ ክንዲ ጌግኡ ዝእርም ከምዚ ዝጠፈሸ ነጋዳይ ንኤርትራ ከየጥፉእና ሰላም የለን ብዘስምዕ ፈኸራታት የጉባዕብዕ ኣሎ። ሃየበሉ በቲ ብህዝብኹም ፎእ ዝተባህለ ሰራዊትኩም ጌርኩም ንኤርትራ ክትወሩ ፈትኑ እሞ እቲ ውጽኢት ሓቢርና ክንርእዮ ኢና። ሰላም ደሊኹም መሬት ኤርትራ ግደፉ እምበር መሬትና ወሪሩ ኣብ ታሪኽ ዘዕረፈ ስርዓት የለን። ሕጂ ግዳ ሰዊድና ቀደም እኳ ናይ ኤርትራውያን መሬት ሒዞም ቀሲኖም ዝሓደሩ የለውን። ኣብ ቀራና መንገዲ በጺሕኩም ኣለኹም እንዳ ወያነ ሕጅውን እቲ ምርጫ ናትኩም እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሕጂ በጺሕኩም ዘሎ ምስ ድሕሪ ሕጂ ዝበጽሓኩም ክርኣይ ከሎ እዚ ናይ ሕጂ ሕጽኖት እዩ። ሕጂውን እታ መልእኽቲ ሓንትን ሓጻርን እያ "መሬት ኤርትራ ገዲፍኩም ውጹ"! እንተዘይኮይኑ ንእንቃቅሖ ኢልኩም ብዓባያ እታ ደርሆ ከይትስእንዋ። ጽባሕ ተጣዒስኩም ተምጽእዎን ትመልስዎን ጉዳያት ኣይክህሉን እዩ። ንፈኸራ ኢልና ዘይኮነ ናይ ምግባር ዓቅምና ትፈልጥዎ ኢኹም።

ከምዚ ኣብ ኮማ ዝኣተወ ሰብ ዘየለ ነገር ክትኣምኑ ኣይፈትኑ። እቲ ዝዓበየ ነገር ተወዲኡ እዩ፣ ድሕሪ ሕጂ እቲ ደቁ ዝሓረድክምሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንኹም ኮይኑ ኣንጻር ኤርትራ ክስርዓ ኢዩ ኢልኩም ትጽበዩ እንተኣለኹም ናይ ሓቂ ኣብ ኮማ ኣቲኹም ኣለኹም። እቲ ብ98 ትተኣማመኑሉ ዝነበርኩም ዘይውዳ ዓቅሚ ሰብ ሕጂ የለን። ከምዚ ኣብ መሬት ንርእዮ ዘለና ህዝቢ ኢትዮጵያን ንስርዓት ትግራይ ብደም ቅትለት ደቁ እዩ ዝደልዮም። እታ እትፍኩርላ ዝነበርኩም ሓይልኹም ሕጂ መራሕቲ ሃይማኖት ሒዝኩም ነቲ ትማሊ ትንዕቅዎ ዝነበርኩም ክትልምኑ ጀሚርኩም ኣለኹም።

ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ናይ ምንባብ ዓቅሚ ኣይነበረክሙን፣ እምበር እታ ብህዝቢ ትፍራሕ ዝነበረት ኣብ ናይ ሓሶት ዝተሞርከሰት ወያነ ሕጂ የላን። ሕጂ ምስ ጸበበትክን ንህዝቢ ኤርትራ ንሕና እንተኸይድና በዓል ግንቦት 7 ብነጻነት ኤርትራ ኣይኣምኑን እዮም ኢልክን ብኽያት ሓርገጽ ክትበኽያ ንመን ንምዕሻው? ብዙሓት ጸላእቲ ከም ህዝብን ሃገርን ርኢና፣ ግና ከም ስርዓት ትግራይ ዝኸፍአ ሕሱር ጸላኢ ቅድሚ ሕጂ ኣይረኣናን። መቃብር ስውኣት ዝፍሓረ ስርዓት ትግራይ ጥራሕ እዩ። ካብቲ ኣነዋሪ ተግባር ንሕና ሓንቲ ነገር ኢና ተማሂርና፣ ስርዓት ትግራይ ምስ ህልዋት ሓሊፍዎም ምስ ስውኣት ኤርትራውያን ከይተረፈ ጽልኢ ዘለዎም ምዃኖም እዮም። ሕጂ እቲ ዋጋ ናይቲ ዝገበርዎ ይኸፍሉ ኣለው።

 
 
 
 
Received on Sat Aug 13 2016 - 14:17:28 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved